Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ

Image

እቶም ቈልዑ ምስ ዓበዩ ያእቆብ ምስ ኣዲኡ ኣብ ገዛ ምውዓል ዝፈቱ ኰነ። ኤሳው ግና ሃደን ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ንያእቆብ ትፈትዎ ነበረት፡ ይስሓቕ ግን ንኤሳው ይፈትዎ ነበረ።

Image

ሓደ መዓልቲ ኤሳው ካብ ሃደን ተመሊሱ ምስ መጸ ኣዝዩ ጠምይዎ ነበረ። ኤሳው ንያእቆብ “በጃኻ ካብቲ ዘዳለኻዮ ምግቢ ንእሽተይ ሃበኒ” በሎ። ያእቆብ ኸኣ ኣቐዲምካ መሰል ብዅርንኻ ሽጠለይ በሎ። ኤሳው ድማ መሰል ብዅርንኡ ንያእቆብ ሃቦ። ያእቆብ’ውን ካብቲ ዝሰርሖ ምግቢ ንኤሳው ሃቦ።

Image

ይስሓቕ ንኤሳው ክባርኾ ደለየ። ቅድሚኡ ግና ርብቃን ያእቆብን ንይስሓቕ ኣታለልዎ። ያእቆብ ንኤሳው መሲሉ፡ ናብ ይስሓቕ ቀረበ። ይስሓቕ ስለ ዝኣረገ ኣይርእይን ነበረ። ስለዚ ያእቆብ ናይ ኤሳው ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ኣእዳዉን ኣብ ክሳዱን ድማ ቆርበት ማሕስእ ገይሩ ብምቕራብ ንይስሓቕ ኣታለሎ።

Image

ያእቆብ ናብ ይስሓቕ መጺኡ፡ “ኣነ ኤሳው እየ፡ መጺአ ኣለኹ’ሞ ባርኸኒ” በሎ። ይስሓቕ ነቲ ጨጕሪ ማሕስእ ዳህሲሱን ክዳኑ ኣጫንዩን ኤሳው ከምዝዀነ ብምሕሳብ ባረኾ።

Image

ያእቆብ መሰል ብዅርንኡን በረኸቱን ኣታሊሉ ስለዝወሰደሉ ኤሳው ንያእቆብ ጸልኦ። ኣቡኦም ምስ ሞተ ድማ ክቐትሎ ሓሰበ።

Image

እንተኾነ ርብቃ መደብ ኤሳው ሰምዐት። ስለዚ ንሳን ይስሓቕን ተማኺሮም ምስ ኣዝማዶም ክነብር ናብ ርሑቕ ዓዲ ንያእቆብ ሰደድዎ።

Image

ያእቆብ ንብዙሕ ዓመት ምስ ኣዝማድ ርብቃ ተቐመጠ። ሽዑ ሓዳር ገይሩ 12 ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ወለደ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣሀብተሞ።

Image

ካብ ከንኣን ርሒቁ ዒስራ ዓመት ምስ ተቐመጠ ያእቆብ ምስ ስድርኡን ምስ ሰራሕተኛታቱን ምስ ጥሪቱን ናብ ምድሪ ከንኣን ክምለስ ወሰነ።

Image

ያእቆብ ከኣ ኤሳው ሕጂ’ውን ክቐትለኒ ይደሊ ይኸውን እዩ ኢሉ ሓሲቡ ፈርሐ። ስለዚ ገጸ በረኸት ዝኸውን ብዙሕ ማል ውህብቶ ገይሩ ንኤሳው ሰደደሉ። ነቶም ንኤሳው ማል ዝወስዱሉ ኣገልገልቲ ያእቆብ ንኤሳው፡ “ኣገልጋሊኻ ያእቆብ ነዘን ማል ሰዲዱልካ እንሆ፡ ንሱ ድማ ቀልጢፉ ክመጽእ እዩ” በልዎ።

Image

ኤሳው ግን ቀደሙ’ውን ንያእቆብ በደሉ ይቕረ ስለዝበለሉ፡ መሊሱ ክረኽቦ ሕጕስ ነበረ። ያእቆብ ኣብ ምድሪ ከንኣን ብሰላም ተቐመጠ። ብድሕሪኡ ይስሓቕ ሞተ፡ ያእቆብን ኤሳውን ድማ ቀበርዎ። እቲ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ኸኣ፡ ናብ ያእቆብ ተመሓላለፈ። ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 25፣27-33፡20።