24. ዮሃንስ ንኢየሱስ ኣጠመቖ
ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስን ዓበየ፡፡ ነብዪ ድማ ኰነ። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ይነብር ነበረ። መዓር በረኻን ኣንበጣን ይምገብ ነበረ። ክዳኑ ድማ ካብ ጨጕሪ ጊመል ዝተሰርሐ ነበረ።
ብዙሓት ህዝቢ ንዮሃንስ ክሰምዑ ናብ ምድረ በዳ መጹ። ንሱ ከኣ፡ “መንግስቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ’ሞ ተነስሑ” እናበለ ሰበኸሎም።
እቶም ህዝቢ ነቲ ዮሃንስ ይዛረቦ ዝነበረ መልእኽቲ ሰሚዖም መብዛሕትኦም ሓጥያቶም ተናዘዙ። ዮሃንስ ከኣ ኣጠመቖም። ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት’ውን ክጥመቑ ናብ ዮሃንስ መጹ፡ ሓጥያቶም ግና ኣይተናዘዙን።
ዮሃንስ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከምዚ በሎም፤ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ተነስሑ’ሞ ካብ ሓጥኣትኩም ተመለሱ፡ ሰናይ ፍረ ዘየፍሪ ተኽሊ ኩሉ ተቘሪጹ ናብ ሓዊ እዩ ዝድርበ”። እንሆ እቲ ብነብያት “መንገደይ ዝጸርግ ልኡኸይ ኣብ ቅድሜኻ ክሰድድ እየ”። ኢሎም እተዛረብዎ ተፈጸመ።
ገለ ኣይሁድ ዮሃንስ እቲ “መሲሕ” እንተዀይኑ ሓተትዎ። ዮሃንስ ድማ ከምዚ በሎም፡ “ኣነ መሲሕ ኣይኰንኩን፡ ግናኸ ብድሕረይ ዝመጽእ ሰብ ኣሎ። መእሰር ጫምኡ’ኳ ክፈትሐሉ ክሳዕ ዘይግብአኒ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ”።
በቲ ቀጺሉ ዘሎ መዓል፡ ኢየሱስ ብዮሃንስ ክጥመቕ መጸ። ዮሃንስ ምስ ረአዮ፡ “እንሆ፣ ሓጥያት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” በለ።
ዮሃንስ ንኢየሱስ፣ “ኣነ ንዓኻ ከጠምቕ ብቑዕ ኣየኰንኩን። የግዳስ ኣነ እየ ብኣኻ ክጥመቕ ዝግባእ” በሎ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ኩሉ ግብሪ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና፡ ሕጅ’ስ ይኹን ደኣ ሕደግ በለ። ስለዚ ኢየሱስ ፈጺሙ ሓጥያት ዝበሃል’ኳ እንተዘይሰርሐ፡ ዮሃንስ ንኢየሱስ ኣጠመቖ።
ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ ካብ ማይ ወጸ። መንፈስ ኣምላኽ ብኣምሳል ርግቢ ተራእዩ ኣብኡ ዓለበ። ሽዑ ድምጺ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ፡ “ንስኻ ዝፈትወካ ወደይ ኢኻ፣ ብኣኻ ድማ ኣዝየ ሕጕስ እየ” ኢሉ ተዛረበ።
እግዚኣብሄር ንዮሃንስ፡ “መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብቲ እተጥምቖ ሰብ ክዓርፍ እዩ። ንሱ ድማ ወዲ ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ነጊርዎ ነበረ። ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣሎ። ይኹን እምበር ዮሃንስ ንኢየሱስ ከጠምቖ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ክዛረብ ሰምዐ፡ ንእግዚኣብሄር ወልድ ርእይዎ እዩ፡ ንሱ ድማ ባዕሉ ኢየሱስ እዩ፡፡ ንመንፈስ ቅዱስ’ውን ርእይዎ እዩ።
_> _ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 3፤ ማርቆስ 1፡9-11፤ ሉቃስ 3፡1-23።