21. እግዚኣብሄር መሲሕ ከምዝልእኸሎም ተስፋ ሃበ

ገና ካብ መጀመርትኡ እግዚኣብሄር መሲሕ ክልእኽ መደበ። እቲ ናይ መጀመርታ ተስፋ ናብ ኣዳምን ሄዋንን መጸ። ካብ ዘርኢ ሄዋን ርእሲ እቲ ተመን ዝጭፍልቕ ከምዝውለድ ተስፋ ሃበ። ንሄዋን ዘታለላ “ተመን” ንሱ ሰይጣን ነበረ። እቲ ተስፋ ድማ እቲ መሲሕ ንሰይጣን ፈጺሙ ከምዝስዕሮ እዩ።
ብእኡ ኣቢሉ ወገናት ህዝብታት ዓለም ኩሎም በረከት ከምዝቕበሉ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ተስፋ ሃቦ። እዚ በረከት ከኣ እቲ መሲሕ እንትመፅእ ዝፍፀም ይኸውን። ንሱ ድማ ኣብ ዓለም ዘለዉ ኩሎም ወገናት ህዝብታት ክድሕኑ ይገብር።
ካልእ ግዜ ከም ሙሴ ዝበለ ነብዪ ከምዘተንስእ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተስፋ ሃቦ። እዚ ድማ ስለ እቲ ደሓር ዝመጽእ መሲሕ ዝተዋህበ ካልእ ተስፋ ነበረ።
ካብቶም ዘርኡ ሓደ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ንጉስ ኰይኑ ንዘለኣለም ከምዝገዝእ እግዚኣብሄር ንንጉስ ዳዊት ተስፋ ሃቦ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ መሲሕ ካብ ዘርኢ ዳዊት እቲ “እንኮ” ዝኸውን ማለት እዩ።
እግዚኣብሄር ሓድሽ ቃል ኪዳን ከምዝገብር ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ ተስፋ ሃበ፡ እዚ ቃል ኪዳን ግና ከምቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሲና ምስ እስራኤላውያን ዝገበሮ ዓይነት ቃል ኪዳን ኣይኰነን። በቲ ሓድሽ ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ንሕጉ ኣብ ልቢ ህዝቡ እዩ ዝጽሕፍ፡ ህዝቡ ብግሎም ንእግዚኣብሄር ይፈልጥዎ፡፡ ህዝቡ ይዀኑ፡ እግዚኣብሄር ድማ ሓጥያቶም ይቕረ ይብል። እቲ መሲሕ ድማ ሓድሽ ኪዳን ይጅምር።
ከምኡ’ውን ነብያት እግዚኣብሄር እቲ መሲሕ ነብዪ፡ ካህን፡ ንጉስን ከምዝኸውን ተዛረቡ። ነብዪ ቃል ኣምላኽ ዝሰምዕ’ሞ ነቲ ቃል ንህዝቡ ዝእውጅ ሰብ እዩ። እቲ እግዚኣብሄር ክልእኾ ዘተስፈዎ መሲሕ ፍጹም ነብዪ ይኸውን።
ካህናት እስራኤልን ኣብ ክንዲ ህዝቢ ብዛዕባ ሓጥያቶም ዝበጽሖም መቕጻዕቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። እቶም ካህናት ብዛዕባ ህዝቦም ናብ እግዚኣብሄር ጸለዩ። እቲ መሲሕ ንርእሱ ፍጹም መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብ ሊቀኻህናት ይኸውን።
ንጉስ ኣብ መንግስቱ ዝገዝእን ኣብ ህዝቡ ዝፈርድን ሰብ እዩ። እቲ መሲሕ ካብ ወለዶ ዳዊት ኮይኑ፡ ኣብ ዝፋኑ ዳዊት ዝቕመጥ ፍጹም ንጉስ ይኸውን። ኣብ መላእ ዓለም ድማ ይገዝእ፡ ኩሉሳዕ ብቕንዕና ብምፍራድ ቅኑዕ ብይን ይህብ።
