Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ

Image

ኣይሁድ በብዓመቱ በዓል ፋሲጋ የብዕሉ ነበሩ። እዚ በዓል ቅድሚ ብዙሓት ኣማኢት ዓመታት እግዚኣብሄር ንኣቦታቶም ካብ ኣብ ግብጺ ዝነበሩሉ ባርነት ከመይ ከምዘውጽኦም ንምዝካር ዝበዓል እዩ። ኢየሱስ ብግልጺ ምምሃር ካብ ዝጅምር ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ነዚ በዓል ፋሲጋ ምስኣቶም ከብዕል ደለየ፡ ኣብኡ ድማ፡ ከምዝቕተል ንደቀመዛሙርቱ ነገሮም።

Image

ካብ ደቀመዛሙርቲ ኢየሱስ እቲ ሓደ ይሁዳ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ይሁዳ ተሓዝ ገንዘብ ናይ ሃዋርያት ነበረ። እንተኾነ ገንዘብ ይፈቱ ስለዝነበረ ብዙሕ ግዜ ካብቲ ማሕፉዳ ገንዘብ ይሰርቕ ነበረ። ኢየሱስ ምስ ደቀመዛሙርቱን ናብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ ይሁዳ ናብ መራሕቲ ኣይሁድ ከይዱ ንኢየሱስ ብገንዘብ ኣሕሊፉ ክህቦም ተሰማምዐ። ኢየሱስ መሲሕ ምዃኑ ከምዝኸሓዱን፡ ክቐትልዎ ሻራ ይገብሩ ከምዝነበሩን ፈለጠ።

Image

መራሕቲ ኣይሁድ በቲ ሊቀኻህናት እናተመርሑ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ምእንቲ ክህቦም ንይሁዳ ሰላሳ ቅርሺ ብሩር ከፈልዎ። ከምቲ ነብያት ዝተነበይዎ’ውን ኰነ። ይሁዳ ኸኣ ተሰማምዐ፡ ነቲ ገንዘብ ሒዙ ድማ ኸደ። ንኢየሱስ ምእንቲ ክሕዝዎ፡ ክሕግዞም ኣጋጣሚ ይደሊ ነበረ።

Image

ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ኢየሩሳሌም ፋሲጋ ኣብዓለ። በቲ ጊዜ ፋሲጋ እንጀራ ኣልዒሉ ቈረሰ። ከምዚ ድማ በለ፡ “ውሰዱ ነዚ ብልዑ።እዚ ስሌኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ። ነዚ ድማ ንመዘከርታይ ግበርዎ”። በዚ መገዲ ኢየሱስ ስጋኡ፡ ስሊኦም ከምዝስዋእ ነገሮም።

Image

ከምኡ’ውን ኢየሱስ ጽዋዕ ኣልዒሉ፡ “ነዚ ስተይዎ። ስለ ሕድገት ሓጥያት ዝፈስስ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ነዚ ምስ እትሰትዩ ኵሉ ሳዕ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ካባኻትኩም ሓደ ንዓይ ኣሕሊፉ ክህበኒ እዩ” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ከኣ ሰምበዱ፡ ከምዚ ዝበለ ነገር ዝገብርከ መን’ዩ ተበሃሃሉ። ኢየሱስ ድማ፡ “ነዚ ቊራስ እንጀራ ዝህቦ ሰብ እዩ ኣሕሊፉ ዝህበኒ” በለ። ሽዑ እንጀራ ቈሪሱ ንይሁዳ ሃቦ።

Image

ይሁዳ ነቲ እንጀራ ምስ ተቐበለ፡ ሰይጣን ኣተዎ። ንኢየሱስ ክሕዝዎ ምእንቲ ክሕግዞም ይሁዳ ናብ መራሕቲ ኣይሁድ ከደ። እዋኑ ድማ ምሸት ነበረ።

Image

ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ድራር ምስ በልዑ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸዱ። ኢየሱስ፡ “ሎሚ ለይቲ ኵሉኹም ገዲፍኩሙኒ ክትከዱ ኢኹም። “ነቲ ጓሳ እወቕዖ፡ ኲለን ኣባጊዑ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ” በለ።

