Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

28. ሃብታም መንእሰይ

Image

ሓደ መዓልቲ ሓደ ሃብታም መንእሰይ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፡ “ኣታ ሄር መምህር፡ ዘለኣለም ህይወት ክወርስ እንታይ ክገብር፧ ኢሉ ሓተቶ።

ኢየሱስ ድማ፣ “ስለምንታይ “ሄር” ትብለኒ፧ ሄር ሓደ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ እንተደሊኻ ንሕጊ እግዚኣብሄር ተኣዘዝ በሎ። Image

“ኣየኖት ትእዛዛት”፧ ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትሓስው፡ ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር፡ ንብጻይካ’ውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር”።

Image

እቲ መንእሰይ ከኣ፡ “ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፡ ነዞም ሕግታት ኩሎም ፈጺመ አየ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ ካልእ እንታይ ክገብር”፧ በለ። ኢየሱስ ረኣዮ’ሞ ፈተዎ።

Image

ኢየሱስ ከኣ፡ “ፍጹም ክትከውን አንተደሊኻ ዘለካ ኩሉ ሸይጥካ ነቲ ገንዘብ ንድኻታት ሃቦም፡ ኣብ ሰማይ ደማ ዓስቢ ክትረክብ ኢኻ። ሽዑ ንዓ’ሞ ሰዓበኒ”። ኢሉ መለሰሉ።

Image

እቲ መንእሰይ፡ ነቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ምስ ሰምዐ፡ ብጣዕሚ ሃብታም ስለ ዝነበረ ነቲ ዘለዎ ክህብ ስለዘይደለየ ኣዝዩ ሓዘነ። ገጹ ኣዚሩ ድማ ኸደ።

Image

ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም፡ “ሃብታማት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣትዉ ኣዝዩ ዘጸግም እዩ፡፡ እወ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱ ጊመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል”፡፡

Image

ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ምስ ሰምዑ ሰንበዱ’ሞ፡ “እሞ ደኣ መን ክድሕን ይኽእል” በሉ።

Image

ኢየሱስ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ርእዩ፡ “እዚ ብሰብ ዝከኣል ኣይኰነን፡ ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ” በለ።

Image

ጴጥሮስ ንኢየሱስ፡ “ንሕና ኵሉ ገዲፍና ተኸተልናካ፡ ዓስብናኸ እንታይ እዩ” በሎ።

Image

ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ስለይ ቤትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቦን ኣዲኡን ወይ ድማ ጥሪት ዝሓደገ፡ ሚእቲ ዕጽፊ ይቕበል፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ውን ይወርስ። ስለዚ ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕረዎት፡ ብዙሓት’ውን ዳሕረዎት ድማ ቀዳሞት ክዀኑ እዮም”፡፡

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 19፡16-30፤ ማርቆስ 10፡17-31፤ ሉቃስ 18፡18-30።