Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

24. ዮሃንስ ንኢየሱስ ኣጠመቖ

Image

ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስን ዓበየ፡፡ ነብዪ ድማ ኰነ። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ይነብር ነበረ። መዓር በረኻን ኣንበጣን ይምገብ ነበረ። ክዳኑ ድማ ካብ ጨጕሪ ጊመል ዝተሰርሐ ነበረ።

Image

ብዙሓት ህዝቢ ንዮሃንስ ክሰምዑ ናብ ምድረ በዳ መጹ። ንሱ ከኣ፡ “መንግስቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ’ሞ ተነስሑ” እናበለ ሰበኸሎም።

Image

እቶም ህዝቢ ነቲ ዮሃንስ ይዛረቦ ዝነበረ መልእኽቲ ሰሚዖም መብዛሕትኦም ሓጥያቶም ተናዘዙ። ዮሃንስ ከኣ ኣጠመቖም። ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት’ውን ክጥመቑ ናብ ዮሃንስ መጹ፡ ሓጥያቶም ግና ኣይተናዘዙን።

Image

ዮሃንስ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከምዚ በሎም፤ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ተነስሑ’ሞ ካብ ሓጥኣትኩም ተመለሱ፡ ሰናይ ፍረ ዘየፍሪ ተኽሊ ኩሉ ተቘሪጹ ናብ ሓዊ እዩ ዝድርበ”። እንሆ እቲ ብነብያት “መንገደይ ዝጸርግ ልኡኸይ ኣብ ቅድሜኻ ክሰድድ እየ”። ኢሎም እተዛረብዎ ተፈጸመ።

Image

ገለ ኣይሁድ ዮሃንስ እቲ “መሲሕ” እንተዀይኑ ሓተትዎ። ዮሃንስ ድማ ከምዚ በሎም፡ “ኣነ መሲሕ ኣይኰንኩን፡ ግናኸ ብድሕረይ ዝመጽእ ሰብ ኣሎ። መእሰር ጫምኡ’ኳ ክፈትሐሉ ክሳዕ ዘይግብአኒ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ”።

Image

በቲ ቀጺሉ ዘሎ መዓል፡ ኢየሱስ ብዮሃንስ ክጥመቕ መጸ። ዮሃንስ ምስ ረአዮ፡ “እንሆ፣ ሓጥያት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” በለ።

Image

ዮሃንስ ንኢየሱስ፣ “ኣነ ንዓኻ ከጠምቕ ብቑዕ ኣየኰንኩን። የግዳስ ኣነ እየ ብኣኻ ክጥመቕ ዝግባእ” በሎ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ኩሉ ግብሪ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና፡ ሕጅ’ስ ይኹን ደኣ ሕደግ በለ። ስለዚ ኢየሱስ ፈጺሙ ሓጥያት ዝበሃል’ኳ እንተዘይሰርሐ፡ ዮሃንስ ንኢየሱስ ኣጠመቖ።

Image

ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ ካብ ማይ ወጸ። መንፈስ ኣምላኽ ብኣምሳል ርግቢ ተራእዩ ኣብኡ ዓለበ። ሽዑ ድምጺ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ፡ “ንስኻ ዝፈትወካ ወደይ ኢኻ፣ ብኣኻ ድማ ኣዝየ ሕጕስ እየ” ኢሉ ተዛረበ።

Image

እግዚኣብሄር ንዮሃንስ፡ “መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብቲ እተጥምቖ ሰብ ክዓርፍ እዩ። ንሱ ድማ ወዲ ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ነጊርዎ ነበረ። ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣሎ። ይኹን እምበር ዮሃንስ ንኢየሱስ ከጠምቖ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ክዛረብ ሰምዐ፡ ንእግዚኣብሄር ወልድ ርእይዎ እዩ፡ ንሱ ድማ ባዕሉ ኢየሱስ እዩ፡፡ ንመንፈስ ቅዱስ’ውን ርእይዎ እዩ።

_> _ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 3፤ ማርቆስ 1፡9-11፤ ሉቃስ 3፡1-23።