18. ዝተመቕለ መንግስቲ
ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ዳዊት ሞተ፡ ወዱ ሰለሞን ድማ ኣብ እስራኤል ይገዝእ ነበረ። እግዚኣብሄር ንሰለሞን ተገልጸሉ እንታይ ከምዝደሊ ሓተቶ። ሰለሞን ጥበብ ምስ ለመነ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኩሎም ዝበለጸ ጥበበኛ ገበሮ። ሰለሞን ብዙሕ ነገራት ተማህረ፡ ጥበበኛ ፈራድ’ውን ኰነ። ከምኡ’ውን እግዚኣብሄር ኣዝዩ ሃብታም ገበሮ።
ሰለሞን ኣብ የሩሳሌም ከምቲ ኣቡኡ ዳዊት ዝሓሰቦን በቲ ንምህናጽ ዘድልዩ ነገራት ዝኣከበሉን ተጠቒሙ ቤተመቕደስ ሰርሐ። ሕጂ እቶም
ህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣብ ድንኳን ምራኻብ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእግዚኣብሄር ኣምለኽዎ፡ መስዋእት’ውን ኣቕረቡሉ። እግዚኣብሄር መጺኡ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ተረኽበ፡ ኣብኡ ድማ ምስ ህዝቡ ነበረ።
እንተኾነ ሰለሙን ጓኖት ኣንስቲ ፈተወ። ዳርጋ 1000 ዝዀና ኣንስቲ ብምእታው ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዘን፡ ካብዘን ኣንስቲ መብዛሕትአን ካብ ወጻኢ ዓድታት ዝመጻ ነበራ፡፡ ንጣኦታተን ኣምጺአን ንዓኣቶም ምምላኽ ቀጸላ። ሰለሙን ምስ ሸምግለ፡ ንሱ’ውን ነቶም ናታተን ጣኦታት ኣምለኸ።
እግዚኣብሄር ንሰለሙን ተቘጥዖ፡ ሰለሙን እሙን ስለ ዘይነበረ እግዚኣብሄር ክቐጽዖ ወሰነ፡ ሰለሙን ምስ ሞተ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ክልተ ከም እትምቀል ተዛረበ።
ሰለሙን ምስ ሞተ ወዱ ሮብኣም ነገሰ። ሮብኣም ከኣ ዓሻ ነበረ። ህዝቢ እስራኤል ብዘሎ ንግስንኡ ከጽድቑሉ ተኣኪቦም መጹ። ሰለሙን ከቢድ ስራሕ ከምዘስርሖምን ብዙሕ ግብሪ ከምዘኽፈሎምን ዝነበሮም ቅሬታ ንሮብኣም ነገርዎ።
ሮብኣም ብዕሽነት ከምዚ በሎም፡ “ኣቦይ ሰለሙን ከቢድ ስራሕ ኣስሪሑና ኢልኩም ሓሲብኩም ኢኹም፡ ኣነ ግና ካብኡ ዝገደደ ከቢድ ስራሕ ከስርሐኩም እየ፡ ካብኡ ብዝገደደ’ውን ብኸቢድ ክቐጽዐኩም እየ”።
እቶም ዓሰርተ ነገዳት እስራኤል ኣብ ሮብኣም ዓመጹ። ክልተ ነገዳት ጥራይ ነቲ ንጉስ እሙናት ኰይኖም ቀጸሉ። እዞም ክልተ ነገድ ከኣ መንግስቲ ይሁዳ ኰኑ።
እቶም ኣብ ሮብኣም ዝዓመፁ ዓሰርተ ዓሌታት እስራኤል ኢዮርብኣም ዝተባህለ ሰብ ንጉሶም ገይሮም ሸሙዎ። ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ እታ ዓዲ ኰይኖም መንግስቲ እስራኤል ተባሂሎም ተፀውዑ።
የሮብኣም ኣብ እግዚኣብሄር ዓሚጹ እቶም ህዝቢ ሓጥያት ክሰርሑ ገበረ። ኣብቲ ኣብ ይሁዳ ዘሎ ቤተ መቕደስ ኣብ ክንዲ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፡ ክልተ ዘምልኽዎም ጣኦታት’ውን ሰርሐሎም።
መንግስታት ይሁዳን እስራኤልን ንሓድሕዶም ጸላእቲ ኰኑ። ነንባዕሎም ድማ ብዙሕ ግዜ ተዋግኡ።
ኣብታ ሓዳሽ መንግስቲ እስራኤል ዝነገሱ ኩሎም ክፉኣት ነበሩ። ካብዞም ነገስታት መብዛሕትኦም፡ ኣብ ክንድኦም ክነግሱ ብዝደልዩ ካልኦት እስራኤላውያን ተቐትሉ።
ኩሎም ነገስታትን መብዛሕትኦም ህዝብታት መንግስቲ እስራኤልን ጣኦታት ኣምለኹ። ኣምልኾ ጣኦቶም ድማ ስነ ምግባር ዝጐደሎ ጾታዊ ርክብን ሓድሐደ ግዜ ከኣ ደቆም ዝስውኡሉ ጊዜ ነበረ።
ነገስታት ይሁዳ ኩሎም ወለዶ ዳዊት ነበሩ። ካብዞም ነገስታት ብቅንዕና ዘመሓደሩን ንእግዚኣብሄር ዘምለኹ ጥዑያት ነገስታት ነበሩ። መብዛሕትኦም ግና ክፉኣትን ግዕዙያትን ነበሩ። ጣኦታት ዘምልኹ’ውን
ነበሩ። ገሊኦም ነገስታት ንሓሰውቲ ኣማልኽቲ ደቆም ሰዊኦም እዮም። ከምኡ’ውን መብዛሕትኦም ህዝቢ ይሁዳ ኣብ እግዚኣብሄር ዓመጹ። ካልኦት ኣማልኽት’ውን ኣምለኹ። ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ 1ይ ነገሥት 1-6፤ 11-12።