Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ

Image

ኢየሱስ ነቲ ሰይጣን ዘምጽአሉ ፈተና ምስ ሰዓረ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ገሊላ ዝበሃል ኣውራጃ ተመልሰ። ሽዑ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናኸደ መሃረ። ኩሉ ሰብ ድማ ብዛዕብኡ ጽቡቕ ይዛረብ ነበረ።

Image

ኢየሱስ ኣብ እዋን ቍልዕነቱ ናብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ከተማ ናዝሬት ተመልሰ። ሰንበት ምስ ኰነ ናብ በት ጸሎት ከደ። ምእንቲ ከንብብ ድማ ጥቕሉል መጽሓፍ ኢሳይያስ ሃብዎ። ኢየሱስ ነቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ከፊቱ ነቶም ህዝቢ ኣንበበሎም።

Image

ኢየሱስ፡ “ንድኻታት ብስራት፡ ንዝተማረኹ ናጽነት፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንእተኣስሩ ሓርነት ክስብኽ እግዚኣብሄር መንፈሱ ሃበኒ። እዚኣ ሕርይቲ ዓመት ጐይታ እያ” ኢሉ ኣንበበ።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ተቐመጠ። ኩሎም ድማ ቀሪቦም ረአይዎ። እቲ ሕጂ ዘንበቦ ክፍሊ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዘመልክት እዩ። ኢየሱስ፡ “እዚ ዘንበብኩልኩም ቃል ሕጂ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ በሎም” እቶም ህዝቢ ድማ ብምድናቕ፡ “እዚ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኰነን” በሉ።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ፡ “ነብዪ ኣብ ዓዱ ከምዝይኽበር ሓቂ እዩ፡ ኣብ ዘበን ኤልያስ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነበራ። ነገር ግን ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝናብ ኣብዘይነበሉ እዋን እግዚኣብሄር ንኤልያስ ኣብ ዝተፈልየ ዓዲ እምበር ኣብ እስራኤል ናብ ዘላ መበለት ክረድኣ ኣይለኣኾን።

Image

ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ምዝራብ ቀጸለ፡ “ብዘበን ኤልሳእ ሕማም ቈርበት ዝነበሮም ብዙሓት ሰባት ነበሩ። ኤልሳእ ግና ንሓዲኦም’ኳ ኣይፈወሶምን። ናይ እስራኤል ጸላእቲ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ናይ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ፈወሰ” እቶም ንኢየሱስ ይሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ ኣይሁዳውያን ነበሩ። ስለዚ ነዚ ክዛረብ ምስ ሰምዑ ብእኡ ሓረቑ።

Image

ህዝቢ ናዝሬት ንኢየሱስ ካብቲ ዝምለኸሉ ቦታ ጎቲቶም ወሲዶም ክቐትልዎ ናብ ቀልቀል ጸድፊ ኣምጽእዎ። ነገር ግን ኢየሱስ ብማእኸል እቲ ህዝቢ ሓሊፉ ናብ ናዝሬት ከደ።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ ኩሉ ኣውራጃ ገሊላ ተዘዋወረ፡ ብዙሕ’ውን ናብኡ መጹ። ምርኣይ፡ ምኻድ፡ ምስማዕ፡ ምዝራብ ዘይኽእሉ ወሲኹ ብዙሓት ሕሙማትን ኣካለ ስንኩላን ናብኡ ኣምጽኡ።

Image

አጋንንቲ ዝሓደርዎም፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ኢየሱስ ኣምጽኡ። ኢየሱስ ክወጹ ምስ ኣዘዞም እቶም ኣጋንንቲ ካብቶም ሰባት ወጹ። ብዙሕ ግዜ ከኣ፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ድማ የእውዩ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ነዚ ርእዮም ብምድናቕ ንእግዚኣብሄር ኣምለኹ።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ መረጸ። እዞም ሃዋርያት ከኣ ምስ ኢየሱስ እናተጓዕዙ ካብኡ ተማህሩ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 4፡12-25፤ ማርቆስ 1፡14-15፣ 35-39፤ 3፡13-21፤ ሉቃስ 4፡14-30፣ 38-44።