Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

49. ሓዱሽ ቃል ኪዳን ኣምላኽ

Image

ሓደ መልኣኽ ማርያም ንዝተባህለት ድንግል፡ ወዲ ኣምላኽ ከምእትወልድ ነገራ። ንሳ ገና ድንግል ከላ ተባዕታይ ወዲ ወለደት፡፡ ኢየሱስ ኢላ ድማ ስም ኣውጽአትሉ። ስለዚ ኢየሱስ ኣምላኽን ሰብን እዩ።

Image

ኢየሱስ ኣምላኽ ከምዝዀነ ዘረጋግጹ ብዙሓት ተኣምራት ገበረ። ብማየ ማይ ከደ፡ ንማዕበል ኣህድአ፡ ብዙሓት ሕሙማት ፈወሰ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽአ፡ ምዉታት ኣተንስአ፡ ከምኡ’ውን ብሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ካብ 5,000 ንዝበዝሑ ሰባት በሊዖም ከም ዘትርፉ ገበረ።

Image

ኢየሱስ ዓብዪ መምህር እዩ፡ ወዲ ኣምላኽ ስለዝዀነ ድማ ብስልጣን ተዛረበ። ንርእስኹም ከምእትፈቅሩ ከምኡ’ውን ንብጻይኩም ኣፍቅሩ ኢሉ መሃረ።

Image

ንእግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ዝኾነ ነገር ኣብልጽኩም ኣፍቅርዎ፡፡ ከምኡ’ውን ካብ ሃብትኹምን ካብ ኩሉ ነገርን ንላዕሊ ኢሉ መሃረ።

Image

ኢየሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኸ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኵሉ፡ ዝኸበረት እያ በለ። ንዝዀነ ይዅን ሰብ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ንመንግስቲ ኣምላኸ ምብቃዕ እዩ። ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ካብ ሕድገት ሓጥኣት ክትረኽቡ ኣለኩም።

Image

ኢየሱስ ገሊኦም ተቐቢሎምዎ ከምዝድሕኑን ገሊኦም ድማ ከምዘይቕበልዎን መሃረ። ገለ ሰባት ከም ልሙዕ መሬት እዮም። ነቲ ብስራት ኢየሱስ ተቐቢሎም ይድሕኑ። ገለ ሰባት ድማ ንቓል ኣምላኽ ከምቲ ገለ ዘርኢ ተዘሪእዎ ዘየፍሪ ኣብ ወሰን መንገዲ ዘሎ ጭንጫ መሬት እዮም ዝቕበልዎ።

Image

ኢየሱስ፡ እግዚኣብሄር ንሓጥኣተኛታት ኣዚዩ ከምዝፍቅሮምን፡ ይቕረ ክብሎም፡ ደቁ ክገብሮም ከም ዝደሊ ድማ መሃረ።

Image

ከምኡ’ውን ኢየሱስ፡ እግዚኣብሄር ሓጥኣት ከምዝጸልእ ሚህሩና እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ሓጥኣት ምስ ሰርሑ፡ እቲ ሓጥኣት ንኵሉ ዘርኦም ጐድኦ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵሉ ሰብ ሓጥኣት ይገብር፡ ካብ እግዚኣብሄር ኸኣ ይፍለ። ስለዚ ኵሉ ሰብ ጸላኢ ኣምላኽ ኰነ።

Image

ብእኡ ዝኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህልዎ እምበር ምእንቲ ከይጠፍእ’ሲ ኣምላኽ ነቲ ሓደን በይኑን ዝዀነ ወዱ ክሳዕ ዝህብ ንዓለም ኣፍቀራ።

Image

ብምኽንያት ሓጥኣትኩም ኣበሰኛታት ስለዝዀንኩም ክትሞቱ ይግብአኩም።

እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ክቚጣዕ ይግብኦ ነበረ፡ ነገር ግን ነቲ ቊጥዕኡ ኣብ ክንዲ ኣባኻትኩም ኣብ ኢየሱስ ገበሮ። ኢየሱስ ኣብ መስቀል ምስ ሞተ፡ ኣብ ልዕሌኹም ዝነበረ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ንሱ ተቐበለልኩም።

Image

ኢየሱስ ፈጺሙ ሓጥኣት ኣይገበረን፡ ሓጥኣትኩምን ሓጥኣት ኵሉ ዓለም ንምርሓቕ፡ ክቕጻዕን ፍጹም መስዋእቲ ኰይኑ ክመውት መረጸ። ኢየሱስ ባዕሉ ርእሱ ስለ ዝሃበ፡ እግዚኣብሄር ዝዀነ ይዅን ሓጥያት፡ እቲ ዝገደደ ዝበሃል ሓጥያት’ኳ ከይተረፈ ይቕረ ክብል ይኽእል እዩ።

