19.ነብያት
ኣብ ኩሉ ታሪኽ እስራኤል ምስ እንርኢ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ኩሉ ሳዕ ነብያት ይልእኸሎም ነበረ። ካብ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ሰሚዖም ድማ ነቶም ህዝቢ ይነግርዎም ነበሩ።
ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኤልያስ ነብዪ ነበረ። ኣክኣብ ባዓል ዝበሃል ነቶም ህዝቢ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ከምልኹ ዘደፋፈረ ክፉእ ሰብ ነበረ። ኤልያስ ድማ ንኣክኣብ፤ “ኣነ ክሳዕ ዝዛረብ ኣብ እስራኤል ዝናብ ወይ ኣውሊ ዝብሃል ኣይክህሉን” በሎ። እዚ ድማ ንኣኽኣብ ኣዚዩ ኣቘጥዖ።
እግዚኣብሄር ንኤልያስ ካብቲ ክቐትሎ ዝደልዮ ዘሎ ካብ ኣክኣብ ንኽሕባእ ናብ ምድረ በዳ ዘሎ ሩባ ከኸይድ ነገሮ። እቶም ኳዃት ድማ ንጉሆን ምሸትን ዝብላዕ እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ። ኣክኣብን ሰራዊቱን ንኤልያስ ደለይዎ። ክረኽብዎ ግና ኣይክኣሉን። እቲ ድርቂ ኣዝዩ ከቢድ ስለዝነበረ ሩባታት’ውን ነቐጸ።
ስለዚ ኤልያስ ናብ ካልእ ዓዲ ከደ። ኣብታ ዓዲ ብምኽንያት እቲ ጥሜት ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ወዳ ምግቦም ክውዳእ ቀሪቡ ነበረ። ይኹን እምበር ንኤልያስ ተኸናኸንዎ። እግዚኣብሄር ከኣ ሕሩጭ ካብቲ ቁራዕ፡ ዘይት’ውን ካብቲ ዕትሮ ከምዘይጐድል ገይሩ መገቦም። በቲ እዋን ጥምየት ዝብላዕ ኣይሰኣኑን። ኤልያስ ኣብኡ ንሓያሎ ዓመታት ተቐመጠ።
እግዚኣብሄር ንኤልያስ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝናም ከም ዘዝንም ናብ መንግስቲ እስራኤል ከይዱ ንኣካኣብ ክዛረቦ ነገሮ። ኣክኣብ ንኤልያስ ምስ ረአዮ፡ “ኣታ ፈጣር ጸገም መጺኻዶ” በሎ። ኤልያስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ጸገም እትፍሕስስ ንስኻ ኢኻ! ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ገዲፍካ፡ ንባዓል ኣምሊኽካ ኢኻ፡ በል ሕጂ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ነቶም ህዝቢ ኩሎም ኣክቦም”፡፡
እቶም 450 ነብያት ባዓል ሓዊሱ ኩሉ ህዝቢ መንግስቲ እስራኤል ናብ ከረን ቀርሜሎስ ተኣከበ። ኤልያስ ነቶም ህዝቢ፡ “ክንደይ ሳዕ ኢኹም ሓሳብኩም እትለዋውጡ፧ እግዚኣበሄር ኣምላኽ እንትዀይኑ ንዕኡ ኣገልግሉ! ባዓል ኣምላኽ እንተዀይኑ ደማ ንዕኡ ኣገልግሉ” በሎም።
ብድሕሪኡ ኤልያስ ንነብያት ባዓል፡ “ሓደ ብዕራይ ሕረዱ’ሞ መስዋእቲ ጌርኩም ኣቕርብዎ፡ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱ። ኣነ’ውን ከምኡ ክገብር እየ። እቲ ብሓዊ ዝምልስ ኣምላኽ ንሱ ብሓቂ ኣምላኽ እዩ” በሎም። ስለዚ ካህናት ባዓል መስዋእቲ ኣዳለዉ ሓዊ ግና ኣይኣጐዱን።
ድሕር’ዚ ነብያት ባዓል፡ “ዎ ባዓል፡ ስምዐና” ኢሎም ናብ ባዓል ጸለዩ። ሙሉእ መዓልቲ ድማ ዓው ኢሎም ክጽልዩ ወዓሉ፡ ኣካላቶም’ውን ብኻራ ተፍተፍዎ፡፡ መልሲ ግን ኣይነበረን።
ኣብ መወዳእታ፡ ኤልያስ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣዳለወ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ስጋን ዕንጨይትን እቲ ዙርያ መሰውኢ ዘለዎ ምድሪ፡ ኩሉ ክሳዕ ኣዝዩ ዝጥልቂ፡ ክልተ ገንኢ ምሉእ ማይ ኣፍስሱሉ ኢሉ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ህዝቢ ነገሮም።
