47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ
ሳውል ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉሰ ነገስት ሮማ ክዘዋወር ከሎ፡ ነቲ “ጳውሎስ” ዝብል ሮማዊ ስሙ ምጥቃም ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ጳውሎስ ምስ ብጻዩ ሲላስ ብዛዕባ ኢየሱስ ብስራት ክዛረቡ ናብ ከተማ ፊልጵስዩስ ከዱ። ሰባት ክጽልዩ ናብ ዝተኣከቡሉ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ጥቓ ሩባ ናብ ዝርከብ ስፍራ ከዱ። ኣብኡ ነጋዲት ዝነበረት ልድያ ዝብልዋ ሰበይቲ ረኸቡ። ንሳ ድማ ንእግዚኣብሄር እትፈቱን እተምልኽን ነበረት።
ብዛዕባ ኢየሱስ ዝተነገረ መልእኽቲ ክትኣምን እግዚኣብሄር ልባ ከፈተላ። ንሳን ስድርኣን ድማ ተጠመቑ፡ ኣብ ገዝኣ ክነብሩ ከኣ ንጳውሎስን ሲላስን ዓደመቶም፡ ንሳቶም ምስኣን ምስ ስድርኣን ጸንሑ።
ጳውሎስን ሲላስን ብዙሕ ሳዕ ኣብቲ ጸሎት ዝግበረሉ ቦታ ምስ ሰባት ይራኸቡ ነበሩ። መዓልታዊ ናብኡ ክኸዱ እንተለዉ ሓንቲ ጋኔን ዝሓደራ ግዝእቲ ትስዕቦም ነበረት።
ንሳ ድማ በቲ ዝሓዛ ጋኔን እናተሓገዘት ብዛዕባ ዝመጽእ ኩነታት ንሰባት ትትንብየሎም ነበረት፡ ብጥንቁልናኣ ኸኣ ንጐይቶታ ብዙሕ ገንዘብ ተምጽአሎም ነበረት።
እታ ግዝእቲ ንሳቶም ክዘዋወሩ ከለዉ እናሰዓበት ዓው ኢላ፡ “እዞም ሰባት መንገዲ ምድሓን ዝነግርኹም ኣገልገልቲ ልዑል ኣምላኽ እዮም”። እንበለት ምዝራብ ቀጸለት። ጳውሎስ ክሳዕ ዝቚጣዕ ደጋጊማ ከምዚ ገበረት።
ኣብ መወዳእታ ሓደ መዓልቲ ግዝእቲ ዓው ኢላ ምዝራብ ምስ ጀመረት ጳውሎስ ናብኣ ቁሊሕ ኢሉ ነቲ ኣብኣ ዝሓደረ ጋኔን፡ “ብስም ኢየሱስ ካብኣ ውጻእ” በሎ። እቲ ጋኔን ድማ ሽዑ ወጸ።
ጐይቶት እታ ግዝእቲ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዮም ተቘጥዑ፡ ብዘይ እቲ ጋኔን እታ ግዝእቲ ክትጥንቊል ከምዘይትኽእል ከኣ ፈለጡ። እዚ ኸኣ ንሰባት ዝኾንዎ ነገር ምትንባይ ስለዘይትኽእል ድማ ንጐይቶታ ገንዘብ ክተምጽአሎም ኣይከኣለትን።
ስለዚ እቶም ጐይቶታ ንጳውሎስን ሲላስን ናብ መኳንንቲ ሮማ ወሰድዎም፡ ንሳቶም ድማ ቅጥቅጥ ኣቢሎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበይዎም።
ንጳውሎስን ሲላስን ኣብቲ ውሽጣዊ ክፍሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉዎም፡ ኣእጋሮም ድማ ምስ ጕንዲ ኣሰርዎም። ይዅን እምበር ኣብ ፍርቂ ለይቲ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ይዝምሩ ነበሩ።
ብሃንደበት ከቢድ ራዕዲ ምድሪ ኰነ፡ ኩሎም መዓጹ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ተኸፍቱ፡ ናይ ኩሎም እሱራት መቓውሕ ከኣ ተፈትሐ።
እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ካብ ድቃሱ ምስ ነቕሐ፡ ኵሎም መዓጹ ከምእተኸፍቱ ምስ ረኣየ ፈርሐ፡ ኵሎም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ ነፍሱ ከጥፍእ ሓሰበ።
(እሱራት እንተምሊጦም መኳንንቲ ሮማ ከምዝቐትልዎ ፈለጠ።) ነገር ግን ጳውሎስ ረኣዮ’ሞ ዓው ኢሉ፡ “ግደፍ ነፍስኻ ከይተጥፍእ። ኩልና ኣብዚ ኢና ዘለና” በሎ።
እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ናብ ጳውሎስን ሲላስን እናተንቀጥቀጠ መጺኡ፡ “ክድሕን እንታይ ክገብር” ኢሉ ሓተቶም። ጳውሎስ ድማ፡ “ብጐይታ ኢየሱስ እመን፡ ንስኻን ስድራኻን ክትድሕኑ ኢኹም” ኢሉ መለሰሉ። ብድሕሪኡ እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ንጳውሎስን ሲላስን ናብ ገዝኡ ወሲዱ ቊስሎም ሓጸበሎም። ጳውሎስ ድማ ነቶም ኣብቲ ገዝኡ ዝነበሩ ኵሎም ብዛዕባ ኢየሱስ ብስራት ሰበኸሎም።
ሓላዊ ቤት ማእሰርትን ቤተሰቡን ብኢየሱስ ኣሚኖም ተጠመቑ። ብድሕሪኡ እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ንጳውሎስን ሲላስን ምግቢ ቀረበሎም’ሞ ብሓደ ተሓጐሱ።
ንጽባሒቱ ኣመሓደርቲ ከተማ ፊልጵስዩስ ንጳውሎስን ሲላስን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ካብ ፊልጵስዩስ ክኸዱ ሓተትዎም። ጳውሎስን ሲላስን ንልድያን ካልኦት ፈተውቶምን ተፋኒዮም፡ ነታ ከተማ ለቒቖም ከዱ። ብዛዕባ ኢየሱስ ዝንገር ብስራት ድማ ምስፍሕፍሑ ቀጸለ፡ ቤተ ክርስቲያን’ውን ምዕባያ ቀጸለት።
ጳውሎስን ካልኦት ክርስቲያን መራሕትን ነቲ ብስራት ኢየሱስ እናሰበኹን እናመሃሩን ናብ ብዙሓት ከተማታት ከዱ። ከምኡ’ውን ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ንዘለዉ ኣመንቲ ከበረታትዕዎምን ክምህርዎምን ብዙሓት መልእኽቲታት ጸሓፉሎም። እዞም መልእኽትታት ድማ ሓድሓዲኦም ናይ መጻሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ኰኑ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ግብሪ ሃዋርያት 16፡11- 40።