Image

ኢየሱስ ንጴጥሮስ ከምዚ በሎ፡ “ሰይጣን ንኹልኹም ክወስደኩም ይደሊ እዩ ዘሎ፡ ነገር ግን ጴጥሮስ እምነትካ ምእንቲ ከይደክም ለመንኩ።

ጴጥሮስ፡ “ኵሎም እንተገደፉኻ’ኳ፡ ኣነ ኣይገብሮን፡ ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ ኢየሱስ ከምዚ በሎ፡ ሎሚ ለይቲ ደርሆ ቅድሚ ምንቃዉ ከምዘይትፈልጠኒ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ”። Image

ሽዑ ጴጥሮስ ንኢየሱስ፡ “ሞት’ኳ እንተመጸ ፈጺመ ኣይክሕደካን” በሎ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ’ውን ከምኡ በሉ።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጌተሴማኒ ናብ ዝበሃል ቦታ ከደ። ሽዑ ኢየሱስ ናብ ፈተና ከይኣትዉ ክጽልዩ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም። ንሱ ድማ ንበይኑ ክጽሊ ከደ።

Image

ኢየሱስ ሰለስተ ግዜ ጸለየ፡ “ኣቦ ዝከኣል እንተዀይኑስ ነዚ ናይ መከራ ጽዋዕ ካባይ ትሕለፍ፡ ግንከ፣ ፍቓድካ ደኣ እምበር ፍቓደይ’ሲ ኣይኹን፡፡ ፍቓድካ ይኹን”።

ኢየሱስ ጻዕሪ ሞት ሒዝዎ ነበረ፡፡ ረሃጹ ድማ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ዘበርትዖ መልኣኽ ለኣኸሉ።

Image

ድሕሪ ጸሎት ግዚኡ ኢየሱስ ናብ ደቀመዛሙርቱ ተመላለሰ፡ ንሳቶም ግና ደቂሶም ነበሩ። ንሳልሳይ ግዜ ምስ ተመልሰ ግና፣ “ተንስኡ! ኣሕሊፉ ዝህበኒ ቀሪቡ እዩ” በለ።

Image

ይሁዳ ምስ መራሕቲ ኣይሁድን ወታደራትን ብዙሓት ህዝብን መጸ። ኣስይፍን ኣባትር ከኣ ሒዞም ነበሩ። ይሁዳ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፡ “ዎ መምህር፡ ሰላም ንዓኻ ይኹን” በሎ፡ ሰዓሞ ድማ። ከምዚ ዝገበረ ድማ እቲ ዝሕዝዎ ኢየሱስ ኣየናይ ከምዝዀነ ንመራሕቲ ኣይሁድ
ምልክት ክህቦም ኢሉ እዩ። ብድሕሪኡ ኢየሱስ፡ “ኣታ ይሁዳ፡ ብምስዓም ዲኻ ኣሕሊፍካ እትህበኒ” በለ።

Image

እቶም ወታደራት ንኢየሱስ ምስ ሓዝዎ፡ ጴጥሮስ ሰይፉ መሲቱ ነቲ ኣገልጋሊ ሊቀ ኻህናት በቲ ሰይፊ ወቒዑ እዝኑ ቈረጾ። ሽዑ ኢየሱስ፡ “ሰይፍኻ ናብ ሰገብኡ ምለሶ! ምእንቲ ክከላኸሉለይ ሰራዊት መላእኽቲ ክልእኸለይ፡ ንኣቦይ ክሓቶ’ዶ ዘይክእል መሲሉካ፧ በሎ። ኢየሱስ ድማ ነቲ ሰብኣይ እዝኖ ፈወሶ። ኢየሱስ ምስ ተታሕዘ ኩሎም ደቀ መዛሙርቲ ንኢየሱስ ገዲፎምዎ ሃደሙ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 26፡14-56፤ ማርቆስ 14፡10-50፤ ሉቃስ 22፡1-53፤ ዮሐንስ 12፡6፤ 18፡1-11።