49. ሓዱሽ ቃል ኪዳን ኣምላኽ
ሓደ መልኣኽ ማርያም ንዝተባህለት ድንግል፡ ወዲ ኣምላኽ ከምእትወልድ ነገራ። ንሳ ገና ድንግል ከላ ተባዕታይ ወዲ ወለደት፡፡ ኢየሱስ ኢላ ድማ ስም ኣውጽአትሉ። ስለዚ ኢየሱስ ኣምላኽን ሰብን እዩ።
ኢየሱስ ኣምላኽ ከምዝዀነ ዘረጋግጹ ብዙሓት ተኣምራት ገበረ። ብማየ ማይ ከደ፡ ንማዕበል ኣህድአ፡ ብዙሓት ሕሙማት ፈወሰ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽአ፡ ምዉታት ኣተንስአ፡ ከምኡ’ውን ብሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ካብ 5,000 ንዝበዝሑ ሰባት በሊዖም ከም ዘትርፉ ገበረ።
ኢየሱስ ዓብዪ መምህር እዩ፡ ወዲ ኣምላኽ ስለዝዀነ ድማ ብስልጣን ተዛረበ። ንርእስኹም ከምእትፈቅሩ ከምኡ’ውን ንብጻይኩም ኣፍቅሩ ኢሉ መሃረ።
ንእግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ዝኾነ ነገር ኣብልጽኩም ኣፍቅርዎ፡፡ ከምኡ’ውን ካብ ሃብትኹምን ካብ ኩሉ ነገርን ንላዕሊ ኢሉ መሃረ።
ኢየሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኸ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኵሉ፡ ዝኸበረት እያ በለ። ንዝዀነ ይዅን ሰብ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ንመንግስቲ ኣምላኸ ምብቃዕ እዩ። ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ካብ ሕድገት ሓጥኣት ክትረኽቡ ኣለኩም።
ኢየሱስ ገሊኦም ተቐቢሎምዎ ከምዝድሕኑን ገሊኦም ድማ ከምዘይቕበልዎን መሃረ። ገለ ሰባት ከም ልሙዕ መሬት እዮም። ነቲ ብስራት ኢየሱስ ተቐቢሎም ይድሕኑ። ገለ ሰባት ድማ ንቓል ኣምላኽ ከምቲ ገለ ዘርኢ ተዘሪእዎ ዘየፍሪ ኣብ ወሰን መንገዲ ዘሎ ጭንጫ መሬት እዮም ዝቕበልዎ።
ኢየሱስ፡ እግዚኣብሄር ንሓጥኣተኛታት ኣዚዩ ከምዝፍቅሮምን፡ ይቕረ ክብሎም፡ ደቁ ክገብሮም ከም ዝደሊ ድማ መሃረ።
ከምኡ’ውን ኢየሱስ፡ እግዚኣብሄር ሓጥኣት ከምዝጸልእ ሚህሩና እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ሓጥኣት ምስ ሰርሑ፡ እቲ ሓጥኣት ንኵሉ ዘርኦም ጐድኦ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵሉ ሰብ ሓጥኣት ይገብር፡ ካብ እግዚኣብሄር ኸኣ ይፍለ። ስለዚ ኵሉ ሰብ ጸላኢ ኣምላኽ ኰነ።
ብእኡ ዝኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህልዎ እምበር ምእንቲ ከይጠፍእ’ሲ ኣምላኽ ነቲ ሓደን በይኑን ዝዀነ ወዱ ክሳዕ ዝህብ ንዓለም ኣፍቀራ።
ብምኽንያት ሓጥኣትኩም ኣበሰኛታት ስለዝዀንኩም ክትሞቱ ይግብአኩም።
እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ክቚጣዕ ይግብኦ ነበረ፡ ነገር ግን ነቲ ቊጥዕኡ ኣብ ክንዲ ኣባኻትኩም ኣብ ኢየሱስ ገበሮ። ኢየሱስ ኣብ መስቀል ምስ ሞተ፡ ኣብ ልዕሌኹም ዝነበረ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ንሱ ተቐበለልኩም።
