Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

41. ኣምላኽ ንኢየሱስ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ

Image

እቶም ወታደራት ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ብኢየሱስ ዘይኣምኑ መራሕቲ ኣይሁድ ንጲላጦስ፡ “እቲ ኢየሱስ ዝብልዎ መስሓቲ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ክትንስእ እየ ኢሉ እዩ’ሞ፡ ደቀ መዛሙርቱ ስግኡ ሰሪቖም ካብ ምዉታት ተንሲኡ ምእንቲ ከይብሉ፡ ነቲ መቓብር ሓለውቲ ክሕልዎ ኣለዎም” በልዎ።

Image

ጲላጦስ ድማ፡ “ገለ ወታደራት ወሲድኩም እቲ መቓብር ክሕሎ ግበሩ” በለ። ስለዚ ነቲ ኣብ ኣፍ እቲ መቓብር ዝተዓጽወሉ እምኒ ሓቲሞም፡ ዝኾነ ሰብ ከይሰርቆ ምእንቲ ክሕልዉ ወታደራት ኣቘሙ።

Image

ድሕሪ ስቕለት ኢየሱስ፡ ቀጺሉ ዘሎ መዓልቲ ሰንበት ኣይሁድ ነበረ። በቲ መዓልቲ ኣይሁድ ናብ መቓብር ክኸዱ ኣይፍቀደሎምን ነበረ። ስለዚ ድሕሪ ሰንበት ኣብ ወጋሕታ ብዙሓት ኣንስቲ ኣብ ስጋ ኢየሱስ ሽቱ ክለኽያኦ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ መቓብር ክኸዳ ተዳለዋ።

Image

ብሃንደበት ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኰነ። ከም በርቂ ዘብርህ መልኣኽ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ። ነቲ እቲ መቓብር ተዓጽዩሉ ዝነበረ እምኒ ኣንከራርዩ ኣብ ልዕሊኡ ኮፍ በለ። እቶም ነቲ መቓብር ይሕልዉ ዝነበሩ ወታደራት ብስንባደ ከምዝሞቱ ኰይኖም ኣብ መሬት ወደቑ።

Image

እተን ኣንስቲ ናብቲ መቓብር ምስ በጽሓ እቲ መልኣኽ፡ “ኣይትፍርሓ ኢየሱስ ኣብዚ የለን። ከምቲ ክትስእ እየ ዝበሎ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ! ንዕነ ነቲ መቓብሩ ርአያ” ኢሉ ነገረን። እተን ኣንስቲ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መቓብር ጠሚተን ነቲ ስጋ ኢየሱስ ኣቐሚጦሙሉ ዝነበረ ስፍራ ረአያ። ስጋኡ ከኣ ኣብኡ ኣይነበረን፡፡

Image

ብድሕሪኡ እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ፡ “ኪዳ’ሞ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፡ ቀዲሙኩም ናብ ገሊላ ክሓልፍ እዩ ኢልክን ንደቀ መዛሙርቱ ንገርኦም” ኢሉ ነገረን።

Image

እተን ኣንስቲ ድማ ብፍርሕን ብዓብዪ ታሕጓስን ተመሊአን ነበራ። ነቲ ብስራት ንደቀ መዛሙርቱ ክነግራ እናተጓየያ ከዳ።

Image

እተን ኣንስቲ ነቲ ብስራት ንደቀ መዛሙርቲ ክነግራ እናኸዳ እንተለዋ፡ ኢየሱስ ተራእየን፡ ንሳተን ከኣ ሰገዳሉ። ኢየሱስ ድማ፡ “ኣይትፍርሓ፡ ናብ ገሊላ ክሓልፉ ንደቀ መዛሙርተይ ንገርኦም።ኣብኡ ድማ ክርእዩኒ እዮም” በለን።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 27፡62-28፡15፤ ማርቆስ 16፡1-11፤ ሉቃስ 24፡1-12፤ ዮሐንስ 20፡1-18።