41. ኣምላኽ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ
እቶም ወታደራት ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ብኢየሱስ ዘይኣምኑ መራሕቲ ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ “እቲ ኢየሱስ ዝብልዎ መስሓቲ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ክትንስእ እየ ኢሉ እዩ’ሞ፡ ደቀ መዛሙርቱ ስግኡ ሰሪቖም ካብ ምዉታት ተንሲኡ ምእንቲ ከይብሉ፡ ነቲ መቓብር ሓለውቲ ክሕልዎ ኣለዎም” በልዎ።
ጲላጦስ ድማ፡ “ገለ ወታደራት ወሲድኩም እቲ መቓብር ክሕሎ ግበሩ” በለ። ስለዚ ነቲ ኣብ ኣፍ እቲ መቓብር ዝተዓጽወሉ እምኒ ሓቲሞም፡ ዝኾነ ሰብ ከይሰርቆ ምእንቲ ክሕልዉ ወታደራት ኣቘሙ።
ድሕሪ ስቕለት ኢየሱስ፡ ቀጺሉ ዘሎ መዓልቲ ሰንበት ኣይሁድ ነበረ። በቲ መዓልቲ ኣይሁድ ናብ መቓብር ክኸዱ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። ስለዚ ድሕሪ ሰንበት ኣብ ወጋሕታ ብዙሓት ኣንስቲ ኣብ ስጋ ኢየሱስ ሽቱ ክለኽያኦ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ መቓብር ክኸዳ ተዳለዋ።
ብሃንደበት ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኰነ። ከም በርቂ ዘብርህ መልኣኽ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ። ነቲ እቲ መቓብር ተዓጽዩሉ ዝነበረ እምኒ ኣንከራርዩ ኣብ ልዕሊኡ ኮፍ በለ። እቶም ነቲ መቓብር ይሕልዉ ዝነበሩ ወታደራት ብስንባደ ከምዝሞቱ ኰይኖም ኣብ መሬት ወደቑ።
እተን ኣንስቲ ናብቲ መቓብር ምስ በጽሓ እቲ መልኣኽ፡ “ኣይትፍርሓ ኢየሱስ ኣብዚ የለን። ከምቲ ክትስእ እየ ዝበሎ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ! ንዕነ ነቲ መቓብሩ ርአያ” ኢሉ ነገረን። እተን ኣንስቲ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መቓብር ጠሚተን ነቲ ስጋ ኢየሱስ ኣቐሚጦሙሉ ዝነበረ ስፍራ ረአያ። ስጋኡ ከኣ ኣብኡ ኣይነበረን፡፡
ብድሕሪኡ እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ፡ “ኪዳ’ሞ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፡ ቀዲሙኩም ናብ ገሊላ ክሓልፍ እዩ ኢልክን ንደቀ መዛሙርቱ ንገርኦም” ኢሉ ነገረን።
እተን ኣንስቲ ድማ ብፍርሕን ብዓብዪ ታሕጓስን ተመሊአን ነበራ። ነቲ ብስራት ንደቀ መዛሙርቱ ክነግራ እናተጓየያ ከዳ።
እተን ኣንስቲ ነቲ ብስራት ንደቀ መዛሙርቲ ክነግራ እናኸዳ እንተለዋ፡ ኢየሱስ ተራእየን፡ ንሳተን ከኣ ሰገዳሉ። ኢየሱስ ድማ፡ “ኣይትፍርሓ፡ ናብ ገሊላ ክሓልፉ ንደቀ መዛሙርተይ ንገርኦም።ኣብኡ ድማ ክርእዩኒ እዮም” በለን።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 27፡62-28፡15፤ ማርቆስ 16፡1-11፤ ሉቃስ 24፡1-12፤ ዮሐንስ 20፡1-18።