ኢየሱስ ፈጺሙ ሓጥኣት ኣይገበረን፡ ሓጥኣትኩምን ሓጥኣት ኵሉ ዓለም ንምርሓቕ፡ ክቕጻዕን ፍጹም መስዋእቲ ኰይኑ ክመውት መረጸ። ኢየሱስ ባዕሉ ርእሱ ስለ ዝሃበ፡ እግዚኣብሄር ዝዀነ ይዅን ሓጥያት፡ እቲ ዝገደደ ዝበሃል ሓጥያት’ኳ ከይተረፈ ይቕረ ክብል ይኽእል እዩ።
ሰናይ ግብርኹም ከድሕነኩም ኣይኽእልን። ምስ እግዚኣብሄር ርክብ ክትገብሩ እትኽእሉሉ ምንም ካልእ መንገዲ የለን። ሓጥኣትኩም ከንጽህ ዝኽእል ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ከምዝዀነ፡ ስሌኹም ኣብ መስቀል ከምዝሞተን፡ እግዚኣብሄር ካብ ምዉታት ከምዘተስኦን ክትኣምኑ ጥራይ እዩ ዘድልየኩም።
እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ንዝኣምንን ከም ጐይትኡ ገይሩ ንዝቕበሎን ዝዀነ ሰብ የድሕኖ እዩ። ሃብታም ኰኑ ወይ ድኻ፡ ተባዓታይ ይኹን ኣንስታይ፡ ሽማግለ ኰነ መንእሰይ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ቦታ
እንተሃለኹም፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ናይ ቀረባ ርክብ ምእንቲ ክህልዎ የፍቅረኩም እዩ፡፡ ክትኣምንዎ ኸኣ ይደሊ እዩ።
ኢየሱስ ኣሚንኩም ክትጥመቑ ይዕደመኩም ኣሎ። ኢየሱስ መሲሕ፡ ንሱ በይኑ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ’ዶ ትኣምኑ፧ ሓጥኣተኛታት ምዃንኩምን እግዚኣብሄር እንተቐጽዓኩም ግቡእ ከምዝዀነን፡ ሓጥኣትኩም ከርሕቕ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ከምዝሞተ ትኣምኑዶ፧
ብኢየሱስን በቲ ንሱ ንዓኻትኩም ኢሉ ዝሰርሖ ስራሕ እንተኣሚንኩም፡ ንስኻትኩም ክርስቲያን ኢኹም፡፡ ኣምላኽ ካብ መንግስቲ ሰይጣንን ካብ ጸልማትን ኣውጺኡ ኣብ ውሽጢ ብርሃን መንግስቲ ኣምላኸ ኣእተወኩም። እግዚኣብሄር ነቲ ቀደም ትኸዱሉ ዝነበርኩም ሓጥኣተኛን ኣረጊትን መንገድኹም ኣወጊዱ፡ ሓዱሽን ጽድቂ ዝመልኦን መንገዲ ሃበኩም።
ንስኻትኩም ክርስቲያን ኢኹም፡ በቲ ኢየሱስ ዝሰርሖ ስራሕ፡ እግዚኣብሄር ሓጥኣትኩም ይቕረ በለልኩም። ሕጂ ኣብ ክንዲ ጸላእቲ ኣምላኽ፡ ቀረባ ፈተውቱ ገይሩ ይቘጽረኩም።
ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ኣገልገልቲ ጐይታ ኢየሱስ እንተዄንኩም፡ ነቲ ኢየሱስ ዝምህረኩም ክትእዘዙ ይግባእ። ዋላ’ኳ ክርስቲያን እንተኾንኩም ኣይፍተኑን ማለት ኣይኮነን፡፡ ሓጥኣት እንተገበርኩም፡ እግዚኣብሄር እሙን ስለዝዀነ፡ ሓጥኣትኩም እንተተናዘዝኩም ይቕረ ይብለልኩም እዩ። ንሓጥኣት እትቓወሙሉ ሓይሊ ኸኣ ይህበኩም እዩ።
እግዚኣብሄር ክትጽልዩ፡ ቃሉ ክተጽንዑን፡ ምስ ካልኦት ክርስቲያናት ክተምልኽዎን፡ ነቲ ዝገበረልኩም’ውን ንኻልኦት ክትነግሩሉ ይሓተኩም። እዞም ነገራት ኩሎም ምስኡ ጽኑዕ ርክብ ክህልወኩም ሓገዝቲ እዮም።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ሮሜ 3፡21-26፤ 5፡1-11፤ ዮሐንስ 3፡16፤ ማርቆስ 16፡16፤ ቈላስይስ 1፡13-14፤ 2ይ ቆሮንቶስ 5፡17-21፤ 1ኛ ዮሐንስ 1፡5-10።