48. ኢየሱስ፡ እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ መሲሕ እዩ
እግዚኣብሄር ንዓለም ምስ ፈጠረ ኩሉ ነገር ፍጹም ነበረ። ሓጥኣት ኣይነበረን። ኣዳምን ሄዋንን ንሕድሕዶም ይፋተዉ ነበሩ። ንእግዚኣብሄር’ውን ይፈትውዎ ነበሩ። ሕማም ኰነ ሞት ዝበሃል ነገር ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ኸኣ ንዓለም ክትከውን ዝደለያ ከምዚ ነበረ።
ሰይጣን ኣብ ገነት ንሄዋን ከስሕታ ብተመን ኣቢሉ ተዛረባ። ብድሕሪኡ ንሳን ኣዳምን ሓጥኣት ገበሩ። ንሳቶም ሓጥኣት ስለዝሰርሑ ድማ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ኩሉ ይሓምምን ይመውትን።
ኣዳምን ሄዋንን ሓጥኣት ብምስርሖም ካብኡ ዝገደደ ነገር ኰነ። ንሳቶም ጸላእቲ እግዚኣብሄር ኰኑ። ካብቲ እዋን ኣትሒዙ፡ ኵሉ ሰብ ብናይ ሓጥኣት ባህሪ ተወልደ፡ ጸላኢ እግዚኣብሄር ድማ ኰነ። ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰባትን ዝነበረ ርክብ ድማ ብሓጥኣት ምኽንያት ተቛረጸ። እግዚኣብሄር ግና ነቲ ርክብ ናይ ምምላስ መደብ ገበረ።
ካብ ዘርኢ ሄዋን፡ ሓደ ርእሲ ሰይጣን ከምዝጭፍልቕ ሰይጣን’ውን ሸዀንኡ ከምዝነክስ እግዚኣብሄር ተስፋ ሃበ። እዚ ድማ ሰይጣን ነቲ መሲሕ ይቐትሎ፡ እግዚኣብሄር ግና መሊሱ የተንስኦ እዩ ማለት እዩ፡ ድሕሪ’ዚ እቲ መሲሕ ድማ ንሓይሊ ሰይጣን ንዘለኣለም ይቕጥቅጦ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እግዚኣብሄር፡ መሲሕ “ኢየሱስ” ከምዝዀነ ገለጸ።
እግዚኣብሄር ንኹላ ምድሪ ብማይ ኣይሂ ከጥፍእ ከሎ፡ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ሰባት ከድሕን መርከብ ኣዳለወሎም። ብተመሳሳሊ መንገዲ ሰብ ኵሉ ብምኽንያት ሓጥኣቱ ክጠፍእ ይግብኦ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ብእኡ ዝኣምኑ ኵሎም ንምድሓን ንኢየሱስ ሃበ።
ንብዙሕ ኣማኢት ዓመታት ካህናት ስለ ሓጥኣቶም ዝግብኦም መቕጻዕቲ ከርኢ፡ ስለ እቶም ህዝቢ ብዘይምቊራጽ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረቡ። መስዋእቲታት ግና ሓጥኣቶም ከርሕቑሎም ኣይከኣሉን። ኢየሱስ እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት እዩ። ካብቶም ካልኦት ካህናት ብዝተፈልየ ኵነታት፡ ኢየሱስ ኣብዛ ዓለም ናይ ዘለዉ ሰባት ኵሎም ሓጥኣት ከርሕቕ ዝኽእል፡ ፍሉይ መስዋእቲ ገይሩ ርእሱ ኣቕረበ። ኢየሱስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መቕጻዕቲ ሓጥኣት ስለዝወሰደ ፍጹም ዝዀነ ሊቀ ካህናት እዩ።
