Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

48. ኢየሱስ፡ እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ መሲሕ እዩ

Image

እግዚኣብሄር ንዓለም ምስ ፈጠረ ኩሉ ነገር ፍጹም ነበረ። ሓጥኣት ኣይነበረን። ኣዳምን ሄዋንን ንሕድሕዶም ይፋተዉ ነበሩ። ንእግዚኣብሄር’ውን ይፈትውዎ ነበሩ። ሕማም ኰነ ሞት ዝበሃል ነገር ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ኸኣ ንዓለም ክትከውን ዝደለያ ከምዚ ነበረ።

Image

ሰይጣን ኣብ ገነት ንሄዋን ከስሕታ ብተመን ኣቢሉ ተዛረባ። ብድሕሪኡ ንሳን ኣዳምን ሓጥኣት ገበሩ። ንሳቶም ሓጥኣት ስለዝሰርሑ ድማ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ኩሉ ይሓምምን ይመውትን።

Image

ኣዳምን ሄዋንን ሓጥኣት ብምስርሖም ካብኡ ዝገደደ ነገር ኰነ። ንሳቶም ጸላእቲ እግዚኣብሄር ኰኑ። ካብቲ እዋን ኣትሒዙ፡ ኵሉ ሰብ ብናይ ሓጥኣት ባህሪ ተወልደ፡ ጸላኢ እግዚኣብሄር ድማ ኰነ። ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰባትን ዝነበረ ርክብ ድማ ብሓጥኣት ምኽንያት ተቛረጸ። እግዚኣብሄር ግና ነቲ ርክብ ናይ ምምላስ መደብ ገበረ።

Image

ካብ ዘርኢ ሄዋን፡ ሓደ ርእሲ ሰይጣን ከምዝጭፍልቕ ሰይጣን’ውን ሸዀንኡ ከምዝነክስ እግዚኣብሄር ተስፋ ሃበ። እዚ ድማ ሰይጣን ነቲ መሲሕ ይቐትሎ፡ እግዚኣብሄር ግና መሊሱ የተንስኦ እዩ ማለት እዩ፡ ድሕሪ’ዚ እቲ መሲሕ ድማ ንሓይሊ ሰይጣን ንዘለኣለም ይቕጥቅጦ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እግዚኣብሄር፡ መሲሕ “ኢየሱስ” ከምዝዀነ ገለጸ።

Image

እግዚኣብሄር ንኹላ ምድሪ ብማይ ኣይሂ ከጥፍእ ከሎ፡ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ሰባት ከድሕን መርከብ ኣዳለወሎም። ብተመሳሳሊ መንገዲ ሰብ ኵሉ ብምኽንያት ሓጥኣቱ ክጠፍእ ይግብኦ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ብእኡ ዝኣምኑ ኵሎም ንምድሓን ንኢየሱስ ሃበ።

Image

ንብዙሕ ኣማኢት ዓመታት ካህናት ስለ ሓጥኣቶም ዝግብኦም መቕጻዕቲ ከርኢ፡ ስለ እቶም ህዝቢ ብዘይምቊራጽ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረቡ። መስዋእቲታት ግና ሓጥኣቶም ከርሕቑሎም ኣይከኣሉን። ኢየሱስ እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት እዩ። ካብቶም ካልኦት ካህናት ብዝተፈልየ ኵነታት፡ ኢየሱስ ኣብዛ ዓለም ናይ ዘለዉ ሰባት ኵሎም ሓጥኣት ከርሕቕ ዝኽእል፡ ፍሉይ መስዋእቲ ገይሩ ርእሱ ኣቕረበ። ኢየሱስ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መቕጻዕቲ ሓጥኣት ስለዝወሰደ ፍጹም ዝዀነ ሊቀ ካህናት እዩ።

