Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

21. እግዚኣብሄር መሲሕ ከምዝልእኸሎም ተስፋ ሃበ

![Image](https://cdn.door43.org/obs/jpg/360px/obs-en- 21-01.jpg?direct&)

ገና ካብ መጀመርትኡ እግዚኣብሄር መሲሕ ክልእኽ መደበ። እቲ ናይ መጀመርታ ተስፋ ናብ ኣዳምን ሄዋንን መጸ። ካብ ዘርኢ ሄዋን ርእሲ እቲ ተመን ዝጭፍልቕ ከምዝውለድ ተስፋ ሃበ። ንሄዋን ዘታለላ “ተመን” ንሱ ሰይጣን ነበረ። እቲ ተስፋ ድማ እቲ መሲሕ ንሰይጣን ፈጺሙ ከምዝስዕሮ እዩ።

Image

ብእኡ ኣቢሉ ወገናት ህዝብታት ዓለም ኩሎም በረከት ከምዝቕበሉ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ተስፋ ሃቦ። እዚ በረከት ከኣ እቲ መሲሕ እንትመፅእ ዝፍፀም ይኸውን። ንሱ ድማ ኣብ ዓለም ዘለዉ ኩሎም ወገናት ህዝብታት ክድሕኑ ይገብር።

Image

ካልእ ግዜ ከም ሙሴ ዝበለ ነብዪ ከምዘተንስእ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተስፋ ሃቦ። እዚ ድማ ስለ እቲ ደሓር ዝመጽእ መሲሕ ዝተዋህበ ካልእ ተስፋ ነበረ።

Image

ካብቶም ዘርኡ ሓደ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ንጉስ ኰይኑ ንዘለኣለም ከምዝገዝእ እግዚኣብሄር ንንጉስ ዳዊት ተስፋ ሃቦ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ መሲሕ ካብ ዘርኢ ዳዊት እቲ “እንኮ” ዝኸውን ማለት እዩ።

Image

እግዚኣብሄር ሓድሽ ቃል ኪዳን ከምዝገብር ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ ተስፋ ሃበ፡ እዚ ቃል ኪዳን ግና ከምቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሲና ምስ እስራኤላውያን ዝገበሮ ዓይነት ቃል ኪዳን ኣይኰነን። በቲ ሓድሽ ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ንሕጉ ኣብ ልቢ ህዝቡ እዩ ዝጽሕፍ፡ ህዝቡ ብግሎም ንእግዚኣብሄር ይፈልጥዎ፡፡ ህዝቡ ይዀኑ፡ እግዚኣብሄር ድማ ሓጥያቶም ይቕረ ይብል። እቲ መሲሕ ድማ ሓድሽ ኪዳን ይጅምር።

Image

ከምኡ’ውን ነብያት እግዚኣብሄር እቲ መሲሕ ነብዪ፡ ካህን፡ ንጉስን ከምዝኸውን ተዛረቡ። ነብዪ ቃል ኣምላኽ ዝሰምዕ’ሞ ነቲ ቃል ንህዝቡ ዝእውጅ ሰብ እዩ። እቲ እግዚኣብሄር ክልእኾ ዘተስፈዎ መሲሕ ፍጹም ነብዪ ይኸውን።

Image

ካህናት እስራኤልን ኣብ ክንዲ ህዝቢ ብዛዕባ ሓጥያቶም ዝበጽሖም መቕጻዕቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። እቶም ካህናት ብዛዕባ ህዝቦም ናብ እግዚኣብሄር ጸለዩ። እቲ መሲሕ ንርእሱ ፍጹም መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብ ሊቀኻህናት ይኸውን።

Image

ንጉስ ኣብ መንግስቱ ዝገዝእን ኣብ ህዝቡ ዝፈርድን ሰብ እዩ። እቲ መሲሕ ካብ ወለዶ ዳዊት ኮይኑ፡ ኣብ ዝፋኑ ዳዊት ዝቕመጥ ፍጹም ንጉስ ይኸውን። ኣብ መላእ ዓለም ድማ ይገዝእ፡ ኩሉሳዕ ብቕንዕና ብምፍራድ ቅኑዕ ብይን ይህብ።

