Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

6. እግዚኣብሄር ንይስሃቕ ሰበይቲ ከምዘዳለወሉ

Image

አብርሃም ኣዝዩ ምስ ኣረገ፡ ይስሓቕ ንዓቕመ ኣዳም በጽሐ። ስለዚ ኣብርሃም ካብቶም ኣገልገልቱ ንሓደ፡ ንወዱ ይስሓቕ ሰበይቲ ምእንቲ

ከምጽአሉ ናይ ኣዝማዱ ዓዲ ለኣኾ።

Image

እቲ ኣገልጋሊ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ናብቲ ኣዝማድ ኣብርሃም ዝነብሩሉ ምድሪ በጽሐ። ነቲ ዝተላእኸ ኣገልጋሊ ኣብርሃም፡ እግዚኣብሄር ናብ ርብቃ መርሖ። ርብቃ ከኣ ንሓው ኣብርሃም ጓል ወዱ ነበረት።

Image

ርብቃ ንስድርኣ ገዲፋ ምስቲ ኣገልጋሊ ናብ እንዳ ይስሓቕ ንምኻድ ተሰማምዐት። ምስ ኣተወት ድማ ይስሓቕ ተመርዓዋ።

Image

ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብርሃም ሞተ፡ እቲ እግዚኣብሄር ምስ ኣብርሃም ዝግበሮ ቃል ኪዳን ድማ ናብ ይስሓቕ ተመሓላለፈ። እግዚኣብሄር ንአብርሃም ክቚጸር ዘይኽእል ዘርኢ ከምዝህልዎ ተስፋ ሂብዎ ነበረ። ይኹን እምበር ሰበይቲ ይስሓቕ ርብቃ፡ ውሉድ ክትወልድ ኣይከኣለትን።

Image

ይስሓቕ ንርብቃ ምስ ጸለየላ፡ ማንታ ደቂ ክትጠንስ እግዚኣብሄር ፈቐደ። ክልቲኦም ቈልዑ ኣብ ማህጸን ርብቃ እናሃለዉ ንሕድሕዶም ይደፋፍኡ ነበሩ። ስለዚ ርብቃ እቲ ኣብ ከርሳ ዝኸውን ዘሎ ነገር እንታይ ከምዝዀነ ንእግዚኣብሄር ሓተተቶ።

Image

እግዚኣብሄር ንርብቃ ከምዚ በላ፡ “ካብቶም ኣብ ከርስኺ ዘለዉ ክልተ ደቂ ክልተ ህዝብታት ክውጹ እዮም፡ ንሕድሕዶም ክቃለሱ፡ እቲ ዓብዪ ድማ ነቲ ንእሽተይ ክግዝኦ እዩ” በላ።

Image

ደቂ ርብቃ ምስ ተወልዱ እቲ ዓብዪ ጨጓርን ቀይሕን ነበረ’ሞ “ኤሳው” ኢሎም ስም ኣውጽኡሉ፡ እቲ ምንኣሱ ከኣ ኩርኹረ እግሪ ኤሳው ሒዙ ወጸ፡ “ያእቆብ” ኢሎም ድማ ስም ኣውጽኡሉ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 24፡1-25፤ 26።