11. ፋሲጋ
እግዚኣብሄር ንፈርኦን እስራኤላውያን እንተ ዘይሓዲጉ ካብ ሰባትን እንስሳታትን በኲሪ ተባዕታይ ዘበለ ኩሉ ከምዝቐትል ኣጠንቀቖ። ፈርኦን ነዚ’ውን ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ምእማንን ምእዛዝን ኣበየ።
እግዚኣብሄር ነቲ ብእኡ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ ሰብ “በዅሩ ውሉድ” ንምድሓን መገዲ ኣዳለወ። ነፍሲ ወከፍ ቤተሰብ ኣበር ዘይብሉ ገንሸል መሪጹ ሓረደ።
እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ነቲ ደም ገንሸል ኣብ ልዳት ኣባይቶም ክለኽይዎ፡ ነቲ ስጋ ጠቢሶም ድማ ብዘይ መባዅዕቲ ምስ ዝተሰንከተ ቅጫ ብቕልጡፍ ክበልዕዎ ኣዘዞም። ምስ በልዕዎ ከኣ ካብ ግብጺ ንምውጻእ ክዳለዉ ነገሮም።
እስራኤላውያን ከምቲ እግዚኣብሄር ክገብርዎ ዝኣዘዞም፡ ኩሉ ነገር ከምኡ ገበሩ። ፍርቂ ለይቲ ምስኰነ እግዚኣብሄር ኣብ ኩላ ግብጺ ብምሕላፍ በዅሪ ዝዀነ ተባዕታይ ኩሉ ቀተለ።
ልዳት ኣባይቲ እስራኤላውያን ኵሉ ብደም ተለኽዩ ነበረ፡፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ነተን ኣባይቲ ሓለፈን። ኣብተን ገዛውቲ ዝነበረ ኵሉ ሰብ ድማ ደሓነ። እስራኤላውያን ብምኽንያት እቲ ደም ገንሸል ደሓኑ።
ግብጻውያን ግን ብእግዚኣብሄር ኣይመኑን ነበሩ’ሞ ትእዛዛቱ ኣይፈጸሙን። ስለዚ እግዚኣብሄር ብኣባይቶም ብምሕላፍ፡ እግዚኣብሄር ኵሎም በዅሪ ተባዕትዮ ግብጻውያን ቀተለ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዘሎ በዅሪ እሱር ጀሚሩ ክሳብ እቲ በዅሪ ፈርኦን ነፍሲ ወከፍ በዅሪ ግብጻዊ ሞተ። ካብቲ ዝነበሮም ሓዘን ዝተላዕለ ድማ፡ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ይብኽዩን የእውዩን ነበሩ።
በታ ለይቲ እቲኣ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ “ንእስራኤላውያን ሒዝኩም ሕጂ ካብ ምድሪ ግብጺ ውጹ” በሎም። ግብጻውያን ድማ ንእስራኤላውያን ክወጹ ሃወኽዎም፡፡
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 11፡1-12፡32።