Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

11. ፋሲጋ

Image

እግዚኣብሄር ንፈርኦን እስራኤላውያን እንተ ዘይሓዲጉ ካብ ሰባትን እንስሳታትን በኲሪ ተባዕታይ ዘበለ ኩሉ ከምዝቐትል ኣጠንቀቖ። ፈርኦን ነዚ’ውን ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ምእማንን ምእዛዝን ኣበየ።

Image

እግዚኣብሄር ነቲ ብእኡ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ ሰብ “በዅሩ ውሉድ” ንምድሓን መገዲ ኣዳለወ። ነፍሲ ወከፍ ቤተሰብ ኣበር ዘይብሉ ገንሸል መሪጹ ሓረደ።

Image

እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ነቲ ደም ገንሸል ኣብ ልዳት ኣባይቶም ክለኽይዎ፡ ነቲ ስጋ ጠቢሶም ድማ ብዘይ መባዅዕቲ ምስ ዝተሰንከተ ቅጫ ብቕልጡፍ ክበልዕዎ ኣዘዞም። ምስ በልዕዎ ከኣ ካብ ግብጺ ንምውጻእ ክዳለዉ ነገሮም።

Image

እስራኤላውያን ከምቲ እግዚኣብሄር ክገብርዎ ዝኣዘዞም፡ ኩሉ ነገር ከምኡ ገበሩ። ፍርቂ ለይቲ ምስኰነ እግዚኣብሄር ኣብ ኩላ ግብጺ ብምሕላፍ በዅሪ ዝዀነ ተባዕታይ ኩሉ ቀተለ።

Image

ልዳት ኣባይቲ እስራኤላውያን ኵሉ ብደም ተለኽዩ ነበረ፡፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ነተን ኣባይቲ ሓለፈን። ኣብተን ገዛውቲ ዝነበረ ኵሉ ሰብ ድማ ደሓነ። እስራኤላውያን ብምኽንያት እቲ ደም ገንሸል ደሓኑ።

Image

ግብጻውያን ግን ብእግዚኣብሄር ኣይመኑን ነበሩ’ሞ ትእዛዛቱ ኣይፈጸሙን። ስለዚ እግዚኣብሄር ብኣባይቶም ብምሕላፍ፡ እግዚኣብሄር ኵሎም በዅሪ ተባዕትዮ ግብጻውያን ቀተለ።

Image

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዘሎ በዅሪ እሱር ጀሚሩ ክሳብ እቲ በዅሪ ፈርኦን ነፍሲ ወከፍ በዅሪ ግብጻዊ ሞተ። ካብቲ ዝነበሮም ሓዘን ዝተላዕለ ድማ፡ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ይብኽዩን የእውዩን ነበሩ።

Image

በታ ለይቲ እቲኣ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ “ንእስራኤላውያን ሒዝኩም ሕጂ ካብ ምድሪ ግብጺ ውጹ” በሎም። ግብጻውያን ድማ ንእስራኤላውያን ክወጹ ሃወኽዎም፡፡

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 11፡1-12፡32።