Image

ሰናይ ግብርኹም ከድሕነኩም ኣይኽእልን። ምስ እግዚኣብሄር ርክብ ክትገብሩ እትኽእሉሉ ምንም ካልእ መንገዲ የለን። ሓጥኣትኩም ከንጽህ ዝኽእል ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ከምዝዀነ፡ ስሌኹም ኣብ መስቀል ከምዝሞተን፡ እግዚኣብሄር ካብ ምዉታት ከምዘተስኦን ክትኣምኑ ጥራይ እዩ ዘድልየኩም።

Image

እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ንዝኣምንን ከም ጐይትኡ ገይሩ ንዝቕበሎን ዝዀነ ሰብ የድሕኖ እዩ። ሃብታም ኰኑ ወይ ድኻ፡ ተባዓታይ ይኹን ኣንስታይ፡ ሽማግለ ኰነ መንእሰይ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ቦታ
እንተሃለኹም፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ናይ ቀረባ ርክብ ምእንቲ ክህልዎ የፍቅረኩም እዩ፡፡ ክትኣምንዎ ኸኣ ይደሊ እዩ።

Image

ኢየሱስ ኣሚንኩም ክትጥመቑ ይዕደመኩም ኣሎ። ኢየሱስ መሲሕ፡ ንሱ በይኑ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ’ዶ ትኣምኑ፧ ሓጥኣተኛታት ምዃንኩምን እግዚኣብሄር እንተቐጽዓኩም ግቡእ ከምዝዀነን፡ ሓጥኣትኩም ከርሕቕ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ከምዝሞተ ትኣምኑዶ፧

Image

ብኢየሱስን በቲ ንሱ ንዓኻትኩም ኢሉ ዝሰርሖ ስራሕ እንተኣሚንኩም፡ ንስኻትኩም ክርስቲያን ኢኹም፡፡ ኣምላኽ ካብ መንግስቲ ሰይጣንን ካብ ጸልማትን ኣውጺኡ ኣብ ውሽጢ ብርሃን መንግስቲ ኣምላኸ ኣእተወኩም። እግዚኣብሄር ነቲ ቀደም ትኸዱሉ ዝነበርኩም ሓጥኣተኛን ኣረጊትን መንገድኹም ኣወጊዱ፡ ሓዱሽን ጽድቂ ዝመልኦን መንገዲ ሃበኩም።

Image

ንስኻትኩም ክርስቲያን ኢኹም፡ በቲ ኢየሱስ ዝሰርሖ ስራሕ፡ እግዚኣብሄር ሓጥኣትኩም ይቕረ በለልኩም። ሕጂ ኣብ ክንዲ ጸላእቲ ኣምላኽ፡ ቀረባ ፈተውቱ ገይሩ ይቘጽረኩም።

Image

ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ኣገልገልቲ ጐይታ ኢየሱስ እንተዄንኩም፡ ነቲ ኢየሱስ ዝምህረኩም ክትእዘዙ ይግባእ። ዋላ’ኳ ክርስቲያን እንተኾንኩም ኣይፍተኑን ማለት ኣይኮነን፡፡ ሓጥኣት እንተገበርኩም፡ እግዚኣብሄር እሙን ስለዝዀነ፡ ሓጥኣትኩም እንተተናዘዝኩም ይቕረ ይብለልኩም እዩ። ንሓጥኣት እትቓወሙሉ ሓይሊ ኸኣ ይህበኩም እዩ።

Image

እግዚኣብሄር ክትጽልዩ፡ ቃሉ ክተጽንዑን፡ ምስ ካልኦት ክርስቲያናት ክተምልኽዎን፡ ነቲ ዝገበረልኩም’ውን ንኻልኦት ክትነግሩሉ ይሓተኩም። እዞም ነገራት ኩሎም ምስኡ ጽኑዕ ርክብ ክህልወኩም ሓገዝቲ እዮም።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ሮሜ 3፡21-26፤ 5፡1-11፤ ዮሐንስ 3፡16፤ ማርቆስ 16፡16፤ ቈላስይስ 1፡13-14፤ 2ይ ቆሮንቶስ 5፡17-21፤ 1ኛ ዮሐንስ 1፡5-10።