4. እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝኣተዎ ቃል ኪዳን
ማይ ኣይሂ ምስ ወረደ ድሕሪ ብዝሕ ዓመታት ህዝቢ ኣብ ዓለም ክበዝሕ ጀመረ። ኵሎም ሓደ ቋንቋ ይዛረቡ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ንምድሪ ምምላእ ገዲፎም ብሓደ ተኣኪቦም ከተማ ሰርሑ።
ንሳቶም ኣዝዮም ትምክሕትኛታትን ነቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦም ሸለል ዝብሉ ነበሩ። ናብ ሰማይ ክብጽሑ ደልዮም ድማ ነዊሕ ህንጻ ምስራሕ ጀመሩ። እዞም ሰባት ሓቢሮም ክፉእ ምስራሕ እንተቐጺሎም፡ ካብዚ ዝኸፍአ ሓጢኣት’ውን ክገብሩ ከም ዝኽእሉ እግዚኣብሄር ረኣየ።
ስለዚ እግዚኣብሄር ነቲ ቋንቊኦም ናብ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ቋንቋታት ሓዋውሱ፡ ነቶም ህዝብታት ኣብ ኩላ ዓለም በተኖም። እቲ ምስራሕ ዝጀመርዎ ከተማ ድማ ባቤል ይበሃል። ትርጉሙ ድማ ዝተሓዋወሰ ወይ ዝተጸናበረ ማለት እዩ።
ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት እግዚኣብሄር ነቲ ኣብራም ዝተባህለ ሰብ ተዛረቦ። ከምዚ ከኣ በሎ፡ “ዓድኻን ኣዝማድካን ገዲፍካ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ውጻእ። ኣብኡ ድማ ክባርኸካ እየ፡ ዓብዪ ህዝቢ ክገብረካ እየ፡ ስምካ’ውን ከዕብዮ እየ፡ ንዝባርኹኻ ክባርኾም፡ ነቶም ዝረግሙኻ ድማ ክረግሞም እየ፡ ብኣኻ ኣብዛ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ኩሎም ክባረኹ እዮም።”
ኣብራም ድማ ንእግዚኣብሄር ተኣዚዙ ንሰበይቱ ንሳራይን ንኹሎም ኣገልገልቱን ኵሉ ንብረቱን ሒዙ ናብቲ እግዚኣብሄር ዘርአዮ ምድሪ ከንኣን ከደ።
ኣብራም ከንኣን ምስ በጽሐ እግዚኣብሄር፡ “ኣብ ዙርያኻ ዘሎ ኵሉ ተመልክት፡ ነዚ ትሪኦ ዘለኻ ኩሉ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ርስቲ ገይረ ክህበኩም እየ” በሎ። ኣብራም ድማ ኣብታ ምድሪ ተቐመጠ።
ሓደ መዓልቲ ኣብራም ነቲ መልከ ጼዴቅ ዝተባህለ ኻህን ልዑል ኣምላኽ ረኸቦ። መልከጼዴቅ ድማ ንኣብራም ባረኾ፡ ከምዚ ከኣ በሎ፡ “ጐይታ ሰማይን ምድርን ዝዀነ ልዑል እግዚኣብሄር ንኣብራም ይባርኮ፡ ኣብራም ድማ ንመልከ ጼዴቅ ካብቲ ዘለዎ ኵሉ ዕሽር ሃቦ።”
ኣብራምን ሳራይን ውሉድ ከይወለዱ ብዙሕ ዓመታት ሓለፈ፡፡ መሊሱ ድማ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተስፋ ሃቦ፡ ውሉድ ከምዝወልድን ዘርኡ’ውን ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከምዝበዝሑ ነገሮ። ኣብራም ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ ኣመነ። ኣብራም ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ ስለዝኣመነ ጽድቂ ኰይኑ ተቘጽረሉ።
እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ቃል ኪዳን ገበረ። ቃል ኪዳን ኣብ መንጎ ክልተ ወገን ዝግበር ስምምዕ እዩ። እግዚኣብሄር ንኣብራም፡ “ካብ ከስዔኻ ውሉድ ክህበካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ምድሪ ከንኣን ክህቦም እየ በሎ”። ክሳብ ሽዑ ኣብራም ብዘይ ውሉድ ነበረ።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 11-15