22. ዮሃንስ ከምእተወልደ
እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ብመላእኽቱን ብነብያቱ ኣቢሉ ንህዝቡ ተዛሪቡ ነበረ። ነገር ግን ንህዝቡ ዘይተዛረበሎም 400 ዓመታት ሓለፉ።
ብሃንደበት ሓደ መልኣኽ ዘካርያስ ናብ ዝበሃል ሽማግለ ካህን ካብ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ሒዙ መጸ። ዘካርያስን ሰበይቱ ኤልሳቤጥን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሰባት ነበሩ። ይኹን እምበር ኤልሳቤጥ ውሉድ ክትወልድ ኣይከኣለትን ነበረት።
እቲ መልኣኽ ንዘካርያስ ከምዚ በሎ፡ “ሰበይትኻ ወዲ ክትውልድ እያ። ስሙ ዮሃንስ ክትብሎ ኢኻ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክምላእ እዩ፤ ነቲ ህዝቢ ድማ ነቲ ዝመጽእ መሲሕ ከዳልው እዩ” ዘካርያስ ድማ፣
እቲ መልኣኽ ንዘካርያስ ከምዚ በሎ፡ “ነዚ ብስራት ሒዘልኩም ክመጽእ ዝለኣኸኒ እግዚኣብሄር እዩ። ስለ ዘይኣመንካኒ እቲ ቈልዓ ከሳዕ ዝውለድ ምዝራብ ኣይክትክእልን” ሽዑ ድማ ዘካርያስ ምዝራብ ሰኣነ። ብድሕሪኡ እቲ መልኣኽ ካብ ዘካርያስ ተፈልየ። ዘካርያስ ከኣ ናብ ቤቱ ተመልሰ፡ ሰበይቱ ኤልስቤጥ ድማ ጠነሰት።
ኤልሳቤጥ ካብ ትጠንስ ሽዱሽተ ወርሒ ምስኰነ፡ እቲ መልኣኽ ብሃንደበት ንኤልሳቤጥ ዘመዳ ንዝዀነት ማርያም ንእትበሃል ተገልጸ። ንሳ ድንግል ስለዝነበረት ክትምርዖ ዮሴፍ ንእተባህለ ሰብ ተሓጽያ ነበረት። እቲ መልኣኽ፡ “ክትጠንሲ ኢኺ፡ ወድ’ውን ክትወልዲ ኢኺ። ስሙ ድማ ኢየሱስ ትብልዮ። ንሱ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር ክበሃል እዩ፡ ንዘለኣለም ድማ ገዛኢ ይኸውን” በለ።
ማርያም ከኣ፡ “ኣነ ድንግል ስለዝዀንኩ እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን” ኢላ መለሰት። እቲ መልኣኽ ድማ ከምዚ በላ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ክመጽእን ሓይሊ እቲ ልዑል ከጽልለኪ እዩ። ስለዚ እቲ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ክበሃል እዩ” ማርያም ኣመነቶ’ሞ ነቲ ዝበሎ ተቐበለቶ።
እቲ መልኣኽ ንማርያም ምስ ነገራ ሽኡ ናብ ኤለሳቤጥ ከደት። ኤልሳቤጥ ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት እቲ ዝጠነሰቶ ኣብ ውሽጢ ከርሳ ተሰራሰረ። እዘን ኣንስቲ በቲ እግዚኣብሄር ዝገበረለን ብሓደ ተሓጐሳ። ማርያም ምስ ኤልሳቤጥ ሰለስተ ወርሒ ጸኒሓ ናብ ገዝኣ ተመልሰት። ”
ኤልሳቤጥ ወዲ ምስ ወለደት ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ከምቲ መልኣኽ ዝኣዘዞም ስም እቲ ህጻን ዮሃንስ በልዎ፡ በቲ እዋን እቲ እግዚኣብሄር ዘካርያስ መሊሱ ክዛረብ ፈቐደሉ። ዘካርያስ ድማ ከምዚ በለ፡ “ንህዝቡ ስለዝዘከረ እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ኣታ ወደይ! ንስኻ’ውን እቶም ህዝቢ ስርየት
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ሉቃስ 1።