34. ኢየሱስ ካልኦት ምስላታት መሃረ
ኢየሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካልኦት ብዙሓት ምስላታት መሃረ። ንኣብነት: ከምዚ በለ: “መንግስቲ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ዘርኢ ኣድሪ እያ ትመስል። ንሳ ካብ ኩለን ዘርእታት ዝነኣሰት እያ።
“ስለዚ እታ ዘርኢ ኣድሪ ምስ ዓበየት ካብ ኩሎም ተኽልታት ዝበለጸት ኮነት፡ ኣዕዋፍ መጺአን ክሳዕ ዝዓርፋላ።
ኢየሱስ መሊሱ ካሊእ ምስላ ተዛረበ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ሰበይቲ ወሲዳ ኩሉ ክሳዕ ዝበኵዕ ምስ ሕሩጭ ዝሓወሰቶ መባዅዕቲ እያ ትመስል”።
“ከምኡ'ውን መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰብ ኣብ ማእኸል ግራት ዝሓብኣ ሃብቲ እያ ትመስል። ካሊእ ሰብ ነቲ ሃብቲ ረኺቡ መሊሱ ቀበሮ። ኣዝዩ ተሓጒሱ ከይዱ ዘለዎ ኩሉ ሸይጡ በቲ ገንዘብ ነቲ ሕርሻ ዓደጎ”።
“ከምኡ'ውን መንግስቲ ኣምላኽ፡ ዋግኣ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ዕንቍ እያ ትመስል። ሓደ ነጋዳይ ዕንቊ ነታ ዕንቊ ምስ ረኸባ ዘለዎ ኩሉ ሸይጡ ዓደጋ”።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ብዛዕባ ሓደሓደ ብሰናይ ግብሮም ዝእመኑን ንኻልኦት ዝንዕቑን ምስላ ገለገለ ሰባት ተዛረበ። “ክልተ ሰባት ክጽልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ከዱ። እቲ ሓደ ኣካብ ቀረጽ ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ድማ መራሒ ሃይማኖት ነበረ” በለ።
“እቲ መራሒ ሃይማኖት ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ካልኦት ሰባት፡ ከታሪን ዓመጸኛን ኣመንዝራን፡ ከምዚ ኣካብ ቀረጽ'ውን ስለዘይኰንኩ የመስግነካ”።
“እዚ ድማ፡ በብሰሙን እጸውም፣ ካብ ዝረኽቦ ገንዘብን ጥሪትን ኩሉ'ውን ዕሽር እኸፍል”።
“እቲ ኣካቢ ቀረጽ ግና ካብቲ መራሒ ሃይማኖት ርሕቕ ኢሉ ደው በለ፡ ናብ ሰማይ እኳ ኣይረኣየን። ኣብ ክንድ’ዚ፡ ኣፍልቡ እናወቕዐ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ሓጥያተኛ ስለዝዀንኩ በጃኻ መሓረኒ” ይብል ነበረ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ከምዚ በለ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እግዚኣብሄር ናይቲ ኣካቢ ቀረጽ ጸሎት ሰሚዑ “ጻድቕ ኢኻ” በሎ። ንጸሎት እቲ መራሒ ሃይማኖት ግና ኣይፈተወሉን። እግዚኣብሄር፡ ርእሱ ክብ ንዘብል ኵሉ የዋርዶ፡ ርእሱ ንዘዋርድ ግና ልዕል የብሎ” በለ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 13፡31-33፣ 44-46፤ ማርቆስ 4፡30-32፤ ሉቃስ 13፡18-21፤ 18፡9-14።