14. ኣብ ምድረበዳ ኮለል በሉ
እግዚኣብሄር እቲ ምስኣቶም ዝገበሮ ቃል ኪዳንን ሕግታትን ክእዘዙ ንእስራኤላውያን ምስ ነገሮም፡ ካብ ከረን ሲና ከዱ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ካብ ከረን ሲና ናብታ ከንኣን ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ምድሪ ተስፋ መርሖም። ዓንዲ ደበና ቀቅድሚኦም ከደ፡ ንሳቶም ከኣ ሰዓብዎ።
እግዚኣብሄር ነታ ምድሪ ተስፋ ንዘርኦም ከምዘውርሶም ንኣብርሃም፡ ንይስሓቕን ንያእቆብን ተስፋ ሂብዎም ነበረ። ይኹን እምበር ኣብታ ምድሪ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ይነብሩ ነበሩ። ንሳቶም ድማ ከንኣናውያን ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ። ከንኣናውያን ንእግዚኣብሄር ኣይእዘዝዎን፡ ኣየምልኽዎን’ውን። ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣምለኹ፡ ብዙሕ ነገራት ድማ ፈጸሙ።
እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ነገሮም፤ “ኣብታ ምድሪ ተስፋ ዘለዉ ከንኣናውያን ኣጥፍእዎም። ምስኣቶም ሰላም ኣይሃልኹም፡ ኣይትዋሰቡ’ውን። ንኹሎም ጣኦታቶም ድማ ኣጥፍእዎም። ንዓይ ምእዛዝ እንተኣቢኹም፡ ኣብ ክንዳይ ንጣኦታቶም ክተምልኹ ኢኹም”።
እስራኤላውያን ናብ ወሰን ከንኣን ምስበጽሑ፡ ሙሴ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት እስራኤል ሓድሓደ ሰብ፡ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት መረጸ። ከይዶም እታ ምድሪ እንታይ ከምእትመስል ክስልዩ መምሪሒ ሃቦም። እቶም ሰባት ብርቱዓት ወይ ድኹማት ምዃኖም ንምርኣይ ንኸንኣናውያን ምስላይ ኣድለዮም።
እቶም ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ኣብ ከንኣን ንኣርብዓ መዓልቲ ብምጕዓዝ ተመሊሶም መጹ። “እታ ምድሪ ኣዝያ ለምለም፡ እኽላ ድማ ብዙሕ እዩ”› ኢሎም ነቶም ህዝቢ ነገርዎም። እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ግና፣ “ከተማታቶም ጽኑዓት እየን፡ ንሳቶም ድማ ብርቱዓት እዮም፡ ምስኣቶም እንተተዋጋእና ክስዕሩና፡ ክቐትሉና’ውን እዮም” በሉ።
ሽዑ እቶም ካልኦት ክልተ ሰለይቲ፡ ካሌብን ኢያሱን፡ “ከንኣናውያን ነዋሕትን ብርቱዓትን ምዃኖም ሓቂ እዩ፡ ይኹን እምበር ንሕና ክንስዕሮም ኢና፡ ኣብ ክንዳና ዝዋጋእ እግዚኣብሄር እዩ” በሉ።
እቲ ህዝቢ ግና ንካሌብን ኢያሱን ኣይሰምዕዎምን። ኣብ ሙሴን ኣሮንን ተቘጢዖም ድማ፡ “ናብዚ ክፉእ ቦታ ንምንታይ ኣምጺእኹምና፡ ብውግእ ካብ እንሞት’ሞ ኣንስትናን ደቅናን ባሮት ካብ ዝዀኑ፡ ኣብ ግብጺ እንተንነብር ምሐሸና” በሉ። እቲ ህዝቢ መሊሱ ናብ ግብጺ መሪሑ ዝወስዶም መራሒ ንምምራጽ ደለዩ።
እግዚኣብሄር ብጣዕሚ ተቘጢዑ ናብቲ ድንኳን ምርኻብ መጸ። ከምዚ ድማ በሎም፡ “ንስኻትኩም ኣባይ ስለዝዓመጽኩም እዞም ህዝቢ ኩሎም ኣብ ምድረ በዳ ኮለል ክብሉ እዮም። ብዘይካ ኢያሱን ካሌብን ድማ ልዕሊ ዒስራ ዓመትን ዝዀኑ ኵሎም ኣብኡ ክሞቱ እዮም፡ ካባታቶም ሐደ’ኳ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣይክኣትውን” በለ።
