Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

25. ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ

Image

ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ፡ ሽኡ መንፈስ ቅዱስ ናብ ምድረበዳ ወሰዶ፡፡ ኣብኡ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ጾመ። ሽዑ ሰይጣን ናብ ኢየሱስ መጺኡ ሓጥያት ክገብር ንኢየሱስ ፈተኖ።

Image

“ወዲ ኣምላኽ እንትዄንካስ ምእንቲ ክትበልዕ ነዞም ኣእማን ናብ እንጌራ ለውጦም” ኢሉ ሰይጣን ንኢየሱስ ፈተኖ።

Image

ኢየሱስ ከኣ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኵሉ ቃል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብረን” ተባሂሉ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።

Image

ብድሕሪኡ ሰይጣን ንኢየሱስ ናብ ገምገም ቤተ መቕደስ ወሲዱ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተዄንካስ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ ምኽንያቱ፡ “እግርኻ ብእምኒ ከየዕንቅፍ ምእንቲ ክስከሙኻ እግዚኣብሄር ንመላእኽቱ ክእዝዘልካ እዩ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ” በለ።

Image

ግናኸ ኢየሱስ ካብ ቃል ኣምላኽ ብምጥቃስ ንሰይጣን መለሰሉ፡ “ንእግዚኣብሄር፡ ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ በሎ።

Image

ብድሕሪኡ ሰይጣን ንመንግስትታት ዓለምን ክብሮምን ኣርአዮ’ሞ፡ “ፍግም ኢልካ ንዓይ እንተሰጊድካለይ ነዚ ኩሉ ክህበካ እየ” በለ።

Image

ኢየሱስ፡ “ኪድ! ርሓቕ! ሰይጣን “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ጥራይ ስገድ፡ ንዕኡ ጥራይ’ውን ኣምልኽ ኢሉ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣዚዙ’ዩ” በሎ።

Image

ኢየሱስ ንሰይጣን ፈተና ኣይተሳዕረን፡ ስለዚ ሰይጣን ንግዚኡ ሓደጎ፡፡ ብድሕሪኡ መላእኽቲ መጺኦም ንኢየሱስ ኣገልገልዎ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 4፡1-11፤ ማርቆስ 1፡12-13፤ ሉቃስ 4፡1-13።