ነብያት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ መሲሕ ብዙሕ ነገር ተነብዮም እዮም። ነብዪ ሚልክያስ እቲ መሲሕ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ዓብዪ ነብዪ ከምዝትንስእ ኣቐዲሙ ተነበየ። እቲ መሲሕ ካብ ድንግል ከምዝውለድ ነብዪ ኢሳይያስ ተነበየ። ነብዪ ሚክያስ ድማ እቲ መሲሕ ኣብ ቤተልሄም እዩ ዝውለድ በለ።
ነብዪ ኢሳይያስ እቲ መሲሕ ኣብ ገሊላ ይነብር፡ ልቦም ንዝተሰብረ ሰባት ከኣ የጸናንዖም፡ ከምኡ’ውን ንምሩኻት ናጽነት፡ ንዝተኣስሩ ከኣ ሓርነት ይእውጅ። ከምኡ’ውን እቲ ነብዪ ነቶም ዝሓመሙን ነቶም ምስማዕን ምርኣይን ምዝራብን ወይ ድማ ምኻድ ዘይኽእሉን ህዝቢ ከምዝፍውሶም ተነበየ።
ከምኡ ድማ ነብዪ ኢሳይይስ እቲ መሲሕ ብዘይ ምኽንያት ከምዝጽላእን ተቓውሞ ከምዝበጽሖን ተነበየ። ካልኦት ነብያት ከኣ ነቲ መሲሕ ዝቐተሉ ክዳውንቱ ብዕጫ ከምዝማቐሉን ፈታዊኡ ኣሕልፉ ከምዝህቦን ኣቐዲሙ ተነበዩ። ነብዪ ዘካርያስ ነቲ መሲሕ ኣሕሊፉ ዝህብ ሰብ ሰላሳ ቅርሺ ከምዝኸፍልዎ ተነበየ።
ከምኡ’ውን እቲ ነብዪ ብዛዕባ ኣማውታ እቲ መሲሕ ተዛረበ። ሰባት ጡፍ ከምዝብሉሉ፡ ከምዘላግጹሉን ከምዝወቕዕዎን ተነበየ። ዋላኳ ስሕትት ዘይገበረ እንተዀነ ክወግእዎን ብኸቢድ ቃንዛን ስቓይን ይመውት።
ከምኡ ድማ ነብያት እቲ መሲሕ ፈጺሙ ሓጥያት ዘይብሉ ከምዝኸውን ተዛረቡ። ናይ ኩሉ ሰብ መቕጻዕቲ ንምቕባል ንሱ ሞተ። ንሱ ብምቕጽዑ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰባትን ሰላም የምጽእ። በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ መሲሕ ምውራድ ፍቓድ እግዚኣብሄር ነበረ።
እቲ መሲሕ ከምዝመውትን እግዚኣብሄር ካብ ምዉታት ከምዘትስኦን ነብያት ኣቐዲሞም ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ብሞትን ትንሳአን እቲ መሲሕ ንሓጥያተኛታት ንምድሓን መደቡ ብምፍጻም ነቲ ሓድሽ ኪዳን ይጅምር።
እግዚኣብሄር ንነብያት ብዛዕባ እቲ መሲሕ ብዙሕ ነገራት ገለጸሎም፡ ነገር ግን እቲ መሲሕ እቶም ነብያት ኣብ ዝነበሩሉ ዘበን ኣይመጸን። እቲ ናይ መወዳእታ ትንቢት ምስ ተነገረ ድሕሪ 400 ዓመት፡ ኣብቲ ምዱብ ጊዜኡ እግዚኣብሄር ነቲ መሲሕ ናብ ዓለም ይልእኾ።
ታሪኽ መፅሓፍቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 3፡15፤ 12፡1-3፤ ዘዳግም 18፡15፤ 2ይ ሳሙኤል 7፤ ኤርምያስ 31፤ ኢሳይያስ 59፡16፤ ዳንኤል 7፤ ሚልክያስ 4፡5፤ ኢሳይያስ 7፡14፤ ሚክያስ 5፡2፤ ኢሳይያስ 9፡1-7፤ 35፡3-5፤ 61፡53፤ መዝሙር 22፡18፤ 35፡19፤ 69፡4፤ 41፡9፤ ዘካርያስ 11፡12-13፤ ኢሳይያስ 50፡6፤ መዝሙር 16፡10-11።