26. ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ጀመረ
ኢየሱስ ነቲ ሰይጣን ዘምጽአሉ ፈተና ምስ ሰዓረ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ገሊላ ዝበሃል ኣውራጃ ተመልሰ። ሽዑ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናኸደ መሃረ። ኩሉ ሰብ ድማ ብዛዕብኡ ጽቡቕ ይዛረብ ነበረ።
ኢየሱስ ኣብ እዋን ቍልዕነቱ ናብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ከተማ ናዝሬት ተመልሰ። ሰንበት ምስ ኰነ ናብ በት ጸሎት ከደ። ምእንቲ ከንብብ ድማ ጥቕሉል መጽሓፍ ኢሳይያስ ሃብዎ። ኢየሱስ ነቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ከፊቱ ነቶም ህዝቢ ኣንበበሎም።
ኢየሱስ፡ “ንድኻታት ብስራት፡ ንዝተማረኹ ናጽነት፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንእተኣስሩ ሓርነት ክስብኽ እግዚኣብሄር መንፈሱ ሃበኒ። እዚኣ ሕርይቲ ዓመት ጐይታ እያ” ኢሉ ኣንበበ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ተቐመጠ። ኩሎም ድማ ቀሪቦም ረአይዎ። እቲ ሕጂ ዘንበቦ ክፍሊ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ዘመልክት እዩ። ኢየሱስ፡ “እዚ ዘንበብኩልኩም ቃል ሕጂ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ በሎም” እቶም ህዝቢ ድማ ብምድናቕ፡ “እዚ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኰነን” በሉ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ፡ “ነብዪ ኣብ ዓዱ ከምዝይኽበር ሓቂ እዩ፡ ኣብ ዘበን ኤልያስ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነበራ። ነገር ግን ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝናብ ኣብዘይነበሉ እዋን እግዚኣብሄር ንኤልያስ ኣብ ዝተፈልየ ዓዲ እምበር ኣብ እስራኤል ናብ ዘላ መበለት ክረድኣ ኣይለኣኾን።
ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ምዝራብ ቀጸለ፡ “ብዘበን ኤልሳእ ሕማም ቈርበት ዝነበሮም ብዙሓት ሰባት ነበሩ። ኤልሳእ ግና ንሓዲኦም’ኳ ኣይፈወሶምን። ናይ እስራኤል ጸላእቲ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ናይ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ፈወሰ” እቶም ንኢየሱስ ይሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ ኣይሁዳውያን ነበሩ። ስለዚ ነዚ ክዛረብ ምስ ሰምዑ ብእኡ ሓረቑ።
ህዝቢ ናዝሬት ንኢየሱስ ካብቲ ዝምለኸሉ ቦታ ጎቲቶም ወሲዶም ክቐትልዎ ናብ ቀልቀል ጸድፊ ኣምጽእዎ። ነገር ግን ኢየሱስ ብማእኸል እቲ ህዝቢ ሓሊፉ ናብ ናዝሬት ከደ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ ኩሉ ኣውራጃ ገሊላ ተዘዋወረ፡ ብዙሕ’ውን ናብኡ መጹ። ምርኣይ፡ ምኻድ፡ ምስማዕ፡ ምዝራብ ዘይኽእሉ ወሲኹ ብዙሓት ሕሙማትን ኣካለ ስንኩላን ናብኡ ኣምጽኡ።
አጋንንቲ ዝሓደርዎም፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ኢየሱስ ኣምጽኡ። ኢየሱስ ክወጹ ምስ ኣዘዞም እቶም ኣጋንንቲ ካብቶም ሰባት ወጹ። ብዙሕ ግዜ ከኣ፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ድማ የእውዩ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ነዚ ርእዮም ብምድናቕ ንእግዚኣብሄር ኣምለኹ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ መረጸ። እዞም ሃዋርያት ከኣ ምስ ኢየሱስ እናተጓዕዙ ካብኡ ተማህሩ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 4፡12-25፤ ማርቆስ 1፡14-15፣ 35-39፤ 3፡13-21፤ ሉቃስ 4፡14-30፣ 38-44።