37. ኢየሱስ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተንስኦ
ሓደ መዓልቲ ንኢየሱስ ኣልኣዛር ኣዝዩ ሓሚሙ እዩ ዝብል መልእኽቲ በጽሖ። ኣልኣዛርን ክልተ ኣሓቱ ማርያምን ማርታን ንኢየሱስ ናይ ቀረባ ፈተውቱ ነበሩ። ኢየሱስ ነዚ ወረ ምስ ሰምዐ፡ “እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ክኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር ንሞት ኣይኰነን” በለ። ኢየሱስ ኣዝዩ’ኳ ይፈትዎም እንተነበረ። እንተኾነ ኣብቲ ዝነበሮ ዓዲ ንኽልተ መዓልቲ ጸንሐ።
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ናብ ይሁዳ ንኺድ” በሎም።
“ደቀ መዛሙርቱ ግን መምህር፡ ከምቲ ቅድሚ ቁሩብ እዋን ይሓስብዎ ዝነበሩ፡ ኣብኡ ዘለዉ ህዝብ ክቐትሉኻ’ኮ ይደልዩ ነይሮም” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ፈታዊና ኣልኣዛር ደቂሱ ስለዘሎ ካብ ድቃሱ ከተንስኦ ክኸይድ እየ” በሎም።
እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንኢየሱስ፡ “ዎ ጐይታ፡ ኣልኣዛር ደቂሱ እንተዀይኑስ ክሓዊ እዩ” በልዎ። ሽዑ ኢየሱስ ብግህዶ ነገሮም፡ ኣልኣዛር ሞይቱ እዩ። ንስኻትኩም ብኣይ ምእንቲ ክትኣምኑ ኣብኡ ዘይምንባረይ ሕጕስ እየ”።
ኢየሱስ ናብቲ ኣልኣዛር ዝተወልደሉ ከተማ በጽሐ፡ ኣልኣዛር ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ኰይንዎ ነበረ። ማርታ ንኢየሱስ ክትረኽቦ ወጺኣ ከምዚ በለት፡ “ዎ ጐይታ፡ ንስኻ ኣብዚ ኔርካ እንተትነብር ሓወይ ኣይምሞተን።
ሕጂውን ንኣምላኽ እትልምኖ ኩሉ ከም ዝህበካ እኣምን እየ” በለት።
ኢየሱስ ድማ ከምዚ በላ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። ብኣይ ዝኣምን ኩሉ እንተሞተ’ኳ ህያው ይኸውን። ብኣይ ዝኣምን ኵሉ ፈጺሙ ንዘለኣለም ኣይመውትን። ነዚ ትኣምኒ ዲኺ፧ ማርታ ከኣ፡ “እወ ጐይታ ንስኻ እቲ መሲሕ ወዲ ኣምላኽ ከምዝዀንካ እኣምን እየ” በለቶ።
ብድሕሪኡ ማርያም መጸት። ኣብ እግሪ ኢየሱስ ወዲቓ ድማ፡ “ዎ ጐይታ ንስኻ ኣብዚ ኔርካ እንተትነብር ሓወይ ኣይምሞተን” በለት። ኢየሱስ ከኣ፡ “ንኣልኣዛር ኣበይ ኢኹም ኣቐሚጥኩምዎ፧ ኢሉ
ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “ኣብ መቓብር እዩ፡ መጺኻ ርአ” ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ ኢየሱስ ነብዐ።
እቲ መቓብር በዓቲ ነበረ። ብእምኒ ተሓቲሙ ድማ ነበረ። ኢየሱስ ናብቲ መቓብር ምስ በጽሐ “ነቲ እምኒ ኣልግስዎ በሎም። ማርታ ግን ፡ “ካብ ዝመውት ራብዕቲ ገይሩ እሞ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” በለቶ።
ኢየሱስ ድማ፡ “ብኣይ እንተትኣምንስ ክብሪ ኣምላኽ ከምእትርእዪዶ ኣይነገርኩኽን” በላ። ስለዚ ነቲ እምኒ ኣልገስዎ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ንላዕሊ ቋሕ ኢሉ፡ “ኣቦ ስለ ዝሰማዕካኒ የመስግነካ ኣላኹ፡፡ እዞም ደው ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ክኣምኑ፡ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኣነስ ኵሉሳዕ ከምእትሰምዐኒ እፈልጥ ኣለኹ” በለ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ዓው ኢሉ፡ “ዎ ኣልኣዛር ንዓ! ውጻእ” በለ።
ስለዚ ኣልኣዛር ብግንዙ ወጸ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ፍትሕዎ’ሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም። ብምኽንያት እዚ ተኣምር ድማ ካብ ኣይሁድ ብዙሓት ብኢየሱስ ኣመኑ።
እንተኾነ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ቀንኡ፡ ስለዚ ንኢየሱስን ንኣልኣዛርን ከመይ ገይሮም ከምዝቐትልዎም ንምትላም ብሓደ ተኣከቡ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዮሃንስ 11፡1-46።