Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

17. እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቃል ኪዳን

Image

ሳኦል ናይ መጀመርታ ንጉስ እስራኤል ነበረ። ንሱ ከምቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ነዊሕን ምልኩዕን ነበረ። ሳኦል ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ንእስራኤላውያን ከመሓድር ከሎ ቅኑዕ ንጉስ ነበረ። እናጸንሐ

ምስከደ ግና ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዝ ክፉእ ሰብ ኰነ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ሓደ መዓልቲ ኣብ ክንዲ ሳኦል ዝትካእ ካልእ ሰብ መረጸ።

Image

እግዚኣብሄር ድሕሪ ሳኦል ንጉስ ከኸውን ዳዊት ንዝበሃል መንእሰይ መረጸ። ዳዊት ወዲ ከተማ ቤተልሄም ዝዀነ ጓሳ ኣባጊዕ ነበረ። ዳዊት ኣብ ዘተፈላለዩ እዋናት ኣባጊዕ ኣቡኡ እንዳሓለወ፡ ኣባጊዑ ክበልዑ ዝመጸ ኣንበሳን ድቢን ይቐትል ነበረ። ዳዊት ብእግዚኣብሄር ዝኣምንን ንዕኡ ዝእዘዝን ትሑትን ጻድቅን ሰብ ነበረ።

Image

ዳዊት ጅግና ወታደርን መራሕን ኰነ። ዳዊት ገና መንእሰይ ከሎ ጎልያድ ምስ ዝብሃል ገዚፍ ሰብኣይ ተዋግአ። ጎልያድ ስልጡን ወታደር፡ ኣዝዩ ብርቱዕ፡ ከምኡ’ውን ቁመቱ ዳርጋ ሰለስተ ሜትሮ ነበረ። ነገር ግን እግዚኣብሄር ንጎልያድ ቀቲሉ ንእስራኤል ከድሕን ንዳዊት ሓገዞ። ብድሕሪኡ ዳዊት ኣብ ጸላእቲ እስራኤላውያን ብዙሕ ዓወታት ረኸበ። እስራኤላውያን ዘመስግንዎ ድማ ኰነ።

Image

እቶም ህዝቢ ንዳዊት ብዝነበሮም ፍቕሪ ሳኦል ቀንአ። ሳኦል ብዙሕሳዕ ንዳዊት ክቐትሎ ፈተነ፡ ስለዚ ዳዊት ካብ ሳኦል ተሓብአ። ሓደ መዓልቲ ሳኦል ንዳዊት ከቐትሎ ይደልዮ ነበረ። ሳኦል ናብቲ ዳዊት ተሓቢኡሉ ዝነበረ በዓቲ ከደ፡ ሳኦል ግና ኣይረኣዮን። ዳዊት ናብ ሳኦል ተጸጊዑ ስለዝነበረ ክቐትሎ ምኸኣለ ነይሩ፡ እንተኾነ ኣይቀተሎን። ኣብ ክንድኡ ዳዊት ንጉስ ክኸውን ደልዩ ከምዘይቐትሎ ሳኦል ምእንቲ ክፈልጥ ኢሉ ካብ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረጸ።

Image

ኣብ መወዳእታ ሳኦል ኣብ ውግእ ሞተ፡ ዳዊተ ድማ ንጉስ እስራኤል ኰነ። ዳዊት ቅኑዕ ንጉስ ስለ ዝነበረ እቶም ህዝቢ ፈተውዎ። እግዚኣብሄር ንዳዊት ባረኾ፡ ዕዉት’ውን ገበሮ። ዳዊት ብዙሕ ውግኣት ተዋግአ፡ ንጸላእቲ እስራኤል ክስዕር ከኣ እግዚኣብሄር ረድኦ። ዳዊት ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ስዒሩ ንየሩሳሌም ዋና ከተማኡ ገበራ፡ ዳዊት ኣብ ዝነበረሉ ዘበን እስራኤል ሓያልን ሃብታምን ኰነት።

Image

ዳዊት ኩሎም እስራኤላውያን ንእግዚኣብሄር ዘምልኹሉን ንዕኡ መስዋእትታት ዘቕርቡሉን ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ደለየ። እስራኤላውያን ን400 ዓመት ዝኸውን ኣብቲ ሙሴ ዝሰርሖ ድንኳን ምርኻብ ንእግዚኣብሄር የምልኹን መስዋእትታት የቕርቡን ነበሩ።

Image

እንተኾነ እግዚኣብሄር ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ንናታን ኣትሒዙ ናብ ዳዊት ለኣኾ፡ “ንስኻ ናይ ውግእ ሰብ ስለዝዀንካ ነዚ ቤተ መቕደስ ንስኻ ንዓይ ኣይትሰርሐለይን። ወድኻ እዩ ዝሰርሐለይ።