እግዚኣብሄር ንኣብርሃም፡ “ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብኣኻ ክባረኹ እዮም” ኢሉ ነገሮ። ኢየሱስ ካብ ወለዶ ኣብርሃም እዩ። ብእኡ ኣቢሎም ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ተባሪኾም እዮም። ምኽንያቱ ድማ፡ ብኢየሱስ ዝኣምን ዘበለ ኵሉ ሰብ ካብ ሓጥያት ድሒኑ እዩ። ከምኡ’ውን ብእምነት ወሉድ ኣብርሃም ይኸውን።ን።
እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ንይስሃቕ ወዱ መስዋእቲ ገይሩ ከቕርበሉ ምስ ነገሮ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዲ ይስሃቕ ወዱ ዝስዋእ በጊዕ ኣዳለወ። ኵላትና ብሓጥያትና ክንመውት ይግብአና እዩ፡፡ እግዚኣብሄር፡ ግና መስዋእቲ ኰይኑ ኣብ ክንዳና ክመውት ነቲ ገንሸል ኣምላኽ ዝዀነ ኢየሱስ ሃበ።
እግዚኣብሄር ኣብ ግብጺ ነቲ ናይ መወዳእታ መዓት ከውርድ ከሎ፡ ኣበር ዘይብሉ ገንሸል ሓሪዶም፡ ነቲ ደሙ ኣብ ልዳቶም ክነጽግዎ ንቤት እስራኤላውያን ነገሮም። እግዚኣብሄር ነቲ ደም ምስ ረኣየ ንገዛውቶም ሓሊፉ ከደ፡ በዅሪ ደቆም ድማ ኣይቀተለን። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ፋሲጋ ይበሃል።
ኢየሱስ ገንሸል ፋሲጋና እዩ። ንሱ ፍጹምን ብዘይ ሓጥያትን ኰይኑ፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲጋ ተቐትለ። ዝዀነ ሰብ ብኢየሱስ ክኣምን ከሎ፡ ደም ኢየሱስ ንዕኡ ተኸፊሊሉ እዩ፡ ስለዚ መቕጻዕቲ ኣምላኽ ኣብቲ ሰብ ኣይከውንን ማለት እዩ።
እግዚኣብሄር ምስቶም ሕሩያት ህዝቡ ምስ እስራኤላውያን ቃል ኪዳን ገበረ። ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ንኹሉ ሰብ ዝኸውን ሓድሽ ቃል ኪዳን ገበረ። በዚ ሓድሽ ቃል ኪዳን ኣቢሉ ካብ ኵሉ ዓሌት ዝዀነ ሰብ ብኢየሱስ ብምእማን ስድራ ኣምላኽ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሙሴ፡ ቃል እግዚኣብሄር ዝኣወጀ ዓብዪ ነብዪ ነበረ። ኢየሱስ ግና ካብ ኵሉ ዝለዓለ ነብዪ እዩ። ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ስለዚ እቲ ንሱ ዝገበሮን ዝተዛረቦን ኵሉ ስራሕ ኣምላኽን ቃል ኣምላኽን እዩ። ኢየሱስ ድማ ቃል እግዚኣብሄር ተባሂሉ ዝጽዋዕ።
እግዚኣብሄር ንንጉስ ዳዊት ካብ ዘርኡ እቲ ሓደ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ከም ዝገዝእ ተስፋ ሃቦ። ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽን መሲሕን ስለዝዀነ፡ እቲ ንዘለኣለም ዝገዝእ ፍሉይ ዘርኢ ዳዊት ንሱ እዩ።
ዳዊት ንጉስ እስራኤል ነበረ፡፡ ኢየሱስ ግና ናይ ኵሉ ፍጥረት ዓለም ንጉስ እዩ፡፡ ተመሊሱ ምስ መጸ ድማ ብፍትሕን ብሰላምን ንመንግስቱ ንዘለኣለም ክገዝእ እዩ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 1-3፤ 6፤ 14፤ 22፤ ዘፀኣት 12፣ 20፤ 2ይ ሳሙኤል 7፤ እብራውያን 3፡1-6፤ 4፡14-5፡10፤ 7፡1-8፡13፤ 9፡11-10፡18፤ ራእይ 21።