6. እግዚኣብሄር ንይስሃቕ ሰበይቲ ከምዘዳለወሉ
አብርሃም ኣዝዩ ምስ ኣረገ፡ ይስሓቕ ንዓቕመ ኣዳም በጽሐ። ስለዚ ኣብርሃም ካብቶም ኣገልገልቱ ንሓደ፡ ንወዱ ይስሓቕ ሰበይቲ ምእንቲ
ከምጽአሉ ናይ ኣዝማዱ ዓዲ ለኣኾ።
እቲ ኣገልጋሊ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ናብቲ ኣዝማድ ኣብርሃም ዝነብሩሉ ምድሪ በጽሐ። ነቲ ዝተላእኸ ኣገልጋሊ ኣብርሃም፡ እግዚኣብሄር ናብ ርብቃ መርሖ። ርብቃ ከኣ ንሓው ኣብርሃም ጓል ወዱ ነበረት።
ርብቃ ንስድርኣ ገዲፋ ምስቲ ኣገልጋሊ ናብ እንዳ ይስሓቕ ንምኻድ ተሰማምዐት። ምስ ኣተወት ድማ ይስሓቕ ተመርዓዋ።
ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብርሃም ሞተ፡ እቲ እግዚኣብሄር ምስ ኣብርሃም ዝግበሮ ቃል ኪዳን ድማ ናብ ይስሓቕ ተመሓላለፈ። እግዚኣብሄር ንአብርሃም ክቚጸር ዘይኽእል ዘርኢ ከምዝህልዎ ተስፋ ሂብዎ ነበረ። ይኹን እምበር ሰበይቲ ይስሓቕ ርብቃ፡ ውሉድ ክትወልድ ኣይከኣለትን።
ይስሓቕ ንርብቃ ምስ ጸለየላ፡ ማንታ ደቂ ክትጠንስ እግዚኣብሄር ፈቐደ። ክልቲኦም ቈልዑ ኣብ ማህጸን ርብቃ እናሃለዉ ንሕድሕዶም ይደፋፍኡ ነበሩ። ስለዚ ርብቃ እቲ ኣብ ከርሳ ዝኸውን ዘሎ ነገር እንታይ ከምዝዀነ ንእግዚኣብሄር ሓተተቶ።
እግዚኣብሄር ንርብቃ ከምዚ በላ፡ “ካብቶም ኣብ ከርስኺ ዘለዉ ክልተ ደቂ ክልተ ህዝብታት ክውጹ እዮም፡ ንሕድሕዶም ክቃለሱ፡ እቲ ዓብዪ ድማ ነቲ ንእሽተይ ክግዝኦ እዩ” በላ።
ደቂ ርብቃ ምስ ተወልዱ እቲ ዓብዪ ጨጓርን ቀይሕን ነበረ’ሞ “ኤሳው” ኢሎም ስም ኣውጽኡሉ፡ እቲ ምንኣሱ ከኣ ኩርኹረ እግሪ ኤሳው ሒዙ ወጸ፡ “ያእቆብ” ኢሎም ድማ ስም ኣውጽኡሉ።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 24፡1-25፤ 26።