Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

37. ኢየሱስ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ኣተንስኦ

Image

ሓደ መዓልቲ ንኢየሱስ ኣልኣዛር ኣዝዩ ሓሚሙ እዩ ዝብል መልእኽቲ በጽሖ። ኣልኣዛርን ክልተ ኣሓቱ ማርያምን ማርታን ንኢየሱስ ናይ ቀረባ ፈተውቱ ነበሩ። ኢየሱስ ነዚ ወረ ምስ ሰምዐ፡ “እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ክኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር ንሞት ኣይኰነን” በለ። ኢየሱስ ኣዝዩ’ኳ ይፈትዎም እንተነበረ። እንተኾነ ኣብቲ ዝነበሮ ዓዲ ንኽልተ መዓልቲ ጸንሐ።

Image

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ናብ ይሁዳ ንኺድ” በሎም።

“ደቀ መዛሙርቱ ግን መምህር፡ ከምቲ ቅድሚ ቁሩብ እዋን ይሓስብዎ ዝነበሩ፡ ኣብኡ ዘለዉ ህዝብ ክቐትሉኻ’ኮ ይደልዩ ነይሮም” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ፈታዊና ኣልኣዛር ደቂሱ ስለዘሎ ካብ ድቃሱ ከተንስኦ ክኸይድ እየ” በሎም።

Image

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንኢየሱስ፡ “ዎ ጐይታ፡ ኣልኣዛር ደቂሱ እንተዀይኑስ ክሓዊ እዩ” በልዎ። ሽዑ ኢየሱስ ብግህዶ ነገሮም፡ ኣልኣዛር ሞይቱ እዩ። ንስኻትኩም ብኣይ ምእንቲ ክትኣምኑ ኣብኡ ዘይምንባረይ ሕጕስ እየ”።

Image

ኢየሱስ ናብቲ ኣልኣዛር ዝተወልደሉ ከተማ በጽሐ፡ ኣልኣዛር ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ኰይንዎ ነበረ። ማርታ ንኢየሱስ ክትረኽቦ ወጺኣ ከምዚ በለት፡ “ዎ ጐይታ፡ ንስኻ ኣብዚ ኔርካ እንተትነብር ሓወይ ኣይምሞተን።

ሕጂውን ንኣምላኽ እትልምኖ ኩሉ ከም ዝህበካ እኣምን እየ” በለት።

Image

ኢየሱስ ድማ ከምዚ በላ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። ብኣይ ዝኣምን ኩሉ እንተሞተ’ኳ ህያው ይኸውን። ብኣይ ዝኣምን ኵሉ ፈጺሙ ንዘለኣለም ኣይመውትን። ነዚ ትኣምኒ ዲኺ፧ ማርታ ከኣ፡ “እወ ጐይታ ንስኻ እቲ መሲሕ ወዲ ኣምላኽ ከምዝዀንካ እኣምን እየ” በለቶ።

Image

ብድሕሪኡ ማርያም መጸት። ኣብ እግሪ ኢየሱስ ወዲቓ ድማ፡ “ዎ ጐይታ ንስኻ ኣብዚ ኔርካ እንተትነብር ሓወይ ኣይምሞተን” በለት። ኢየሱስ ከኣ፡ “ንኣልኣዛር ኣበይ ኢኹም ኣቐሚጥኩምዎ፧ ኢሉ
ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “ኣብ መቓብር እዩ፡ መጺኻ ርአ” ኢሎም ነገርዎ። ሽዑ ኢየሱስ ነብዐ።

Image

እቲ መቓብር በዓቲ ነበረ። ብእምኒ ተሓቲሙ ድማ ነበረ። ኢየሱስ ናብቲ መቓብር ምስ በጽሐ “ነቲ እምኒ ኣልግስዎ በሎም። ማርታ ግን ፡ “ካብ ዝመውት ራብዕቲ ገይሩ እሞ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” በለቶ።

Image

ኢየሱስ ድማ፡ “ብኣይ እንተትኣምንስ ክብሪ ኣምላኽ ከምእትርእዪዶ ኣይነገርኩኽን” በላ። ስለዚ ነቲ እምኒ ኣልገስዎ።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ንላዕሊ ቋሕ ኢሉ፡ “ኣቦ ስለ ዝሰማዕካኒ የመስግነካ ኣላኹ፡፡ እዞም ደው ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ክኣምኑ፡ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኣነስ ኵሉሳዕ ከምእትሰምዐኒ እፈልጥ ኣለኹ” በለ።

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ዓው ኢሉ፡ “ዎ ኣልኣዛር ንዓ! ውጻእ” በለ።

Image

ስለዚ ኣልኣዛር ብግንዙ ወጸ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ፍትሕዎ’ሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም። ብምኽንያት እዚ ተኣምር ድማ ካብ ኣይሁድ ብዙሓት ብኢየሱስ ኣመኑ።

Image

እንተኾነ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ቀንኡ፡ ስለዚ ንኢየሱስን ንኣልኣዛርን ከመይ ገይሮም ከምዝቐትልዎም ንምትላም ብሓደ ተኣከቡ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዮሃንስ 11፡1-46።