Image

እግዚኣብሄር ንኣብርሃም፡ “ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብኣኻ ክባረኹ እዮም” ኢሉ ነገሮ። ኢየሱስ ካብ ወለዶ ኣብርሃም እዩ። ብእኡ ኣቢሎም ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ተባሪኾም እዮም። ምኽንያቱ ድማ፡ ብኢየሱስ ዝኣምን ዘበለ ኵሉ ሰብ ካብ ሓጥያት ድሒኑ እዩ። ከምኡ’ውን ብእምነት ወሉድ ኣብርሃም ይኸውን።ን።

Image

እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ንይስሃቕ ወዱ መስዋእቲ ገይሩ ከቕርበሉ ምስ ነገሮ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዲ ይስሃቕ ወዱ ዝስዋእ በጊዕ ኣዳለወ። ኵላትና ብሓጥያትና ክንመውት ይግብአና እዩ፡፡ እግዚኣብሄር፡ ግና መስዋእቲ ኰይኑ ኣብ ክንዳና ክመውት ነቲ ገንሸል ኣምላኽ ዝዀነ ኢየሱስ ሃበ።

Image

እግዚኣብሄር ኣብ ግብጺ ነቲ ናይ መወዳእታ መዓት ከውርድ ከሎ፡ ኣበር ዘይብሉ ገንሸል ሓሪዶም፡ ነቲ ደሙ ኣብ ልዳቶም ክነጽግዎ ንቤት እስራኤላውያን ነገሮም። እግዚኣብሄር ነቲ ደም ምስ ረኣየ ንገዛውቶም ሓሊፉ ከደ፡ በዅሪ ደቆም ድማ ኣይቀተለን። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ፋሲጋ ይበሃል።

Image

ኢየሱስ ገንሸል ፋሲጋና እዩ። ንሱ ፍጹምን ብዘይ ሓጥያትን ኰይኑ፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲጋ ተቐትለ። ዝዀነ ሰብ ብኢየሱስ ክኣምን ከሎ፡ ደም ኢየሱስ ንዕኡ ተኸፊሊሉ እዩ፡ ስለዚ መቕጻዕቲ ኣምላኽ ኣብቲ ሰብ ኣይከውንን ማለት እዩ።

Image

እግዚኣብሄር ምስቶም ሕሩያት ህዝቡ ምስ እስራኤላውያን ቃል ኪዳን ገበረ። ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ንኹሉ ሰብ ዝኸውን ሓድሽ ቃል ኪዳን ገበረ። በዚ ሓድሽ ቃል ኪዳን ኣቢሉ ካብ ኵሉ ዓሌት ዝዀነ ሰብ ብኢየሱስ ብምእማን ስድራ ኣምላኽ ክኸውን ይኽእል እዩ።

Image

ሙሴ፡ ቃል እግዚኣብሄር ዝኣወጀ ዓብዪ ነብዪ ነበረ። ኢየሱስ ግና ካብ ኵሉ ዝለዓለ ነብዪ እዩ። ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ስለዚ እቲ ንሱ ዝገበሮን ዝተዛረቦን ኵሉ ስራሕ ኣምላኽን ቃል ኣምላኽን እዩ። ኢየሱስ ድማ ቃል እግዚኣብሄር ተባሂሉ ዝጽዋዕ።

Image

እግዚኣብሄር ንንጉስ ዳዊት ካብ ዘርኡ እቲ ሓደ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ከም ዝገዝእ ተስፋ ሃቦ። ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽን መሲሕን ስለዝዀነ፡ እቲ ንዘለኣለም ዝገዝእ ፍሉይ ዘርኢ ዳዊት ንሱ እዩ።

Image

ዳዊት ንጉስ እስራኤል ነበረ፡፡ ኢየሱስ ግና ናይ ኵሉ ፍጥረት ዓለም ንጉስ እዩ፡፡ ተመሊሱ ምስ መጸ ድማ ብፍትሕን ብሰላምን ንመንግስቱ ንዘለኣለም ክገዝእ እዩ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 1-3፤ 6፤ 14፤ 22፤ ዘፀኣት 12፣ 20፤ 2ይ ሳሙኤል 7፤ እብራውያን 3፡1-6፤ 4፡14-5፡10፤ 7፡1-8፡13፤ 9፡11-10፡18፤ ራእይ 21።