Image

ነብያት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ መሲሕ ብዙሕ ነገር ተነብዮም እዮም። ነብዪ ሚልክያስ እቲ መሲሕ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ዓብዪ ነብዪ ከምዝትንስእ ኣቐዲሙ ተነበየ። እቲ መሲሕ ካብ ድንግል ከምዝውለድ ነብዪ ኢሳይያስ ተነበየ። ነብዪ ሚክያስ ድማ እቲ መሲሕ ኣብ ቤተልሄም እዩ ዝውለድ በለ።

Image

ነብዪ ኢሳይያስ እቲ መሲሕ ኣብ ገሊላ ይነብር፡ ልቦም ንዝተሰብረ ሰባት ከኣ የጸናንዖም፡ ከምኡ’ውን ንምሩኻት ናጽነት፡ ንዝተኣስሩ ከኣ ሓርነት ይእውጅ። ከምኡ’ውን እቲ ነብዪ ነቶም ዝሓመሙን ነቶም ምስማዕን ምርኣይን ምዝራብን ወይ ድማ ምኻድ ዘይኽእሉን ህዝቢ ከምዝፍውሶም ተነበየ።

Image

ከምኡ ድማ ነብዪ ኢሳይይስ እቲ መሲሕ ብዘይ ምኽንያት ከምዝጽላእን ተቓውሞ ከምዝበጽሖን ተነበየ። ካልኦት ነብያት ከኣ ነቲ መሲሕ ዝቐተሉ ክዳውንቱ ብዕጫ ከምዝማቐሉን ፈታዊኡ ኣሕልፉ ከምዝህቦን ኣቐዲሙ ተነበዩ። ነብዪ ዘካርያስ ነቲ መሲሕ ኣሕሊፉ ዝህብ ሰብ ሰላሳ ቅርሺ ከምዝኸፍልዎ ተነበየ።

Image

ከምኡ’ውን እቲ ነብዪ ብዛዕባ ኣማውታ እቲ መሲሕ ተዛረበ። ሰባት ጡፍ ከምዝብሉሉ፡ ከምዘላግጹሉን ከምዝወቕዕዎን ተነበየ። ዋላኳ ስሕትት ዘይገበረ እንተዀነ ክወግእዎን ብኸቢድ ቃንዛን ስቓይን ይመውት።

Image

ከምኡ ድማ ነብያት እቲ መሲሕ ፈጺሙ ሓጥያት ዘይብሉ ከምዝኸውን ተዛረቡ። ናይ ኩሉ ሰብ መቕጻዕቲ ንምቕባል ንሱ ሞተ። ንሱ ብምቕጽዑ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰባትን ሰላም የምጽእ። በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ መሲሕ ምውራድ ፍቓድ እግዚኣብሄር ነበረ።

Image

እቲ መሲሕ ከምዝመውትን እግዚኣብሄር ካብ ምዉታት ከምዘትስኦን ነብያት ኣቐዲሞም ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ብሞትን ትንሳአን እቲ መሲሕ ንሓጥያተኛታት ንምድሓን መደቡ ብምፍጻም ነቲ ሓድሽ ኪዳን ይጅምር።

Image

እግዚኣብሄር ንነብያት ብዛዕባ እቲ መሲሕ ብዙሕ ነገራት ገለጸሎም፡ ነገር ግን እቲ መሲሕ እቶም ነብያት ኣብ ዝነበሩሉ ዘበን ኣይመጸን። እቲ ናይ መወዳእታ ትንቢት ምስ ተነገረ ድሕሪ 400 ዓመት፡ ኣብቲ ምዱብ ጊዜኡ እግዚኣብሄር ነቲ መሲሕ ናብ ዓለም ይልእኾ።

ታሪኽ መፅሓፍቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 3፡15፤ 12፡1-3፤ ዘዳግም 18፡15፤ 2ይ ሳሙኤል 7፤ ኤርምያስ 31፤ ኢሳይያስ 59፡16፤ ዳንኤል 7፤ ሚልክያስ 4፡5፤ ኢሳይያስ 7፡14፤ ሚክያስ 5፡2፤ ኢሳይያስ 9፡1-7፤ 35፡3-5፤ 61፡53፤ መዝሙር 22፡18፤ 35፡19፤ 69፡4፤ 41፡9፤ ዘካርያስ 11፡12-13፤ ኢሳይያስ 50፡6፤ መዝሙር 16፡10-11።