Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

4. እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝኣተዎ ቃል ኪዳን

Image

ማይ ኣይሂ ምስ ወረደ ድሕሪ ብዝሕ ዓመታት ህዝቢ ኣብ ዓለም ክበዝሕ ጀመረ። ኵሎም ሓደ ቋንቋ ይዛረቡ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ንምድሪ ምምላእ ገዲፎም ብሓደ ተኣኪቦም ከተማ ሰርሑ።

Image

ንሳቶም ኣዝዮም ትምክሕትኛታትን ነቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦም ሸለል ዝብሉ ነበሩ። ናብ ሰማይ ክብጽሑ ደልዮም ድማ ነዊሕ ህንጻ ምስራሕ ጀመሩ። እዞም ሰባት ሓቢሮም ክፉእ ምስራሕ እንተቐጺሎም፡ ካብዚ ዝኸፍአ ሓጢኣት’ውን ክገብሩ ከም ዝኽእሉ እግዚኣብሄር ረኣየ።

Image

ስለዚ እግዚኣብሄር ነቲ ቋንቊኦም ናብ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ቋንቋታት ሓዋውሱ፡ ነቶም ህዝብታት ኣብ ኩላ ዓለም በተኖም። እቲ ምስራሕ ዝጀመርዎ ከተማ ድማ ባቤል ይበሃል። ትርጉሙ ድማ ዝተሓዋወሰ ወይ ዝተጸናበረ ማለት እዩ።

Image

ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት እግዚኣብሄር ነቲ ኣብራም ዝተባህለ ሰብ ተዛረቦ። ከምዚ ከኣ በሎ፡ “ዓድኻን ኣዝማድካን ገዲፍካ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ውጻእ። ኣብኡ ድማ ክባርኸካ እየ፡ ዓብዪ ህዝቢ ክገብረካ እየ፡ ስምካ’ውን ከዕብዮ እየ፡ ንዝባርኹኻ ክባርኾም፡ ነቶም ዝረግሙኻ ድማ ክረግሞም እየ፡ ብኣኻ ኣብዛ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ኩሎም ክባረኹ እዮም።”

Image

ኣብራም ድማ ንእግዚኣብሄር ተኣዚዙ ንሰበይቱ ንሳራይን ንኹሎም ኣገልገልቱን ኵሉ ንብረቱን ሒዙ ናብቲ እግዚኣብሄር ዘርአዮ ምድሪ ከንኣን ከደ።

Image

ኣብራም ከንኣን ምስ በጽሐ እግዚኣብሄር፡ “ኣብ ዙርያኻ ዘሎ ኵሉ ተመልክት፡ ነዚ ትሪኦ ዘለኻ ኩሉ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ርስቲ ገይረ ክህበኩም እየ” በሎ። ኣብራም ድማ ኣብታ ምድሪ ተቐመጠ።

Image

ሓደ መዓልቲ ኣብራም ነቲ መልከ ጼዴቅ ዝተባህለ ኻህን ልዑል ኣምላኽ ረኸቦ። መልከጼዴቅ ድማ ንኣብራም ባረኾ፡ ከምዚ ከኣ በሎ፡ “ጐይታ ሰማይን ምድርን ዝዀነ ልዑል እግዚኣብሄር ንኣብራም ይባርኮ፡ ኣብራም ድማ ንመልከ ጼዴቅ ካብቲ ዘለዎ ኵሉ ዕሽር ሃቦ።”

Image

ኣብራምን ሳራይን ውሉድ ከይወለዱ ብዙሕ ዓመታት ሓለፈ፡፡ መሊሱ ድማ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተስፋ ሃቦ፡ ውሉድ ከምዝወልድን ዘርኡ’ውን ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከምዝበዝሑ ነገሮ። ኣብራም ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ ኣመነ። ኣብራም ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ ስለዝኣመነ ጽድቂ ኰይኑ ተቘጽረሉ።

Image

እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ቃል ኪዳን ገበረ። ቃል ኪዳን ኣብ መንጎ ክልተ ወገን ዝግበር ስምምዕ እዩ። እግዚኣብሄር ንኣብራም፡ “ካብ ከስዔኻ ውሉድ ክህበካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ምድሪ ከንኣን ክህቦም እየ በሎ”። ክሳብ ሽዑ ኣብራም ብዘይ ውሉድ ነበረ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 11-15