Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

29. ታሪኽ እቲ ምሕረት ዘይብሉ ኣገልጋሊ

Image

ሓደ መዓልቲ ጴጥርስ ንኢየሱስ፡ “ዎ መምህር፡ ሓወይ እንተበደለኒ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ክብሎ፧ ሸውዓተ ሳዕ ድዩ” ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ድማ፣ “ሸውዓተ ሰብዓ ሻዕ እምበር፡ ሸውዓተ ሻዕ ኣይኰነን” በሎ። ኢየሱስ ነዚ ምባሉ ኩልሳዕ ይቕረ ክንብል ኣለና ማለቱ እዩ። ሽዑ ኢየሱሰ ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ታሪኽ ተዛረበ።

Image

ኢየሱስ ከምዚ በለ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ኣገልገልቱ ክቈጻጸር ዝደለየ ንጉስ እያ እትመስል። ካብቶም ኣገልገልቱ እቲ ሓደ 10,000 መኽሊት ዝኸውን ዕዳ ነበሮ”።

Image

“እቲ ኣገልጋሊ ዕድኡ ክኸፍል ስለዘይከኣለ፡ እቲ ንጉስ፡ “እዚ ኣገልጋሊ ዕድኡ ምእንቲ ክኸፍል ንዕኡን ንቤተሰቡን ሽጥዎም” በሎ።

Image

“እቲ ኣገልግሊ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተደፊኡ፡ “በጃኻ ተዓገሰኒ፡ ዘለኒ ዕዳ ኩሉ ክኸፍለካ እየ” በሎ። እቲ ንጉስ ነቲ ኣገልጋሊ ሓዚኑሉ ዕድኡ ኩሉ ሓዲገሉ ፈትሖ ድማ”

Image

“እንተኾነ እቲ ኣገልጋሊ፡ ካብቲ ንጉስ ምስ ወጸ፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ። እቲ ምሕረት ዝተገብረሉ ኣገልጋሊ፡ ነቲ ዕዳ ዘለዎ ብጻዩ ሒዙ “ዘለካ ዕዳ ክፈለኒ” በሎ።

Image

“እቲ ብጻዩ ዝዀነ ኣገልጋሊ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ “በጃኻ ተዓገሰኒ፡ ዘለኒ ዕዳ ኩሉ ክኸፍለካ እየ” በሎ። እቲ ኣገልጋሊ ግና ነቲ ዕዳ ዘለዎ ብጻዩ ክሳዕ ዕድኡ ዝኸፍሎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ”።

Image

“ካልኦት ኣገልገልቲ ነቲ ዝተፈጸመ ነገር ርእዮም ሓረቑ። ናብቲ ንጉስ ከይዶም ድማ ነቲ ዝዀነ ነገር ነገርዎ”።

Image

“እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኣገለጋሊ ኣጸዊዑ፣ ‹ኣታ ጨካን ባርያ ዕዳኻ ክገድፈልካ ስለዝለመንካኒ ገደፍኩልካ። ንስኻ’ውን ከምኡ ክትገብር ይግብአካ ነይሩ”። በሎ። እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተቘጢዑ ዕድኡ ኩሉ ክሳዕ ዝኸፍል ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ከምዚ በለ፡ “ንስኻትኩም’ውን ንሕድሕድኩም ነሕዋትኩም ይቕረ እንተዘይልኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ’ውን ይቕረ ኣይብለኩምን እዩ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 18፡21-35።