Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

23. ልደት ኢየሱስ

Image

ማርያም ዮሴፍ ንእተባህለ ጻድቕ ሰብ ተሓጽያ ነበረት። ሕጹያ ዮሴፍ፡ ማርያም ከምዝጠነሰት ምስ ረኣየ፡ ካብኡ ከምዘይኰነ ፈለጠ። ንማርያም ከሕፍራ ስለ ዘይደለየ ስቕ ኢሉ ክሓድጋ ደለየ። ቅድሚ ነቲ ዝሓሰቦ ምግባሩ ድማ “መልኣኽ” ብሕልሙ ተዛረቦ።

Image

እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ በለ፡ “ዮሴፍ፣ ንማርያም ሕጽትኻ ጌርካ ክትወስዳ ኣይትፍራሕ። እቲ ኣብ ከርሳ ዘሎ ህጻን ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተጠንሰ እዩ። ወዲ ክትወልድ እያ። ስሙ ኢየሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። (ትርጉሙ ድማ ‘ያህዌ የድሕን’ ማለት እዩ) ምኽንያቱ ንሱ ንህዝብታት ካብ ሓጥያቶም ከድሕኖም እዩ፡፡

Image

ስለዚ ዮሴፍ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ፡ ክሳዕ በኹሪ ወዳ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን ነበረ።

Image

ማርያም እትወልደሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ መንግስቲ ሮም ኩሉ ሰብ ናብ ትውልዲ ዓዱ እናኸደ ክምዝገብ ኣዘዘ። ዮሴፍን ማርያምን ትውልዶም ካብ ዳዊት ስለዝነበረ ካብቲ ዝነብሩሉ ካብ ናዝሬት ናብ ቤተ ልሄም ተጓዕዙ።

Image

ናብ ቤተ ልሄም ምስ በጽሑ ዝዓርፉሉ ቦታ ኣይረኸቡን። ስለዚ ኣብ መብልዕ ማል ክሓድሩ ወሰኑ። እ ህጻን ምስ ተወልደ ዘደቅሱሉ ስለዘይነበሮም ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀስዎ። ስሙ ድማ ኢየሱስ በልዎ።

Image

በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ጐልጐል መጓሲኦም ዝሕልዉ ጓሶት ነበሩ። ብሃንደበት ዘብርህ መልኣኽ ተራእዮም። ንሳቶም ድማ ፈርሑ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ “ኣይትፍርሁ እንሆ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ከኣ “ክርስቶስ ጐይታ” እዩ፡ ፡ እዚ ብስራት ድማ ኤብስረኩም ኣለኹ” በለ።

Image

“ኬድኩም ነቲ ህጻን ርኸብዎ፡ ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ክትረኽብዎ ኢኹም። ብሃንደበት ድማ ሰማይ ብመላእኽቲ ተመልአ። ንእግዚኣብሄር እናመስገኑ ድማ፣ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማይ ይዅን፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ንሰባት’ውን ሰናይ ፍቓድ ይዅን!›› በሉ።

Image

እቶም ጓሶት ናብቲ ኢየሱስ ዝተወልደሉ ስፍራ ቀልጢፎም ብምኻድ ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝነገሮም እቲ ህጻን ኣብ መብልዒ ማል ደቂሱ ረኸብዎ። ኣዝዮም ከኣ ተሐጐሱ። ማርያም’ውን ተሓጐሰት። እቶም ጓሶት ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኩሉ ንእግዚኣብሄር እናመስገኑ፡ ናብ መጓሲኦም ተመልሱ።

Image

ድሕሪ ቁሩብ እዋን ካብ ዓድታት ርሑቕ ምብራቕ ዝዀኑ ጠቢባን ኣብ ሰማይ ሓደ ዘይተለምደ ኮኾብ ረአዩ። ሓድሽ ንጉስ ኣይሁድ ከምእተወልደ ድማ ተረድኡ። ስለዚ ነዚ ዝተወልደ ንጉስ ክርእዩ ነዊሕ መንገዲ ተጓዕዙ። ናብ ቤተልሄም ከይዶም ድማ ነቲ ኢየሱስን ወለዱን ዝነበሩሉ ቤቱ ረኸብዎ።

Image

እቶም ጠቢባን ንኢየሱስ ምስ ኣዲኡ ምስ ረኣይዎ ሰገዱሉ። ህያባት ድማ ሃብዎ። ካብኡ ከኣ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ከዱ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 1፤ ሉቃስ 2።