38. ንኢየሱስ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎ
ኣይሁድ በብዓመቱ በዓል ፋሲጋ የብዕሉ ነበሩ። እዚ በዓል ቅድሚ ብዙሓት ኣማኢት ዓመታት እግዚኣብሄር ንኣቦታቶም ካብ ኣብ ግብጺ ዝነበሩሉ ባርነት ከመይ ከምዘውጽኦም ንምዝካር ዝበዓል እዩ። ኢየሱስ ብግልጺ ምምሃር ካብ ዝጅምር ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ነዚ በዓል ፋሲጋ ምስኣቶም ከብዕል ደለየ፡ ኣብኡ ድማ፡ ከምዝቕተል ንደቀመዛሙርቱ ነገሮም።
ካብ ደቀመዛሙርቲ ኢየሱስ እቲ ሓደ ይሁዳ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ይሁዳ ተሓዝ ገንዘብ ናይ ሃዋርያት ነበረ። እንተኾነ ገንዘብ ይፈቱ ስለዝነበረ ብዙሕ ግዜ ካብቲ ማሕፉዳ ገንዘብ ይሰርቕ ነበረ። ኢየሱስ ምስ ደቀመዛሙርቱን ናብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ ይሁዳ ናብ መራሕቲ ኣይሁድ ከይዱ ንኢየሱስ ብገንዘብ ኣሕሊፉ ክህቦም ተሰማምዐ። ኢየሱስ መሲሕ ምዃኑ ከምዝኸሓዱን፡ ክቐትልዎ ሻራ ይገብሩ ከምዝነበሩን ፈለጠ።
መራሕቲ ኣይሁድ በቲ ሊቀኻህናት እናተመርሑ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ምእንቲ ክህቦም ንይሁዳ ሰላሳ ቅርሺ ብሩር ከፈልዎ። ከምቲ ነብያት ዝተነበይዎ’ውን ኰነ። ይሁዳ ኸኣ ተሰማምዐ፡ ነቲ ገንዘብ ሒዙ ድማ ኸደ። ንኢየሱስ ምእንቲ ክሕዝዎ፡ ክሕግዞም ኣጋጣሚ ይደሊ ነበረ።
ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ኢየሩሳሌም ፋሲጋ ኣብዓለ። በቲ ጊዜ ፋሲጋ እንጀራ ኣልዒሉ ቈረሰ። ከምዚ ድማ በለ፡ “ውሰዱ ነዚ ብልዑ።እዚ ስሌኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ። ነዚ ድማ ንመዘከርታይ ግበርዎ”። በዚ መገዲ ኢየሱስ ስጋኡ፡ ስሊኦም ከምዝስዋእ ነገሮም።
ከምኡ’ውን ኢየሱስ ጽዋዕ ኣልዒሉ፡ “ነዚ ስተይዎ። ስለ ሕድገት ሓጥያት ዝፈስስ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ነዚ ምስ እትሰትዩ ኵሉ ሳዕ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ካባኻትኩም ሓደ ንዓይ ኣሕሊፉ ክህበኒ እዩ” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ከኣ ሰምበዱ፡ ከምዚ ዝበለ ነገር ዝገብርከ መን’ዩ ተበሃሃሉ። ኢየሱስ ድማ፡ “ነዚ ቊራስ እንጀራ ዝህቦ ሰብ እዩ ኣሕሊፉ ዝህበኒ” በለ። ሽዑ እንጀራ ቈሪሱ ንይሁዳ ሃቦ።
ይሁዳ ነቲ እንጀራ ምስ ተቐበለ፡ ሰይጣን ኣተዎ። ንኢየሱስ ክሕዝዎ ምእንቲ ክሕግዞም ይሁዳ ናብ መራሕቲ ኣይሁድ ከደ። እዋኑ ድማ ምሸት ነበረ።
ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ድራር ምስ በልዑ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸዱ። ኢየሱስ፡ “ሎሚ ለይቲ ኵሉኹም ገዲፍኩሙኒ ክትከዱ ኢኹም። “ነቲ ጓሳ እወቕዖ፡ ኲለን ኣባጊዑ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ” በለ።
ኢየሱስ ንጴጥሮስ ከምዚ በሎ፡ “ሰይጣን ንኹልኹም ክወስደኩም ይደሊ እዩ ዘሎ፡ ነገር ግን ጴጥሮስ እምነትካ ምእንቲ ከይደክም ለመንኩ።
ጴጥሮስ፡ “ኵሎም እንተገደፉኻ’ኳ፡ ኣነ ኣይገብሮን፡ ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ ኢየሱስ ከምዚ በሎ፡ ሎሚ ለይቲ ደርሆ ቅድሚ ምንቃዉ ከምዘይትፈልጠኒ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ”።
ሽዑ ጴጥሮስ ንኢየሱስ፡ “ሞት’ኳ እንተመጸ ፈጺመ ኣይክሕደካን” በሎ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ’ውን ከምኡ በሉ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጌተሴማኒ ናብ ዝበሃል ቦታ ከደ። ሽዑ ኢየሱስ ናብ ፈተና ከይኣትዉ ክጽልዩ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም። ንሱ ድማ ንበይኑ ክጽሊ ከደ።
ኢየሱስ ሰለስተ ግዜ ጸለየ፡ “ኣቦ ዝከኣል እንተዀይኑስ ነዚ ናይ መከራ ጽዋዕ ካባይ ትሕለፍ፡ ግንከ፣ ፍቓድካ ደኣ እምበር ፍቓደይ’ሲ ኣይኹን፡፡ ፍቓድካ ይኹን”።
ኢየሱስ ጻዕሪ ሞት ሒዝዎ ነበረ፡፡ ረሃጹ ድማ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ዘበርትዖ መልኣኽ ለኣኸሉ።
ድሕሪ ጸሎት ግዚኡ ኢየሱስ ናብ ደቀመዛሙርቱ ተመላለሰ፡ ንሳቶም ግና ደቂሶም ነበሩ። ንሳልሳይ ግዜ ምስ ተመልሰ ግና፣ “ተንስኡ! ኣሕሊፉ ዝህበኒ ቀሪቡ እዩ” በለ።
ይሁዳ ምስ መራሕቲ ኣይሁድን ወታደራትን ብዙሓት ህዝብን መጸ። ኣስይፍን ኣባትር ከኣ ሒዞም ነበሩ። ይሁዳ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፡ “ዎ መምህር፡ ሰላም ንዓኻ ይኹን” በሎ፡ ሰዓሞ ድማ። ከምዚ ዝገበረ ድማ እቲ ዝሕዝዎ ኢየሱስ ኣየናይ ከምዝዀነ ንመራሕቲ ኣይሁድ
ምልክት ክህቦም ኢሉ እዩ። ብድሕሪኡ ኢየሱስ፡ “ኣታ ይሁዳ፡ ብምስዓም ዲኻ ኣሕሊፍካ እትህበኒ” በለ።
እቶም ወታደራት ንኢየሱስ ምስ ሓዝዎ፡ ጴጥሮስ ሰይፉ መሲቱ ነቲ ኣገልጋሊ ሊቀ ኻህናት በቲ ሰይፊ ወቒዑ እዝኑ ቈረጾ። ሽዑ ኢየሱስ፡ “ሰይፍኻ ናብ ሰገብኡ ምለሶ! ምእንቲ ክከላኸሉለይ ሰራዊት መላእኽቲ ክልእኸለይ፡ ንኣቦይ ክሓቶ’ዶ ዘይክእል መሲሉካ፧ በሎ። ኢየሱስ ድማ ነቲ ሰብኣይ እዝኖ ፈወሶ። ኢየሱስ ምስ ተታሕዘ ኩሎም ደቀ መዛሙርቲ ንኢየሱስ ገዲፎምዎ ሃደሙ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 26፡14-56፤ ማርቆስ 14፡10-50፤ ሉቃስ 22፡1-53፤ ዮሐንስ 12፡6፤ 18፡1-11።