25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ
ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ፡ ሽኡ መንፈስ ቅዱስ ናብ ምድረበዳ ወሰዶ፡፡ ኣብኡ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ጾመ። ሽዑ ሰይጣን ናብ ኢየሱስ መጺኡ ሓጥያት ክገብር ንኢየሱስ ፈተኖ።
“ወዲ ኣምላኽ እንትዄንካስ ምእንቲ ክትበልዕ ነዞም ኣእማን ናብ እንጌራ ለውጦም” ኢሉ ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ።
ኢየሱስ ከኣ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኵሉ ቃል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብረን” ተባሂሉ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
ብድሕሪኡ ሰይጣን ንኢየሱስ ናብ ገምገም ቤተ መቕደስ ወሲዱ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተዄንካስ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ ምኽንያቱ፡ “እግርኻ ብእምኒ ከየዕንቅፍ ምእንቲ ክስከሙኻ እግዚኣብሄር ንመላእኽቱ ክእዝዘልካ እዩ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ” በለ።
ግናኸ ኢየሱስ ካብ ቃል ኣምላኽ ብምጥቃስ ንሰይጣን መለሰሉ፡ “ንእግዚኣብሄር፡ ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ በሎ።
ብድሕሪኡ ሰይጣን ንመንግስትታት ዓለምን ክብሮምን ኣርአዮ’ሞ፡ “ፍግም ኢልካ ንዓይ እንተሰጊድካለይ ነዚ ኩሉ ክህበካ እየ” በለ።
ኢየሱስ፡ “ኪድ! ርሓቕ! ሰይጣን “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ጥራይ ስገድ፡ ንዕኡ ጥራይ’ውን ኣምልኽ ኢሉ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣዚዙ’ዩ” በሎ።
ኢየሱስ ንሰይጣን ፈተና ኣይተሳዕረን፡ ስለዚ ሰይጣን ንግዚኡ ሓደጎ፡፡ ብድሕሪኡ መላእኽቲ መጺኦም ንኢየሱስ ኣገልገልዎ።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 4፡1-11፤ ማርቆስ 1፡12-13፤ ሉቃስ 4፡1-13።