7. እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባረኾ
እቶም ቈልዑ ምስ ዓበዩ ያእቆብ ምስ ኣዲኡ ኣብ ገዛ ምውዓል ዝፈቱ ኰነ። ኤሳው ግና ሃደን ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ንያእቆብ ትፈትዎ ነበረት፡ ይስሓቕ ግን ንኤሳው ይፈትዎ ነበረ።
ሓደ መዓልቲ ኤሳው ካብ ሃደን ተመሊሱ ምስ መጸ ኣዝዩ ጠምይዎ ነበረ። ኤሳው ንያእቆብ “በጃኻ ካብቲ ዘዳለኻዮ ምግቢ ንእሽተይ ሃበኒ” በሎ። ያእቆብ ኸኣ ኣቐዲምካ መሰል ብዅርንኻ ሽጠለይ በሎ። ኤሳው ድማ መሰል ብዅርንኡ ንያእቆብ ሃቦ። ያእቆብ’ውን ካብቲ ዝሰርሖ ምግቢ ንኤሳው ሃቦ።
ይስሓቕ ንኤሳው ክባርኾ ደለየ። ቅድሚኡ ግና ርብቃን ያእቆብን ንይስሓቕ ኣታለልዎ። ያእቆብ ንኤሳው መሲሉ፡ ናብ ይስሓቕ ቀረበ። ይስሓቕ ስለ ዝኣረገ ኣይርእይን ነበረ። ስለዚ ያእቆብ ናይ ኤሳው ክዳውንቲ ተኸዲኑ ኣብ ኣእዳዉን ኣብ ክሳዱን ድማ ቆርበት ማሕስእ ገይሩ ብምቕራብ ንይስሓቕ ኣታለሎ።
ያእቆብ ናብ ይስሓቕ መጺኡ፡ “ኣነ ኤሳው እየ፡ መጺአ ኣለኹ’ሞ ባርኸኒ” በሎ። ይስሓቕ ነቲ ጨጕሪ ማሕስእ ዳህሲሱን ክዳኑ ኣጫንዩን ኤሳው ከምዝዀነ ብምሕሳብ ባረኾ።
ያእቆብ መሰል ብዅርንኡን በረኸቱን ኣታሊሉ ስለዝወሰደሉ ኤሳው ንያእቆብ ጸልኦ። ኣቡኦም ምስ ሞተ ድማ ክቐትሎ ሓሰበ።
እንተኾነ ርብቃ መደብ ኤሳው ሰምዐት። ስለዚ ንሳን ይስሓቕን ተማኺሮም ምስ ኣዝማዶም ክነብር ናብ ርሑቕ ዓዲ ንያእቆብ ሰደድዎ።
ያእቆብ ንብዙሕ ዓመት ምስ ኣዝማድ ርብቃ ተቐመጠ። ሽዑ ሓዳር ገይሩ 12 ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ወለደ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣሀብተሞ።
ካብ ከንኣን ርሒቁ ዒስራ ዓመት ምስ ተቐመጠ ያእቆብ ምስ ስድርኡን ምስ ሰራሕተኛታቱን ምስ ጥሪቱን ናብ ምድሪ ከንኣን ክምለስ ወሰነ።
ያእቆብ ከኣ ኤሳው ሕጂ’ውን ክቐትለኒ ይደሊ ይኸውን እዩ ኢሉ ሓሲቡ ፈርሐ። ስለዚ ገጸ በረኸት ዝኸውን ብዙሕ ማል ውህብቶ ገይሩ ንኤሳው ሰደደሉ። ነቶም ንኤሳው ማል ዝወስዱሉ ኣገልገልቲ ያእቆብ ንኤሳው፡ “ኣገልጋሊኻ ያእቆብ ነዘን ማል ሰዲዱልካ እንሆ፡ ንሱ ድማ ቀልጢፉ ክመጽእ እዩ” በልዎ።
ኤሳው ግን ቀደሙ’ውን ንያእቆብ በደሉ ይቕረ ስለዝበለሉ፡ መሊሱ ክረኽቦ ሕጕስ ነበረ። ያእቆብ ኣብ ምድሪ ከንኣን ብሰላም ተቐመጠ። ብድሕሪኡ ይስሓቕ ሞተ፡ ያእቆብን ኤሳውን ድማ ቀበርዎ። እቲ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ኸኣ፡ ናብ ያእቆብ ተመሓላለፈ። ።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 25፣27-33፡20።