Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

18. ዝተመቕለ መንግስቲ

Image

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ዳዊት ሞተ፡ ወዱ ሰለሞን ድማ ኣብ እስራኤል ይገዝእ ነበረ። እግዚኣብሄር ንሰለሞን ተገልጸሉ እንታይ ከምዝደሊ ሓተቶ። ሰለሞን ጥበብ ምስ ለመነ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኩሎም ዝበለጸ ጥበበኛ ገበሮ። ሰለሞን ብዙሕ ነገራት ተማህረ፡ ጥበበኛ ፈራድ’ውን ኰነ። ከምኡ’ውን እግዚኣብሄር ኣዝዩ ሃብታም ገበሮ።

Image

ሰለሞን ኣብ የሩሳሌም ከምቲ ኣቡኡ ዳዊት ዝሓሰቦን በቲ ንምህናጽ ዘድልዩ ነገራት ዝኣከበሉን ተጠቒሙ ቤተመቕደስ ሰርሐ። ሕጂ እቶም

ህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣብ ድንኳን ምራኻብ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእግዚኣብሄር ኣምለኽዎ፡ መስዋእት’ውን ኣቕረቡሉ። እግዚኣብሄር መጺኡ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ተረኽበ፡ ኣብኡ ድማ ምስ ህዝቡ ነበረ።

Image

እንተኾነ ሰለሙን ጓኖት ኣንስቲ ፈተወ። ዳርጋ 1000 ዝዀና ኣንስቲ ብምእታው ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዘን፡ ካብዘን ኣንስቲ መብዛሕትአን ካብ ወጻኢ ዓድታት ዝመጻ ነበራ፡፡ ንጣኦታተን ኣምጺአን ንዓኣቶም ምምላኽ ቀጸላ። ሰለሙን ምስ ሸምግለ፡ ንሱ’ውን ነቶም ናታተን ጣኦታት ኣምለኸ።

Image

እግዚኣብሄር ንሰለሙን ተቘጥዖ፡ ሰለሙን እሙን ስለ ዘይነበረ እግዚኣብሄር ክቐጽዖ ወሰነ፡ ሰለሙን ምስ ሞተ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ክልተ ከም እትምቀል ተዛረበ።

Image

ሰለሙን ምስ ሞተ ወዱ ሮብኣም ነገሰ። ሮብኣም ከኣ ዓሻ ነበረ። ህዝቢ እስራኤል ብዘሎ ንግስንኡ ከጽድቑሉ ተኣኪቦም መጹ። ሰለሙን ከቢድ ስራሕ ከምዘስርሖምን ብዙሕ ግብሪ ከምዘኽፈሎምን ዝነበሮም ቅሬታ ንሮብኣም ነገርዎ።

Image

ሮብኣም ብዕሽነት ከምዚ በሎም፡ “ኣቦይ ሰለሙን ከቢድ ስራሕ ኣስሪሑና ኢልኩም ሓሲብኩም ኢኹም፡ ኣነ ግና ካብኡ ዝገደደ ከቢድ ስራሕ ከስርሐኩም እየ፡ ካብኡ ብዝገደደ’ውን ብኸቢድ ክቐጽዐኩም እየ”።

Image

እቶም ዓሰርተ ነገዳት እስራኤል ኣብ ሮብኣም ዓመጹ። ክልተ ነገዳት ጥራይ ነቲ ንጉስ እሙናት ኰይኖም ቀጸሉ። እዞም ክልተ ነገድ ከኣ መንግስቲ ይሁዳ ኰኑ።

Image

እቶም ኣብ ሮብኣም ዝዓመፁ ዓሰርተ ዓሌታት እስራኤል ኢዮርብኣም ዝተባህለ ሰብ ንጉሶም ገይሮም ሸሙዎ። ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ እታ ዓዲ ኰይኖም መንግስቲ እስራኤል ተባሂሎም ተፀውዑ።

Image

የሮብኣም ኣብ እግዚኣብሄር ዓሚጹ እቶም ህዝቢ ሓጥያት ክሰርሑ ገበረ። ኣብቲ ኣብ ይሁዳ ዘሎ ቤተ መቕደስ ኣብ ክንዲ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፡ ክልተ ዘምልኽዎም ጣኦታት’ውን ሰርሐሎም።

Image

መንግስታት ይሁዳን እስራኤልን ንሓድሕዶም ጸላእቲ ኰኑ። ነንባዕሎም ድማ ብዙሕ ግዜ ተዋግኡ።

Image

ኣብታ ሓዳሽ መንግስቲ እስራኤል ዝነገሱ ኩሎም ክፉኣት ነበሩ። ካብዞም ነገስታት መብዛሕትኦም፡ ኣብ ክንድኦም ክነግሱ ብዝደልዩ ካልኦት እስራኤላውያን ተቐትሉ።

Image

ኩሎም ነገስታትን መብዛሕትኦም ህዝብታት መንግስቲ እስራኤልን ጣኦታት ኣምለኹ። ኣምልኾ ጣኦቶም ድማ ስነ ምግባር ዝጐደሎ ጾታዊ ርክብን ሓድሐደ ግዜ ከኣ ደቆም ዝስውኡሉ ጊዜ ነበረ።

Image

ነገስታት ይሁዳ ኩሎም ወለዶ ዳዊት ነበሩ። ካብዞም ነገስታት ብቅንዕና ዘመሓደሩን ንእግዚኣብሄር ዘምለኹ ጥዑያት ነገስታት ነበሩ። መብዛሕትኦም ግና ክፉኣትን ግዕዙያትን ነበሩ። ጣኦታት ዘምልኹ’ውን

ነበሩ። ገሊኦም ነገስታት ንሓሰውቲ ኣማልኽቲ ደቆም ሰዊኦም እዮም። ከምኡ’ውን መብዛሕትኦም ህዝቢ ይሁዳ ኣብ እግዚኣብሄር ዓመጹ። ካልኦት ኣማልኽት’ውን ኣምለኹ። ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ 1ይ ነገሥት 1-6፤ 11-12።