Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

42. ኢየሱስ ናብ ሰማይ ዓረገ

Image

ኢየሱስ በቲ ካብ ምውታት ዝተላዕለሉ መዓልቲ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ክልቲኦም ኣብ ቀረባ ናብ ዘላ ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። ክኸዱ ከለዉ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሱስ ዝበጽሐ ነገር ይዘራረቡ ነበሩ። ንሱ መሲሕ እዩ ኢሎም ተስፋ ገይሮም ነይሮም፡ እንተኾነ ቀቲሎምዎ። ሕጂ ድማ መሊሰን እተን ኣንስቲ ህያው ኰይኑ ይብላ ኣለዋ በሉ። ክልቲኦም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ከምዝኣምኑ ኣይፈለጡን ነበሩ።

Image

ኢየሱስ ናባታቶም ቀሪቡ ምስኣቶም ምኻድ ጀመረ፡ ንሳቶም ግና ኣይፈለጥዎን። ብዛዕባ እንታይ ይዘራረቡ ከምዝነበሩ ድማ ሓተቶም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልቲታት ብዛዕባ ኢየሱስ እንታይ እንታይ ዘገርሙ ነገራት ከምእተፈጸሙ ኵሉ ነገርዎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝዀነ ነገር ምስ ዘይፈልጥ ጋሻ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ድማ ሓሰቡ።

Image

ሽዑ ኢየሱስ፡ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ “መሲሕ” ዝብሎ ኩሉ ኣረድኦም። መሲሕ መከራ ከምዝቕበልን ከምዝቕተልን፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ግና ከምዝትስእ ነብያት ዝተዛረብዎ ኩሉ ኣዘከሮም። እቶም ክልተ ሰባት ናብታ ዝሓድሩላ ዝሓሰብዋ ዓዲ በጽሑ። እዋኑ ድማ መስዩ ነበረ።

Image

ክልቲኦም ሰባት ምስኣቶም ክሓድር ለመንዎ፡ ንሱ’ውን ሕራይ ኢሉ ምስኣቶም ከደ። ድራር ክበልዑ ምስ ተዳለዉ፡ ኢየሱስ ኣመስጊኑ ነቲ
እንጌራ ቈሪሶ። ሽዑ ኣዕንቶም ተኸፍታ እሞ ኢየሱስ ምዃኑ ኣለለይዎ። ንሱ ግና ካብ ዓይኖም ተሰወረ።

Image

ክልቲኦም ሰባት፡ “ኢየሱስ እኮ እዩ! ቃል ኣምላኽ ክትርጕመልና ከሎ ልብና ይነደና ዝነበረ እምበኣር ነዚ እዩ” ተበሃሃሉ። ሽዑ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ኢየሩሳሌም በጽሑ ከኣ ንደቀ መዛሙርቱ “ኢየሱስ ህያው እዩ! ርኢናዮ ኢና” ኢሎም ነገርዎም።

Image

ደቀ መዛሙርቱ እናተዘራረቡ ከለዉ፡ ኢየሱስ ብሃንደበት ናብቲ ዝነበሩሉ ክፍሊ ኣትዩ ኣብ ማእኸሎም ተራእየ’ሞ፡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይዅን” በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ድማ መንፈስ መሰሎም፡ ኢየሱስ ግና፡ “ንምንታይ ትፈርሑ፧ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርአዩ። መንፈስ ከምዚ ከማይ ዓጽሚን ስጋን የብሉን” በሎም። መንፈስ ከምዘይኰነ ከረጋግጸሎም ዝብላዕ እንተሃልይዎም ክህብዎ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ካብ ዝተጠብሰ ዓሳ ሓደ ቊራጽ ሃብዎ፡ በልዐ ድማ።

Image

ኢየሱስ ከኣ፡ “ብዛዕባይ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተጻሕፈ ኩሉ ክፍጸም ኣለዎ ኢለ ነጊረኩም እየ” በለ። በቲ ግዜ እቲ ቃል ኣምላኽ ከስተውዕሉ ኣእምሮኦም ከፈተሎም። “መሲሕ፡ መከራ ከምዝቕበል፡ ከምዝመውት፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ከምዝትስእ፡ ቅድሚ ነዊሕ ዘበን ተጻሒፉ እዩ” በሎም።

Image

“ከምኡ’ውን ኣብ መጻሕፍቲ፡ ኩሎም ሰባት ሕድገት ሓጥኣቶም ንምርካብ ክንስሑ ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱ ከምዘበስሩ ተጻሒፉ እዩ።

ንሳቶም ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሮም ነዚ ይገብሩ፡ ካብኡ ድማ ኣብ ኩሉ ስፍራ ናብ ዘለዉ ዓሌታት ህዝቢ ኩሎም ይኸዱ። ስለ’ዚ ነገር’ዚ ድማ ንስኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም”። Image

ኣብተን ዝቕጽላ ኣርብዓ መዓልቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ መመሊሱ ተራእዮም። ሓደ ግዜ ካብ 500 ንዝበዝሑ ሰባት ተራእየ፡ ህያው ከምዝዀነ ብብዙሕ መንገዲ ንደቀ መዛሙርቱ ኣረጋገጸሎም፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ መሃሮም።

Image

ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም፡ “ስልጣን ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ተዋሂቡኒ እዩ። ስለዚ ኪዱ፡ ንኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጠመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ’ውን ክሕልዉ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም። ኣነ ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እየ”።

Image

ኢየሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣቦይ ሓይሊ ክሳዕ ዝህበኩም መንፈስ ቅዱስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዝወርድ ኣብ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” በሎም። ብድሕሪኡ ኢየሱስ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ደበና ከኣ ካብ ኣዒንቶም ሰወረቶ። ኢየሱስ ንኹሉ ፍጥረት ክገዝእ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐመጠ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 28፡16-20፤ ማርቆስ 16፡12-20፤ ሉቃስ 24፡13-53፤ ዮሐንስ 20፡19-23፤ የሐዋርያት ሥራ 1፡1-11።