15. እታ ምድሪ ተስፋ
ኣብ መወዳእታ እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ናብ ከንኣን ዝኣትዉሉ እዋን በጽሐ። ኢያሱ ናብታ ብብርቱዕ ቀጽሪ ትሕለው ዝነበረት ከተማ ከንኣናውያን “ያሪኮ” ክልተ ሰለይቲ ለኣኸ። ኣብታ ከተማ ድማ ነቶም ሰለይቲ ዝሓብአትን ከምልጡ ዝሓገዘቶምን ረሃብ እትበሃል ኣመንዝራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ነዚ ዝገበረት ብእግዚኣብሄር ስለዝኣመነት እያ። እቶም ሰለይቲ፡ እስራኤላውያን ንያሪኮ ከጥፍእዋ እንከለዉ ንረሃብን ቤተሰባን ከምዘድሕንዋ ቃል ኣተዉላ።
እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ንምእታው ንሩባ ዮርዳኖስ ክሰግሩ ነይሩዎም። እግዚኣብሄር፡ “መጀመርታ ካህናት ክሰግሩ ግበር” ኢሉ ንኢያሱ ነገሮ። እቶም ካህናት ናብ ሩባ ዮረዳኖስ ምእታው ምስጀመሩ፡ እቲ ማይ ምፍሳሱ ደው ኣበለ፡ እስራኤላውያን ድማ ብንቑጽ መሬት ሰገሩ።
እቶም ህዝቢ ሩባ ዮርዳኖስ ምስሰገሩ፡ ነታ ሓያል ከተማ ያሪኮ ከመይ ገይሮም ከጥቅዕዋ ከምዘለዎም እግዚኣብሄር ንኢያሱ ነገሮ። እቶም ህዝቢ ከኣ ንእግዚኣብሄር ተኣዘዙ። እቲ ሰራዊትን እቶም ካህናትን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነገሮም በብመዓልቱ ሓደ ሳዕ ንሽዱሽተ መዓልቲ ንኸተማ ኢያሪኮ ዘወርዋ።
ብድሕሪኡ እስራኤላውያን ነታ ከተማ ሸውዓተ ሻዕ ዘወርዋ። ንመወዳእታ ግዜ እናዘወሩ ከለዉ እቶም ሰራዊት ጨደሩ፡ ካህናት’ውን መለኸቶም ነፍሑ።
ሽዑ እቲ ኣብ ዙርያ ያሪኮ ተነዲቑ ዝነበረ ቀጽሪ ወደቐ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ድማ ኣብታ ከተማ ንዝነበረ ኩሉ ኣጥፍእዎ። ረኣብን ቤተሰባን ግና ኣድሓንዎም። ንሳቶም ከኣ ምስ እስራኤላውያን ተጸንበሩ፡፡ ኣብ ከንኣን ይነብሩ ዝነበሩ ካልኦት ህዝቢ እስራኤላውያን ንኢያሪኮ ከምዘጥፍእዋ ምስ ሰምዑ፡ ንዓና’ውን ኣይገድፉናን ኢሎም ፈርሑ።
እግዚኣብሄር ኣብ ከንኣን ምስዝርከቡ ዝዀኑ ይኹኑ ህዝብታት ናይ ሰላም ስምምዕነት ከይገብሩ ንእስራኤላውያን ኣዚዝዎም ነበረ። ካብ ከንኣናውያን ሓደ ዓሌት ዝዀኑ ጊብዖናውያን ዝብሃሉ ካብ ርሑቕ ከምዝመጹ ብምምሳል ንኢያሱ ሓሲዮም ነገረዎ። ምስኣቶም ሰላም ክገብር ንኢያሱ ሓተትዎ። ጊብዖናውያን ካበይ ከም ዝመጹ ኢያሱን እስራኤላውያንን ንእግዚኣብሄር ኣይሓተትዎን ነበሩ’ሞ ምስኣቶም ናይ ሰላም ስምምዕነት ገበረ።
ጊብዖናውያን ከምዘታለልዎም ምስፈለጡ እስራኤላውያን ሓረቑ፡ ይኹን እምበር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝኣተውዎ ቃል ስለ ዝነበረ ነቲ ምስኣቶም ዝገበርዎ ናይ ሰላም ስምምዕነት ሓለዉ። ጽንሕ ኢሎም ብኻልእ ግዜ ኣብ ከንኣን ዝነበሩ ናይ ካልእ ዓሌት ህዝቢ ነገስታት፣ ኣሞራውያን፡ ሰብ ጊብዖኦን ምስ እስራኤላውያን ናይ ሰላም ስምምዕነት ከምዝገበሩ ሰምዑ: ስለዚ ሰራዊቶም ኣተሓባቢሮም ንጊብዖናውያን ወግእዎም። ጊብዖናውያን ከኣ ሓገዝ ደልዮም ናብ ኢያሱ መልእኽቲ ሰደዱ። ።
ስለዚ ኢያሱ ንሰራዊት እስራኤል ኣኪቡ፡ ናብ ጊብዖናውያን ከርክብ ሙሉእ ለይቲ ተጓዕዙ። ምስ ወግሐ ከይሓሰብዎ ንሰራዊት ኣሞራውያን ወግኡ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር፡ ንእስራኤላውያን ተዋግኣሎም። ንኣሞራውያን ብምድንጋር ዓበይቲ ኣእማን በረድ ኣውሪዱ ብዙሓት ኣሞራውያን ቀተለ።
ከምኡ’ውን እስራኤላውያን ንኣሞራውያን ፈጺሞም ምእንቲ ክስዕርዎም ጸሓይ ኣብ ሰማይ ደው ኢላ ካብ ምዕራብ ክትድንጒ ገበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ዓብዪ ዓወት ሃቦም።
እግዚኣብሄር ነዞም ሰራዊት ምስ ሰዓረ፡ መብዛሕትኦም ህዝብታት ከንኣን ተሓባቢሮም ንእስራኤላውያን ክወግኡ ተላዕሉ። ኢያሱን እስራኤላውያንን ግና ሰዓርዎምን ኣጥፍእዎምን።
ድሕሪ እዚ ውግእ፡ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ዓሌት እስራኤል ናይታ ምድሪ ተስፋ ዘዝብጽሖም ርስቲ መቐሎም። ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ነታ ምድሪ ኣብ ኵሉ ወሰና ሰላም ገበረላ፡፡
ኢያሱ ምስ ኣረገ፡ ንህዝቢ እስራኤል ብሓንሳብ ጸውዖም። ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ከረን ሲና ምስ እስራኤላውያን ዝገበሮ ቃል ኪዳን ክእዘዙ ግቡኦም ኣፍለጦም። እቶም ህዝቢ ደማ ንእግዚኣብሄር ሕግታቱ ክእዘዙን እሙናት ኰይኖም ክነብሩን ቃል ኣተዉ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ኢያሱ 1-24።