Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

47. ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጵስዩስ

Image

ሳውል ኣብ ኵሉ ግዝኣት ንጉሰ ነገስት ሮማ ክዘዋወር ከሎ፡ ነቲ “ጳውሎስ” ዝብል ሮማዊ ስሙ ምጥቃም ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ጳውሎስ ምስ ብጻዩ ሲላስ ብዛዕባ ኢየሱስ ብስራት ክዛረቡ ናብ ከተማ ፊልጵስዩስ ከዱ። ሰባት ክጽልዩ ናብ ዝተኣከቡሉ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ጥቓ ሩባ ናብ ዝርከብ ስፍራ ከዱ። ኣብኡ ነጋዲት ዝነበረት ልድያ ዝብልዋ ሰበይቲ ረኸቡ። ንሳ ድማ ንእግዚኣብሄር እትፈቱን እተምልኽን ነበረት።

Image

ብዛዕባ ኢየሱስ ዝተነገረ መልእኽቲ ክትኣምን እግዚኣብሄር ልባ ከፈተላ። ንሳን ስድርኣን ድማ ተጠመቑ፡ ኣብ ገዝኣ ክነብሩ ከኣ ንጳውሎስን ሲላስን ዓደመቶም፡ ንሳቶም ምስኣን ምስ ስድርኣን ጸንሑ።

Image

ጳውሎስን ሲላስን ብዙሕ ሳዕ ኣብቲ ጸሎት ዝግበረሉ ቦታ ምስ ሰባት ይራኸቡ ነበሩ። መዓልታዊ ናብኡ ክኸዱ እንተለዉ ሓንቲ ጋኔን ዝሓደራ ግዝእቲ ትስዕቦም ነበረት።

ንሳ ድማ በቲ ዝሓዛ ጋኔን እናተሓገዘት ብዛዕባ ዝመጽእ ኩነታት ንሰባት ትትንብየሎም ነበረት፡ ብጥንቁልናኣ ኸኣ ንጐይቶታ ብዙሕ ገንዘብ ተምጽአሎም ነበረት።

Image

እታ ግዝእቲ ንሳቶም ክዘዋወሩ ከለዉ እናሰዓበት ዓው ኢላ፡ “እዞም ሰባት መንገዲ ምድሓን ዝነግርኹም ኣገልገልቲ ልዑል ኣምላኽ እዮም”። እንበለት ምዝራብ ቀጸለት። ጳውሎስ ክሳዕ ዝቚጣዕ ደጋጊማ ከምዚ ገበረት።

Image

ኣብ መወዳእታ ሓደ መዓልቲ ግዝእቲ ዓው ኢላ ምዝራብ ምስ ጀመረት ጳውሎስ ናብኣ ቁሊሕ ኢሉ ነቲ ኣብኣ ዝሓደረ ጋኔን፡ “ብስም ኢየሱስ ካብኣ ውጻእ” በሎ። እቲ ጋኔን ድማ ሽዑ ወጸ።

Image

ጐይቶት እታ ግዝእቲ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዮም ተቘጥዑ፡ ብዘይ እቲ ጋኔን እታ ግዝእቲ ክትጥንቊል ከምዘይትኽእል ከኣ ፈለጡ። እዚ ኸኣ ንሰባት ዝኾንዎ ነገር ምትንባይ ስለዘይትኽእል ድማ ንጐይቶታ ገንዘብ ክተምጽአሎም ኣይከኣለትን።

Image

ስለዚ እቶም ጐይቶታ ንጳውሎስን ሲላስን ናብ መኳንንቲ ሮማ ወሰድዎም፡ ንሳቶም ድማ ቅጥቅጥ ኣቢሎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበይዎም።

Image

ንጳውሎስን ሲላስን ኣብቲ ውሽጣዊ ክፍሊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉዎም፡ ኣእጋሮም ድማ ምስ ጕንዲ ኣሰርዎም። ይዅን እምበር ኣብ ፍርቂ ለይቲ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ይዝምሩ ነበሩ።

Image

ብሃንደበት ከቢድ ራዕዲ ምድሪ ኰነ፡ ኩሎም መዓጹ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ተኸፍቱ፡ ናይ ኩሎም እሱራት መቓውሕ ከኣ ተፈትሐ።

Image

እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ካብ ድቃሱ ምስ ነቕሐ፡ ኵሎም መዓጹ ከምእተኸፍቱ ምስ ረኣየ ፈርሐ፡ ኵሎም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ ነፍሱ ከጥፍእ ሓሰበ።

(እሱራት እንተምሊጦም መኳንንቲ ሮማ ከምዝቐትልዎ ፈለጠ።) ነገር ግን ጳውሎስ ረኣዮ’ሞ ዓው ኢሉ፡ “ግደፍ ነፍስኻ ከይተጥፍእ። ኩልና ኣብዚ ኢና ዘለና” በሎ።

Image

እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ናብ ጳውሎስን ሲላስን እናተንቀጥቀጠ መጺኡ፡ “ክድሕን እንታይ ክገብር” ኢሉ ሓተቶም። ጳውሎስ ድማ፡ “ብጐይታ ኢየሱስ እመን፡ ንስኻን ስድራኻን ክትድሕኑ ኢኹም” ኢሉ መለሰሉ። ብድሕሪኡ እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ንጳውሎስን ሲላስን ናብ ገዝኡ ወሲዱ ቊስሎም ሓጸበሎም። ጳውሎስ ድማ ነቶም ኣብቲ ገዝኡ ዝነበሩ ኵሎም ብዛዕባ ኢየሱስ ብስራት ሰበኸሎም።

Image

ሓላዊ ቤት ማእሰርትን ቤተሰቡን ብኢየሱስ ኣሚኖም ተጠመቑ። ብድሕሪኡ እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ንጳውሎስን ሲላስን ምግቢ ቀረበሎም’ሞ ብሓደ ተሓጐሱ።

Image

ንጽባሒቱ ኣመሓደርቲ ከተማ ፊልጵስዩስ ንጳውሎስን ሲላስን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ካብ ፊልጵስዩስ ክኸዱ ሓተትዎም። ጳውሎስን ሲላስን ንልድያን ካልኦት ፈተውቶምን ተፋኒዮም፡ ነታ ከተማ ለቒቖም ከዱ። ብዛዕባ ኢየሱስ ዝንገር ብስራት ድማ ምስፍሕፍሑ ቀጸለ፡ ቤተ ክርስቲያን’ውን ምዕባያ ቀጸለት።

Image

ጳውሎስን ካልኦት ክርስቲያን መራሕትን ነቲ ብስራት ኢየሱስ እናሰበኹን እናመሃሩን ናብ ብዙሓት ከተማታት ከዱ። ከምኡ’ውን ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ንዘለዉ ኣመንቲ ከበረታትዕዎምን ክምህርዎምን ብዙሓት መልእኽቲታት ጸሓፉሎም። እዞም መልእኽትታት ድማ ሓድሓዲኦም ናይ መጻሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ኰኑ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ግብሪ ሃዋርያት 16፡11- 40።