Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

1. ፍጥረት

Image

ካብዚ ብምቕጻል እንርእዮ ናይ ኵሉ ፍጥረት ኣጀማምራ ከመይ ከምዝዀነ እዩ። እግዚኣብሄር ንዓለምን ነቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኵሎም ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ፈጠረ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ምስ ፈጠረ፡ ምድሪ ከኣ ቅርጺ ዘይብላ፡ ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ፡፡ ኣብ ውሽጣ ድማ ዝተፈጥረ ነገር ኣይነበረን። መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ፡፡

Image

ብድሕሪ’ዚ እግዚኣብሄር “ብርሃን ይኹን” በለ ብርሃን ድማ ኰነ። እግዚኣብሄር እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከምዝዀነ ርእዩ “መዓልቲ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ንብርሃን ካብ ጸልማት ብምፍላይ ነቲ ጸልማት “ለይቲ” ኢሉ ሰመዮ።እግዚኣብሄር በቲ ቀዳማይቲ መዓልቲ ብርሃን ፈጠረ።

Image

ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ነቲ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ጠፈር ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር ይኹን በለ።

Image

ኣብ ሳልሳይቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንማይ ካብቲ ንቑጽ ምድሪ ክፍለ ገበረ። እግዚኣብሄር ነቲ ንቑጽ መሬት “ምድሪ” ነቲ ማይ ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር እቲ ዝፈጠሮ ጽቡቕ ከምዝዀነ ረኣየ።

Image

ብድሕሪዚ እግዚኣብሄር እታ ምድሪ ኩሉ ዓይነት ኣእዋምን ተኽልታትን ተብቊል በለ፡ ከምኡ ድማ ኰነ። እግዚኣብሄር እቲ ዝፈጠሮ ጽቡቕ ከምዝዀነ ረኣየ።

Image

ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ መዓልትን ለይትን፡ ወቕትታትን ዓመታትን ከምዝፈልዩ ገበረ። እግዚኣብሄር እቲ ዝፈጠሮ ጽቡቕ ከምዝዀነ ረኣየ።

Image

ኣብ ሓምሻይቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ማይ ዝነብሩን ህያው ነፍሲ ዘለዎምን ዝነፍሩ ኩሎም ኣዕዋፍ ፈጠረ። እግዚኣብሄር እቲ ዝፈጠሮ ኩሉ ጽቡቕ ከምዝዀነ ረኣየ፡ ነቶም ፍጥረቱ ድማ ባረኾም።

Image

ኣብ ሻድሻይቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር፡ “ኣብ ምድሪ ኩሎም ዓይነታት እንስሳታት ይዅኑ” በለ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ኰነ። ገሊኦም እንስሳ ዘቤት፡ ገሊኦም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉ፡ ገሊኦም ድማ እንስሳ ዘገዳም ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ጽቡቕ ከምዝዀነ ረኣየ።

Image

እግዚኣብሄር፡ “ብመልክዕና ከም ምስልና ሰባት ንፍጠር በለ፡ ንሳቶም ድማ ንብዘላ ምድርን ኣብ ኩሎም እንስሳታትን ይግዝኡ” በለ።

Image

እግዚኣብሄር ድማ ካብ ምድሪ ሓመድ ወሲዱ ሰብ ገበረ፡ ኣብ ኣፍንጭኡ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ፡ ህያው ነፍሲ ኮነ። ስም እዚ ሰብ ድማ “ኣዳም” ተባህለ። እግዚኣብሄር ኣብቲ ኣዳም ዝነብረሉ ቦታ ኣብ ኤደን “ገነት” ተኺሉ: ንኸልምዓ ኣብኣ ኣቐመጦ።

Image

ኣብ ማእኸል ገነት ድማ እግዚኣብሄር ክልተ ዝተፈለዩ ኣእዋም ተኸለ፡ ኦም ህይወትን ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦምን ኣብ ማእከል ገነት ነበራ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣዳም ብዘይካ ካብታ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም፡ ካብ ዝዀነ ፍረ ክበልዕ ከምዝኽእል፡ ካብታ ክፉእን ጽቡቕ እተፍልጥ ኦም እንተበሊዑ ግና፡ ከምዝመውት ነገሮ።

Image

እግዚኣብሄር ሰብ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን በለ።

Image

እግዚኣብሄር ድማ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ፡፡ ምስ ደቀሰ ድማ ካብ መሰንገሊኡ ሓንቲ ዓጽሚ ወሲዱ ሰበይቲ ገይሩ ሰሪሑ ናብ ኣዳም ኣምጽኣ።

Image

ኣዳም ምስ ረኣያ ድማ ከምዚ በለ፡ “እዚኣ ንዓይ እያ ትመስል፡ ካብ ሰብኣይ እያ ተረኺባ’ሞ ሰበይቲ ትበሃል”። ስለዚ ሰብ ኣቡኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ድማ ሓደ ስጋ

Image

እግዚኣብሄር ብመልክዑ ተባዕታይን ኣንስተይትን ፈጠረ። “ብዙሑን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ድማ ምልእዋ ኢሉ ባረኾም”። እግዚኣብሄር እቲ ዝሰርሖ ነገር ኩሉ ኣዝዩ ጽቡቕ ከምዝኾነ ረኣየ። ብኹሉ ነገር ድማ ተሓጐሰ፡ እዚ ኩሉ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ኰነ።

Image

ኣብቲ ሳብዐይቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ናይ ምፍጣር ስርሑ ፈጸመ። ስለዚ ካብቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ኵሉ ዓረፈ፡ ነቲ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ባረኻን ቀደሳን። እዚ ዝገበረ ድማ ካብ ኩሉ ስርሑ በዛ መዓልቲ

እዚኣ ስለዝዓረፈ እዩ። እግዚኣብሄር ሰማይን ምድርን ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝርከቡ ኩሎም ብኸምዚ መገዲ እዩ ፈጢርዎም፡፡

ታሪኽ መጽሐፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 1-2።