እቶም ህዝቢ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ሓጢኣት ብምስርሖም ሓዘኑ። ናውቲ ውግኦም ሒዞም ድማ ምስ ከንኣናውያን ክዋግኡ ከዱ። እግዚኣብሄር ምስኣቶም ስለዘየለ ናብቲ ውግእ ከይኸዱ ሙሴ ኣጠንቀቖም። ንሳቶም ግን ኣይሰምዕዎን።
እግዚኣብሄር ምስኣቶም ናብቲ ውግእ ስለዘይወጸ ተሳዕሩ፡ ብዙሓት’ውን ሞቱ። ብድሕሪኡ እስራኤላውያን ካብ ከንኣን ተመሊሶም ኣብ ምድረ በዳ ንኣርብዓ ዓመት ኮለል በሉ፡፡
ህዝቢ እስራኤል ኣብተን ኣብ ምድረበዳ ዝተንከራተቱለን ኣርብዓ ዓመታት እግዚኣብሄር መገቦም። ካብ ሰማይ “ማና” ዝብሃል እንጀራ ሃቦም። ስጋ ክበልዑ ድማ ናብ ሰፈሮም ብርንሂጎታት ሰደደሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ ክዳኖም ኰነ ጫምኦም ከምዘይኣርግ ገበረሎም።
እግዚኣብሄር ተኣምራዊ ብዝዀነ መንገዲ ካብ ከውሒ ከይተረፈ’ኳ ማይ ኣውጺኡ ኣስተዮም። እዚ ኩሉ ኰይኑ ክነሱ፡ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ሙሴን ኣብ እግዚኣብሄርን ኣማረሩን ኣጒረምረሙን። ይዅን እምብር እግዚኣብሄር እቲ ንኣብርሃምን ንይስሓቕን ንያእቆብን ዘተስፈዎም ንምፍጻም ሕጂ’ውን እሙን ነበረ።
እቶም ህዝቢ ጥብ እትብል ማይ ኣብ ዘይነበሮም እዋን እግዚኣብሄር ንሙሴ፡ “ነዚ ከውሒ ተዛረቦ፡ ንሱ ከኣ ማይ ክፍልፍል እዩ” በሎ። ሙሴ ግና ነቲ ከውሒ ኣብ ክንዲ ምዝራብ ክልተ ሳዕ ብበትሪ ስለዝወቕዖ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኵሉ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣየኽበሮን። ኵሉ ሰብ ምእንቲ ክሰቲ ድማ ካብቲ ከውሒ ማይ ፈልፈለ፡ እንተኾነ እግዚኣብሄር ኣብ ሙሴ ተቘጥዐ፡ “ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣይትኣትውን” ድማ በሎ።
እስራኤላውያን ንኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረበዳ ኮለል ምስ በሉ፡ እቶም ኣብ እግዚኣብሄር ዝዓመጹ ኵሎም ሞቱ። ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መሊሱ ናብ ወሰን እታ ምድሪ ተስፋ መርሖም። ሽዑ ሙሴ ኣሪጉ ነበረ። ስለዚ ነቲ ህዝቢ ብምምራሕ ምእንቲ ክሕግዞ እግዝኣብሄር ንኢያሱ መረጸ። ከምኡ’ውን ከም ሙሴ ዝበለ ካልእ ነብዪ ሓደ መዓልቲ ከምዝልእኽ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተስፋ ሃቦ።
ብድሕሪኡ ነታ ምድሪ ተስፋ ምርኣይ ምእንቲ ክኽእል ናብ ጫፍ ከረን ክወጽእ ንሙሴ እግዚኣብሄር ነገሮ። ሙሴ ነታ ምድሪ ተስፋ ረኣያ፡ ናብኣ ክኣቱ ግና እግዚኣብሄር ኣይፈቐደሉን። ብድሕሪኡ ድማ ሙሴ ሞተ። እስራኤላውያን ከኣ ሰላሳ መዓልቲ ሓዘኑ። ቀጺሉ ሓዱሽ መራሒኦም ኢያሱ ኰነ። ኢያሱ ብእግዚኣብሄር ዝኣመነን ምእዙዝን ስለዝነበረ ጥዑይ መራሒ ነበረ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 16-17፤ ዘሁልቁ 10-14፤ 20፤ 27፤ ዘዳግም 34።