Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

2. ሓጥያት ናብ ዓለም ምእታዉ

Image

ኣዳምን ሰበይቱን ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሰርሐሎም ገነት ክነብሩ ከለዉ ሕጕሳት ነበሩ። ክልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ይኹን እምበር ኣይተሓፋፈሩን ነይሮም።
ምኽንያቱ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ኣይነበረን። ንሳቶም ኣብ ገነት እንዳተመላለሱ ምስ እግዚኣብሄር ይዘራረቡ ነበሩ።

Image

እንተኾነ እቲ ጐራሕ ዝዀነ ተመን፡ ነታ ሰበይቲ ድማ ከምዚ ኢሉ ሓተታ፡ “ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ገነት ካብ ዘሎ ዝዀነ ፍረ ኣታኽልቲ ከይትበልዑ ኣዚዝኩም ድዩ”፧ ድማ በላ።

Image

እታ ሰበይቲ ድማ፣ “እግዚኣብሄር ብዘይካ ካብታ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም ዝዀነ ፍረ ክንበልዕ ከምንኽእል ነጊሩና እዩ።
ካብታ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም ፍሪኣ እንተበላዕኩም ወይ እንተተንከኹም ክትሞቱ ኢኹም” ኢሉና እዩ በለቶ።

Image

እቲ ተመን ድማ መሊሱ፡ “ኣይፋልኩምን፡ ኣይትሞቱን፡ ካብ ፍሪኣ ምስ በላዕኹም፡ ኣዒንትኹም ከምዝበርህን ጽቡቕን ክፉእን ብምፍላጥ ድማ ከም እግዚኣብሄር ከምእትዀኑ ስለዝፈልጥ እዩ ኣይትብልዑ ዝበለኩም” በላ።

Image

እታ ሰበይቲ ድማ እታ ኦም ፍሪኣ ንምብላዕ ጽቡቕቲ፡ ንዓይኒ እተሕጕስን ጥበብ ብምሃብ ድማ ሃረር እተብልን ከምዝዀነ ምስ ረኣየት ካብቲ ፍረኣ ወሲዳ በልዐት።
ነቲ ምስኣ ዝነበረ ሰብኣያ ድማ ሃበቶ፡ ንሱውን ከኣ ካብቲ ፍረ ኦም በልዐ።

Image

ሽዑ ድማ ኣዒንቶም ተኸፍታ። ጥራዮም ምዃኖም’ውን ፈለጡ፡ ቆጽሊ ኣላጊቦም ድማ ከም ልብሲ ኣካላቶም ክሽፍኑ ፈተኑ።

Image

እቲ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ገነት ክመላለስ ድምጺ ሰምዑ’ሞ፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ተሓብኡ። እግዚኣብሄር ንኣዳም ጸዊዑ፡ “ኣበይ ኣለኻ” በሎ።
ኣዳም ድማ፡ “ኣብቲ ገነት ክትመላለስ ምስ ሰማዕኹ ጥራየይ ስለ ዝኾንኩ ፈሪሐ ተሓቢአ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ።

Image

እግዚኣብሄር ከኣ፡ “ጥራይካ ከም ዝኾንካ መን ነገረካ፧ ካብታ ኣይትብላዕ ዝበልኩኻ ኦም’ዶ በሊዕኻ ኢኻ”፧ በሎ። ኣዳም ድማ፡ “እዛ ምሳይ ክትነብር ዝሃብካኒ ሰበይቲ ካብቲ ፍረ ኦም ሂባትኒ በሊዐ” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ፡ “ንምንታይ ከምዚ ጌርኪ”፧ በላ። ንሳ ድማ፡ “ተመን ኣስሒቱኒ እየ በሊዐ” በለት።

Image

እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ተመን በሎ፡ “ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ድማ ክትከይድ፡ ኵሉ ዘመን ህይወትካ ድማ ሓመድ ክትበልዕ ኢኻ፡፡ ኣብ መንጐኻን ኣብ መንጎ እታ ሰበይቲን፡ ኣብ ዘርእኻን ኣብ ዘርኢ እታ ሰበይትን ድማ ጽልኢ እተክል ኣለኹ፡፡
ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ ንስኻ ድማ ሸኾንኡ ክትነክስ ኢኻ”፡፡

Image

እግዚኣብሄር ነታ ሰበይቲ በላ፡ “ደቂ ብጻዕሪ ክትወልዲ ኢኺ፡ ድልየትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፡ ንሱውን ክመልከኪ እዩ”።

Image

እግዚኣብሄር ንኣዳም ከምዚ በሎ፡ “ቃል ሰበይትኻ ሰሚዕኻ ካብታ ኣይትብላዕ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ፍረ ኦም ስለዝበላዕኻ ብሰንክኻ ምድሪ ዝተረግመት ትዅን። ኣብ ህይወት ዘመንካ ኩሉ ድማ ምግብኻ ብጻዕርኻ ካብኣ ክትረክብ ኢኻ።
ክትመውት ድማ ኢኻ፡ መሬት ስለዝኾንካ ድማ ናብ መሬት ክትምለስ ኢኻ”። ኣዳም ከኣ ንሰበይቱ ኣደ ዂሉ ህያው ኮይና እያ’ሞ ሄዋን ኢሉ ስም ኣውጽአላ፡ ትርጉሙ ድማ ወሃቢት ህይወት ማለት እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ደበሎ ኣዳልዩ ንኣዳምን ሄዋንን ከደኖም።

Image

እግዚኣብሄር ከኣ፡ “ኣዳም ከም ሓደ ካባና ክፉእን ጽቡቕን ዝፈልጥ ኰይኑ ኣሎ፡፡ ስለዚ ድማ ኢዱ ሰዲዱ ካብ ፍረ እታ ኦም ህይወት ወሲዱ ከይበልዕ’ሞ ንዘለኣለም ከይነብር’ ኢሉ፡ ንኣዳምን ንሄዋንን ካብ ገነት ኣውጽኦም።
ብድሕሪኡ ነቲ ናብ ኦም ህይወት ዝወስድ መገዲ ንኽሕልዉን ካብቲ ኦም ህይወት ፍረ ከይበልዕ፡ ምስናይ እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ፡ ኪሩቤል ኣብ ገነት ኣቐመጠ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ዘፍጥረት 3