23. ልደት ኢየሱስ
ማርያም ዮሴፍ ንእተባህለ ጻድቕ ሰብ ተሓጽያ ነበረት። ሕጹያ ዮሴፍ፡ ማርያም ከምዝጠነሰት ምስ ረኣየ፡ ካብኡ ከምዘይኰነ ፈለጠ። ንማርያም ከሕፍራ ስለ ዘይደለየ ስቕ ኢሉ ክሓድጋ ደለየ። ቅድሚ ነቲ ዝሓሰቦ ምግባሩ ድማ “መልኣኽ” ብሕልሙ ተዛረቦ።
እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ በለ፡ “ዮሴፍ፣ ንማርያም ሕጽትኻ ጌርካ ክትወስዳ ኣይትፍራሕ። እቲ ኣብ ከርሳ ዘሎ ህጻን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተጠንሰ እዩ። ወዲ ክትወልድ እያ። ስሙ ኢየሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። (ትርጉሙ ድማ ‘ያህዌ የድሕን’ ማለት እዩ) ምኽንያቱ ንሱ ንህዝብታት ካብ ሓጥያቶም ከድሕኖም እዩ፡፡
ስለዚ ዮሴፍ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ፡ ክሳዕ በኹሪ ወዳ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን ነበረ።
ማርያም እትወልደሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ መንግስቲ ሮም ኩሉ ሰብ ናብ ትውልዲ ዓዱ እናኸደ ክምዝገብ ኣዘዘ። ዮሴፍን ማርያምን ትውልዶም ካብ ዳዊት ስለዝነበረ ካብቲ ዝነብሩሉ ካብ ናዝሬት ናብ ቤተ ልሄም ተጓዕዙ።
ናብ ቤተ ልሄም ምስ በጽሑ ዝዓርፉሉ ቦታ ኣይረኸቡን። ስለዚ ኣብ መብልዕ ማል ክሓድሩ ወሰኑ። እ ህጻን ምስ ተወልደ ዘደቅሱሉ ስለዘይነበሮም ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀስዎ። ስሙ ድማ ኢየሱስ በልዎ።
በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ጐልጐል መጓሲኦም ዝሕልዉ ጓሶት ነበሩ። ብሃንደበት ዘብርህ መልኣኽ ተራእዮም። ንሳቶም ድማ ፈርሑ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “ኣይትፍርሁ እንሆ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ከኣ “ክርስቶስ ጐይታ” እዩ፡ ፡ እዚ ብስራት ድማ ኤብስረኩም ኣለኹ” በለ።
“ኬድኩም ነቲ ህጻን ርኸብዎ፡ ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ክትረኽብዎ ኢኹም። ብሃንደበት ድማ ሰማይ ብመላእኽቲ ተመልአ። ንእግዚኣብሄር እናመስገኑ ድማ፣ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማይ ይዅን፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ንሰባት’ውን ሰናይ ፍቓድ ይዅን!›› በሉ።
እቶም ጓሶት ናብቲ ኢየሱስ ዝተወልደሉ ስፍራ ቀልጢፎም ብምኻድ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝነገሮም እቲ ህጻን ኣብ መብልዒ ማል ደቂሱ ረኸብዎ። ኣዝዮም ከኣ ተሐጐሱ። ማርያም’ውን ተሓጐሰት። እቶም ጓሶት ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኩሉ ንእግዚኣብሄር እናመስገኑ፡ ናብ መጓሲኦም ተመልሱ።
ድሕሪ ቁሩብ እዋን ካብ ዓድታት ርሑቕ ምብራቕ ዝዀኑ ጠቢባን ኣብ ሰማይ ሓደ ዘይተለምደ ኮኾብ ረአዩ። ሓድሽ ንጉስ ኣይሁድ ከምእተወልደ ድማ ተረድኡ። ስለዚ ነዚ ዝተወልደ ንጉስ ክርእዩ ነዊሕ መንገዲ ተጓዕዙ። ናብ ቤተልሄም ከይዶም ድማ ነቲ ኢየሱስን ወለዱን ዝነበሩሉ ቤቱ ረኸብዎ።
እቶም ጠቢባን ንኢየሱስ ምስ ኣዲኡ ምስ ረኣይዎ ሰገዱሉ። ህያባት ድማ ሃብዎ። ካብኡ ከኣ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ከዱ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 1፤ ሉቃስ 2።