1. ፍጥረት
ካብዚ ብምቕጻል እንርእዮ ናይ ኵሉ ፍጥረት ኣጀማምራ ከመይ ከምዝዀነ እዩ። እግዚኣብሄር ንዓለምን ነቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኵሎም ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ፈጠረ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ምስ ፈጠረ፡ ምድሪ ከኣ ቅርጺ ዘይብላ፡ ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ፡፡ ኣብ ውሽጣ ድማ ዝተፈጥረ ነገር ኣይነበረን። መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ፡፡
ብድሕሪ’ዚ እግዚኣብሄር “ብርሃን ይኹን” በለ ብርሃን ድማ ኰነ። እግዚኣብሄር እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከምዝዀነ ርእዩ “መዓልቲ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ንብርሃን ካብ ጸልማት ብምፍላይ ነቲ ጸልማት “ለይቲ” ኢሉ ሰመዮ።እግዚኣብሄር በቲ ቀዳማይቲ መዓልቲ ብርሃን ፈጠረ።
ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ነቲ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ጠፈር ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር ይኹን በለ።
ኣብ ሳልሳይቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንማይ ካብቲ ንቑጽ ምድሪ ክፍለ ገበረ። እግዚኣብሄር ነቲ ንቑጽ መሬት “ምድሪ” ነቲ ማይ ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር እቲ ዝፈጠሮ ጽቡቕ ከምዝዀነ ረኣየ።
ብድሕሪዚ እግዚኣብሄር እታ ምድሪ ኩሉ ዓይነት ኣእዋምን ተኽልታትን ተብቊል በለ፡ ከምኡ ድማ ኰነ። እግዚኣብሄር እቲ ዝፈጠሮ ጽቡቕ ከምዝዀነ ረኣየ።
ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ መዓልትን ለይትን፡ ወቕትታትን ዓመታትን ከምዝፈልዩ ገበረ። እግዚኣብሄር እቲ ዝፈጠሮ ጽቡቕ ከምዝዀነ ረኣየ።
ኣብ ሓምሻይቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ማይ ዝነብሩን ህያው ነፍሲ ዘለዎምን ዝነፍሩ ኩሎም ኣዕዋፍ ፈጠረ። እግዚኣብሄር እቲ ዝፈጠሮ ኩሉ ጽቡቕ ከምዝዀነ ረኣየ፡ ነቶም ፍጥረቱ ድማ ባረኾም።
ኣብ ሻድሻይቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር፡ “ኣብ ምድሪ ኩሎም ዓይነታት እንስሳታት ይዅኑ” በለ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ኰነ። ገሊኦም እንስሳ ዘቤት፡ ገሊኦም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉ፡ ገሊኦም ድማ እንስሳ ዘገዳም ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ጽቡቕ ከምዝዀነ ረኣየ።
እግዚኣብሄር፡ “ብመልክዕና ከም ምስልና ሰባት ንፍጠር በለ፡ ንሳቶም ድማ ንብዘላ ምድርን ኣብ ኩሎም እንስሳታትን ይግዝኡ” በለ።
እግዚኣብሄር ድማ ካብ ምድሪ ሓመድ ወሲዱ ሰብ ገበረ፡ ኣብ ኣፍንጭኡ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ፡ ህያው ነፍሲ ኮነ። ስም እዚ ሰብ ድማ “ኣዳም” ተባህለ። እግዚኣብሄር ኣብቲ ኣዳም ዝነብረሉ ቦታ ኣብ ኤደን “ገነት” ተኺሉ: ንኸልምዓ ኣብኣ ኣቐመጦ።
ኣብ ማእኸል ገነት ድማ እግዚኣብሄር ክልተ ዝተፈለዩ ኣእዋም ተኸለ፡ ኦም ህይወትን ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦምን ኣብ ማእከል ገነት ነበራ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣዳም ብዘይካ ካብታ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም፡ ካብ ዝዀነ ፍረ ክበልዕ ከምዝኽእል፡ ካብታ ክፉእን ጽቡቕ እተፍልጥ ኦም እንተበሊዑ ግና፡ ከምዝመውት ነገሮ።
እግዚኣብሄር ሰብ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን በለ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ፡፡ ምስ ደቀሰ ድማ ካብ መሰንገሊኡ ሓንቲ ዓጽሚ ወሲዱ ሰበይቲ ገይሩ ሰሪሑ ናብ ኣዳም ኣምጽኣ።
ኣዳም ምስ ረኣያ ድማ ከምዚ በለ፡ “እዚኣ ንዓይ እያ ትመስል፡ ካብ ሰብኣይ እያ ተረኺባ’ሞ ሰበይቲ ትበሃል”። ስለዚ ሰብ ኣቡኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ድማ ሓደ ስጋ
እግዚኣብሄር ብመልክዑ ተባዕታይን ኣንስተይትን ፈጠረ። “ብዙሑን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ድማ ምልእዋ ኢሉ ባረኾም”። እግዚኣብሄር እቲ ዝሰርሖ ነገር ኩሉ ኣዝዩ ጽቡቕ ከምዝኾነ ረኣየ። ብኹሉ ነገር ድማ ተሓጐሰ፡ እዚ ኩሉ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ኰነ።
ኣብቲ ሳብዐይቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ናይ ምፍጣር ስርሑ ፈጸመ። ስለዚ ካብቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ኵሉ ዓረፈ፡ ነቲ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ባረኻን ቀደሳን። እዚ ዝገበረ ድማ ካብ ኩሉ ስርሑ በዛ መዓልቲ
እዚኣ ስለዝዓረፈ እዩ። እግዚኣብሄር ሰማይን ምድርን ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝርከቡ ኩሎም ብኸምዚ መገዲ እዩ ፈጢርዎም፡፡
ታሪኽ መጽሐፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 1-2።