ይኹን እምበር ኣዝየ ክባርኸካ እየ። ካብ ዘርእኻ እቲ ሓደ ኣብ ህዝበይ ንጉስ ኰይኑ ንዘለኣለም ክገዝእ እዩ” ንዘለኣለም ዝገዝእ ዘርኢ ዳዊት እቲ መሲሕ እዩ።

እቲ መሲሕ ንህዝብታት ዓለም ካብ ሓጥያቶም ዘድሕኖም “ሕሩይ” እግዚኣብሄር እዩ።

Image

ዳዊት ነዚኦም ቃላት ምስ ሰም፡፣ ነዚ ኩሉ ክብርን በረኸትን ክህቦ ቃል ስለ ዝኣተወሉ ሽኡ ንእግዚኣብሄር ምስጋናን ውዳሰን ኣቕረበ። ዳዊት እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ነገራት መዓስ ከምዝገብሮም ኣይፈለጠን። ነገር ግን እስራኤላውያን እቲ መሲሕ ክሳዕ ዝመጽእ ንነዊሕ ዘበን፡ ዳርጋ 1000 ዓመት ተጸበዩ።

Image

ዳዊት ብፍትሕን ብተኣማንንትን ንብዙሕ ዓመታት ገዝአ፡ እግዚኣብሄር ድማ ባረኾ። ይዅን እምበር ኣብቲ መወዳእታ ዘመኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኸፍአ ሓጥያት ሰርሐ። ።

Image

ሓደ መዓልቲ ኩሎም ወታደራት ዳዊት ካብ ቤቶም ናብ ውግእ ከይዶም ከለዉ፡ ንሱ ኣብ ደገ ቤተ መንግስቲ ከሎ ሓንቲ ጽብቕቲ ሰበይቲ ኣካላታ ክትሕጸብ ረኣየ። ስም እታ ሰበይቲ ባትሳባ ነበረ።

Image

ዳዊት ገጹ ኣብ ክንዲ ዘወር ምባል ነታ ሰበይቲ ከምጽኡሉ ሰብ ለኣኸ። ምስኣ ደቂሱ ድማ ንገዝኣ ከምእትምለስ ገበረ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ባትሳባ “ጠኒሰ እየ” ኢላ ናብ ዳዊት መልእኽቲ ሰደደት።

Image

እቲ ኡርያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰብኣይ ባትሳባ ካብቶም ምሩጻት ወታደራት ዳዊት ሓደ ነበረ። ዳዊት ንኡርያ ካብቲ ውግእ ኣጸዊዑ ምስ ሰበይቱ ክኸውን ነገሮ፡፡ ኡርያ ግና እቶም ካልኦት ወታደራት ኣብ ውግእ ስለዝዀኑ ናብ ቤቱ ክኸይድ ኣይፈተወን። ስለዚ ዳዊት ንኡርያ ናብቲ ውግእ ለኣኾ’ሞ ምእንቲ ክመውት፡ ኣብቲ ከቢድ ውግእ ዘለዎ ቦታ ከሰልፎ ነቲ ጀነራል ነገሮ፡፡

Image

ኡርያ ምስ ተቐትለ ዳዊት ንባትሳባ ኣእተዋ። ንሳ ድማ ንዳዊት ወዲ ወለደትሉ። በቲ ዳዊት ዝገበሮ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቘጥዐ። ሓጥያቱ ከቢድ ከምዝዀነ ንዳዊት ምእንቲ ክነግሮ እግዚኣብሄር ንነብዪ ናታን

ለኣኾ። ዳዊት ሓጥያቱ ስለእተናዘዘ እግዚኣብሄር ይቕረ በሎ። ዳዊት በቲ ዝተረፈ ዘበን ህይወቱ ኣብ ኣሸጋሪ ኵነታት እናሃለወ እኳ ንእግዚኣብሄር ብምስዓብ ተኣዘዞ።

Image

ይኹን እምበር ብዛዕባ እቲ ዳዊት ዝሰርሖ ሓጥያት ወዱ ሞተ። በቲ ዝተረፈ ዘበን ህይወቱ ንዳዊት ኣብ ቤተሰቡ ውግእ ነበረ፡ ሓይሊ ዳዊት ከኣ ኣዝዩ ተዳኸመ። ዳዊት ንእግዚኣብሄር እሙን እንተዘይነበረ’ኳ ሕጂ’ውን እግዚኣብሄር ስለ እቶም ዝሃቦም ተስፋታት እሙን ነበረ። ብድሕሪኡ ዳዊት ካብ ባትሳባ ካልእ ወዲ ወለደ። ስሙ’ውን ሰለሞን በልዎ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ 1ይ ሳሙኤል 10፡15-19፤ 24፤ 31፤ 2ይ ሳሙኤል 5፤ 7፤ 11-12።