Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

5. እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ወዲ

Image

ከንኣን ካብ ዝኣትዉ፡ ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል፡ ኣብራምን ሳራይን ውሉድ ኣይነበሮምን። ስለዚ ሰበይቲ ኣብራም ሳራይ ከምዚ በለቶ፡ “እግዚኣብሄር ውሉድ ከይወልድ ስለ ዝዓጸወኒ፡ ኣነ’ውን ስለዝኣረግኩ ነዛ ኣገልጋሊተይ ዝዀነት ኣጋር እነሀትልካ ናብኣ እቶ፡ ንዓይ ድማ ውሉድ ትውለደለይ” በለቶ።

Image

ኣብራም ከኣ ናብ ኣጋር ኣተወ። ኣጋር ምስ ጠነሰት ንሳራይ ኣቃለለታ፡ ኣጋር ድማ ወዲ ወለደት። ኣብራም ከኣ “እስማዔል” ኢሉ ስም ኣውጽአሉ፡ እስማዔል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ምስኰኖ እግዚኣብሄር ንኣብራም ከምዚ በሎ።

Image

እግዚኣብሄር ንኣብራም፡ “ኣነ ኤልሻዳይ ኣምላኽ እየ፡ ምሳኻ ድማ ቃል ኪዳን ክገብር እየ” በሎ። ኣብራም ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፍአ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብራም ተዛረቦ፡ “ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ።
ንምድሪ ከንኣን ድማ ንዓኻን ንዘርእኻን ርስቲ ገይረ ክህበኩም እየ፡ ንዘለኣለም ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ቤትካ ዝርከብ ተባዕታይ ኩሉ ግዘሮ” በሎ።

Image

እግዚኣብሄር ድማ፡ “ሰበይትኻ ሳራይ ወዲ ክትወልድ እያ፡ ንሱ ውሉድ ተስፋ ክኸውን እዩ፡ ስሙ ይስሓቕ ክትብሎ ኢኻ፡ ቃል ኪዳነይ’ውን ምስኡ ክገብር እየ። ንሱ ዓብዪ ህዝቢ ክኸውን እዩ።
ንእስማዔል’ውን ዓብዪ ህዝቢ ክገብሮ እየ። ይኹን እምበር ቃል ኪዳነይ ምስ ይስሓቕ እዩ ዝኸውን” በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ስሙ “ኣብርሃም” ኢሉ ለወጠሉ፡ ትርጉሙ ድማ “ኣቦ ብዙሓት” ማለት እዩ።
እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራይ “ሳራ” ኢሉ ስማ ለወጠላ፡ ትርጉሙ ድማ “ኣደ ብዙሓት” ማለት እዩ።

Image

በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብርሃም ነቶም ኣብ ቤቱ ዝርከቡ ተባዕትዮ ኩሎም ገዘሮም። ኣብርሃም ሚእቲ ዓመት፡ ሳራ ድማ 90 ዓመት ምስ ገበሩ፡ ሳራ ንኣብርሃም ወዲ ወለደትሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎም ድማ“ይስሓቕ” ኢሎም ስም ኣውጽኡሉ።

Image

ይስሓቕ ምስ ዓበየ፡ እግዚኣብሄር ናይ ኣብርሃም እምነት ከምዚ ኢሉ ፈተኖ፡ “ነቲ ሓደ ወድኻ ወሲድካ መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርበለይ” በሎ፡፡ ኣብርሃም’ውን መሊሱ ንእግዚኣብሄር ብምእዛዝ ንወዱ ክስውኦ ተዳለወ።

Image

ኣብርሃምን ይስሓቕን ናብቲ መስዋእቲ ዝቐርበሉ ቦታ እንዳተጓዕዙ ከለዉ፡ ይስሓቕ ንኣቡኡ፡ “ኣቦይ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንጨይቲ እንሆ፡ እቲ በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ”፧ ኢሉ ሓተቶ።
አብርሃም ከኣ፡ “ወደይ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ እግዚኣብሄር ከዳልወልና እዩ” ኢሉ መለሰሉ።

Image

ናብቲ መስዋእቲ ዝቐርበሉ ቦታ ምስ በጽሑ፡ ኣብርሃም ንወዱ ንይስሓቕ ኣሲሩ ኣብቲ መሰውኢ ኣደቀሶ። ኣብርሃም ንወዱ ክስውኦ ካራ ሒዙ ኢዱ ምስ ኣልዓለ፡ እግዚኣብሄር፡ “ግደፍ፡ ኣብዚ ወዲ ዝኾነ ጕድኣት ከይተብጽሕ፡
ከምእትፈርሐንን ንሓደ ወድኻ ከምዘይትኽልክለኒ ሕጂ ፈሊጠ ኣለኹ” በሎ።

Image

ኣብርሃም ግልጽ ምስ በለ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ እተታሕዘ ገንሸል ረኣየ። እዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዲ ይስሓቕ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ኣዳልዩ ስለዝነበረ እዩ። ኣብርሃም ከኣ ተሓጒሱ ነቲ በጊዕ መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረቦ።

Image

5.10 እግዚኣብሄር ንአብርሃም ከምዚ በሎ፡ “ንሓደ ወድኻ’ኳ ከይተረፈ ዘለካ ኵሉ ክትህበኒ ስለዝፈተኻ ክባርኸካ እየ። ዘርእኻ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ክበዝሑ እዮም፡ ስለዝተኣዘዝካኒ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ክባረኹ እዮም”።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 16-22።