36. ትርኢት ኢየሱስ ምልዋጡ
ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ንሰለስቲኦም ደቀ መዛሙርቱ፡ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሐንስን ሒዙ ክጽሊ ናብ ነዊሕ ከረን ወጸ። (እዚ ዮሃንስ ዝበሃል ደቀመዝሙር፡ ንኢየሱስ ዘጠመቖ ኣይኰነን)
ኢየሱስ እናጸለየ ከሎ ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርሀ፡ ክዳኑ’ውን ከም ብርሃን ጻዕዳ ኰነ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓጻቢ ዝዀነ ሰብ ከጽርዮ ክሳዕ ዘይኽእል ኣዝዩ ጻዕዳ ኰነ።
ሽዑ ሙሴን ነብዪ ኤልያስን ተራእዩ። እዞም ሰባት ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ኣብ ምድሪ ዝነበሩ እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክፍጸም ዘለዎ “ሞቱ” ምስ ኢየሱስ ይዘራረቡ ነበሩ።
ሙሴን ኤልያስን ምስ ኢየሱስ፡ እናተዘራረቡ ከለዉ፡ ጴጥሮስ ንኢየሱስ፡ “ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደው ድማ ንኤልያስ ዝኸውን ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ። ጴጥሮስ ግና ዝብሎ ኣይፈልጥን ነበረ።
ጴጥሮስ እናተዛረበ ከሎ፡ ብሩህ ደበና መጺኡ ከበቦም’ሞ ካብቲ ደበና ድምጺ ወጺኡ፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ንዕኡ
ስምዕዎ” በለ። ሰለስቲኦም ደቀመዛሙርቲ ድማ ፈሪሖም ኣብ መሬት ወደቑ።
ሽዑ ኢየሱስ ዳህሰሶም’ሞ፡ “ኣይትፍርሑ፡ ተንስኡ በሎም። ኣብ ዙርይኦም ግልጽ ኢሎም እንተጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ ኢየሱስ በይኑ፡ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
ኢየሱስን ሰለስቲኦም ደቀ መዛሙርቲ ካብቲ ከረን ወረዱ። በቲ ግዜ እቲ ኢየሱስ ከምዚ በሎም፤ “ወዲ ሰብ ካብ ምውታት ክሳዕ ዝትንስእ፡ ኣብዚ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር፡ ንሓደ እኳ ከይትነግሩ ኢሉ ኣዘዞም”።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 17፡1-9፤ ማርቆስ 9፡2-8፤ ሉቃስ 9፡28-36።