28. ሃብታም መንእሰይ
ሓደ መዓልቲ ሓደ ሃብታም መንእሰይ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፡ “ኣታ ሄር መምህር፡ ዘለኣለም ህይወት ክወርስ እንታይ ክገብር፧ ኢሉ ሓተቶ።
ኢየሱስ ድማ፣ “ስለምንታይ “ሄር” ትብለኒ፧ ሄር ሓደ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ እንተደሊኻ ንሕጊ እግዚኣብሄር ተኣዘዝ በሎ።
“ኣየኖት ትእዛዛት”፧ ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትሓስው፡ ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር፡ ንብጻይካ’ውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር”።
እቲ መንእሰይ ከኣ፡ “ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፡ ነዞም ሕግታት ኩሎም ፈጺመ አየ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ ካልእ እንታይ ክገብር”፧ በለ። ኢየሱስ ረኣዮ’ሞ ፈተዎ።
ኢየሱስ ከኣ፡ “ፍጹም ክትከውን አንተደሊኻ ዘለካ ኩሉ ሸይጥካ ነቲ ገንዘብ ንድኻታት ሃቦም፡ ኣብ ሰማይ ደማ ዓስቢ ክትረክብ ኢኻ። ሽዑ ንዓ’ሞ ሰዓበኒ”። ኢሉ መለሰሉ።
እቲ መንእሰይ፡ ነቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ምስ ሰምዐ፡ ብጣዕሚ ሃብታም ስለ ዝነበረ ነቲ ዘለዎ ክህብ ስለዘይደለየ ኣዝዩ ሓዘነ። ገጹ ኣዚሩ ድማ ኸደ።
ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም፡ “ሃብታማት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣትዉ ኣዝዩ ዘጸግም እዩ፡፡ እወ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱ ጊመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል”፡፡
ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ምስ ሰምዑ ሰንበዱ’ሞ፡ “እሞ ደኣ መን ክድሕን ይኽእል” በሉ።
ኢየሱስ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ርእዩ፡ “እዚ ብሰብ ዝከኣል ኣይኰነን፡ ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ” በለ።
ጴጥሮስ ንኢየሱስ፡ “ንሕና ኵሉ ገዲፍና ተኸተልናካ፡ ዓስብናኸ እንታይ እዩ” በሎ።
ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ስለይ ቤትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቦን ኣዲኡን ወይ ድማ ጥሪት ዝሓደገ፡ ሚእቲ ዕጽፊ ይቕበል፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ውን ይወርስ። ስለዚ ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕረዎት፡ ብዙሓት’ውን ዳሕረዎት ድማ ቀዳሞት ክዀኑ እዮም”፡፡
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 19፡16-30፤ ማርቆስ 10፡17-31፤ ሉቃስ 18፡18-30።