Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

36. ትርኢት ኢየሱስ ምልዋጡ

Image

ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ንሰለስቲኦም ደቀ መዛሙርቱ፡ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሐንስን ሒዙ ክጽሊ ናብ ነዊሕ ከረን ወጸ። (እዚ ዮሃንስ ዝበሃል ደቀመዝሙር፡ ንኢየሱስ ዘጠመቖ ኣይኰነን)

Image

ኢየሱስ እናጸለየ ከሎ ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርሀ፡ ክዳኑ’ውን ከም ብርሃን ጻዕዳ ኰነ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓጻቢ ዝዀነ ሰብ ከጽርዮ ክሳዕ ዘይኽእል ኣዝዩ ጻዕዳ ኰነ።

Image

ሽዑ ሙሴን ነብዪ ኤልያስን ተራእዩ። እዞም ሰባት ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ኣብ ምድሪ ዝነበሩ እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክፍጸም ዘለዎ “ሞቱ” ምስ ኢየሱስ ይዘራረቡ ነበሩ።

Image

ሙሴን ኤልያስን ምስ ኢየሱስ፡ እናተዘራረቡ ከለዉ፡ ጴጥሮስ ንኢየሱስ፡ “ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደው ድማ ንኤልያስ ዝኸውን ሰለስተ ዳስ ንስራሕ” በሎ። ጴጥሮስ ግና ዝብሎ ኣይፈልጥን ነበረ።

Image

ጴጥሮስ እናተዛረበ ከሎ፡ ብሩህ ደበና መጺኡ ከበቦም’ሞ ካብቲ ደበና ድምጺ ወጺኡ፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ንዕኡ
ስምዕዎ” በለ። ሰለስቲኦም ደቀመዛሙርቲ ድማ ፈሪሖም ኣብ መሬት ወደቑ።

Image

ሽዑ ኢየሱስ ዳህሰሶም’ሞ፡ “ኣይትፍርሑ፡ ተንስኡ በሎም። ኣብ ዙርይኦም ግልጽ ኢሎም እንተጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ ኢየሱስ በይኑ፡ ሓደ እኳ ኣይነበረን።

Image

ኢየሱስን ሰለስቲኦም ደቀ መዛሙርቲ ካብቲ ከረን ወረዱ። በቲ ግዜ እቲ ኢየሱስ ከምዚ በሎም፤ “ወዲ ሰብ ካብ ምውታት ክሳዕ ዝትንስእ፡ ኣብዚ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር፡ ንሓደ እኳ ከይትነግሩ ኢሉ ኣዘዞም”።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 17፡1-9፤ ማርቆስ 9፡2-8፤ ሉቃስ 9፡28-36።