ብድሕሪኡ ኤልያስ ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ “ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቕን ያእቆብን ዝዀንካ ያህዌ፡ ንስኻ ኣምላኽ እስራኤል ከምዝዀንካን ኣነ’ውን ኣገልጋሊኻ ከምዝዀንኩን ሎሚ መዓልቲ ኣርእየና። ንስኻ ብሓቂ ኣምላኽ ከምዝዀንካ እዚ ህዝቢ ምእንቲ ክፈልጥ መልሲ ሃበኒ።
ሽዑ ድማ፡ ሓዊ ካብ ሰማይ ወደቐ፡ ነቲ ስጋን ዕንጨይቲን እምንን፡ ጐሓፍን ነቲ ኣብቲ ከባቢ መስዋእቲ ዝነበረ ማይ ኩሉ’ኳ ኣቃጸሎ። እቶም ህዝቢ ነዚ ምስ ረአዩ ናብ መሬት ተደፊኦም፡ “ብሓቂ ያህዌ ኣምላኽ እዩ፡ ያህዌ ኣምላኽ እዩ” በሉ።
ብድሕሪኡ ኤልያስ፡ “ካብ ነብያት ባዓል ሓደ’ኳ ከየምልጥ” በለ። ስለዚ እቶም ህዝቢ ንነብያት ባዓል ሒዞም ቀተልዎም።
ብድሕሪኡ ኤልያስ ንንጉስ ኣክኣብ፡ “ማይ ዝለዝወቅዕ ቀልጢፈካ ናብ ከተማ ተመለስ” በሎ። ሽዑ ድማ ሰማይ ጸልመተ፡ ከቢድ ዝናም ምውቃዕ ከኣ ጀመረ። ያህዌ ነቲ ድርቂ ደው ኣበሎ፡ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ’ውን ኣረጋገጸ።
ድሕሪ ዘበን ኤልያስ፡ እግዚኣብሄር ነብዪ ክኸውን ኤልሳእ ዝተባህለ ነብዪ መረጸ። እግዚኣብሄር ብኤልሳእ ኣቢሉ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ። ካብቶም ተኣምራት እቲ ሓደ፡ ንእማን ኣብ ዝበሃል ናይ ጸላኢ ኣዛዚ ሰራዊት ክፉእ ሕማም ቈርበት ወጾ። ብዛዕባ ኤልሳእ ሰሚዑ ነበረ’ሞ ምእንቲ ክፍውሶ ንኤልሳእ ሓተቶ። ኤልሳእ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሻዕ ውጽእ እትው ክብል ንንእማን ነገሮ።
ብመጀመርታ ንእማን ኰርዩ ዕሽነት ስለ ዝመሰሎ ነቲ ኤልሳእ ዝነገሮ ኣይገበሮን። ደሓር ግና ሓሳቡ ቀዪሩ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኣትዩ ሸውዓተ ጊዜ እትው ውጽእ በለ። ካብቲ ሩባ ምስ ወጸ ድማ ካብ ሕማሙ ፈጺሙ ተፈወሰ። እግዚኣብሄር ፈወሶ።
እግዚኣብሄር ካልኦት ብዙሓት ነብያት ለኣኸ። ኩሎም ድማ እቶም ህዝቢ ጣኦታት ከየምልኹ፣ ንኻልኦት ፍትሕን ምሕረትን ክገብሩ ነገርዎም። እቶም ህዝቢ ክፉእ ምስርሖም እንተዘይገዲፎምን ንእግዚኣብሄር እንተዘይተኣዚዞምን እግዚኣብሄር ብኽፍኣቶም ከምዝፈርዶምን ከምዝቐጽዖምን እቶም ነብያት ኣጠንቀቕዎም።
መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዙን። ነቶም ነብያት ከኣ ብጽቡቕ ኣይቀባበልዎምን ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ ይቐትልዎም ነበሩ። ሓደ እዋን፡ ነብዪ ኤርምያስ ማይ ኣብ ዘይብሉ ዒላ ተደርብዩ ኣብኡ ክመውት ገዲፎምዎ ነበሩ። ኣብቲ ጕድጓድ ኣብ ዝነበረ ጭቃ ኣተወ፡ እቲ ንጉስ ራሕርሓሉ’ሞ ቅድሚ ምሟቱ ካብ ጕድጓድ ጐቲቶም ከውጽእዎ ንኣገልገልቱ ኣዘዞም።
እቶም ህዝቢ ነቶም ነብያት እንትጸልእዎም’ኳ ንእግዚኣብሄር ኢሎም ምዝራቦም ቀጸሉ። ንስሓ እንተዘይኣትዮም እግዚኣብሄር ከምዘጥፍኦም ነቶም ህዝቢ ኣጠንቀቕዎም። ከምኡ’ውን መሲሕ ከምዝመጽእ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ ነቶም ህዝቢ ኣዘኻኸርዎም።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ 1ይ ነገሥት 16-18፤ 2ይ ነገሥት 5፤ ኤርምያስ 38።