Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

3. ማይ ኣይሂ

Image

ድሕሪ ነዊሕ እውናት ኣብዛ ዓለም ብዙሕ ህዝቢ ይነብር ነበረ። ንሳቶም ድማ ኣዝዮም ክፉኣትን ዓመጸኛታትን ኰኑ። ክፍኣት ሰብ ኣዝዩ ብምብዛሑ እግዚኣብሄር ንዓለም ብዘዕለቕልቕ ማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ወሰነ።

Image

ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞጐስ ረኸበ። ኖህ ኣብ ማእከል ኣብቲ ዘበን ዝነበሩ፡ ክፉኣት ሰባት፡ ጻድቕን ሰብ ነበረ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ብማይ ከጥፍኣ ከም ዝሓሰበ ንኖህ ነገሮ። ዓባይ መርከብ ክሰርሕ ድማ ንኖህ ኣዘዞ።

Image

እግዚኣብሄር ንኖህ እታ መርከብ፡ ምንዋሓ 140 ሜትሮ፡ ምግፍሓ ድማ 23 ሜትሮ፡ ቁመታ ድማ 13.5 ሜትሮ ይዅን በሎ። እታ ኖህ ዝሰርሓ መርከብ ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐት ኰይና ብዓልቲ ሰለስተ ደርቢ፡ ብዙሕ ክፍልታትን መሳኹትን ዘለዋ ነበረት። እታ መርከብ ንኖህ ምስ ስድርኡ፡ ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እንስሳታት በብዓይነቶም ካብ ማይ ኣይሂ ምእንቲ ክተዕቑቦም ነገሮ።

Image

ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር ብምእዛዝ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ኖህን ሰለስተ ደቁን ነታ መርከብ ሰርሕዋ። እታ መርከብ ኣዝያ ዓባይ ስለዝነበረት ክትስራሕ ብዙሕ ዓመታት ወሰደት። ኖህ ስለ እቲ ዝመጽእ ማይ ኣይሂ ንኹሉ ህዝቢ ብምጥንቃቕ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ ይነግሮም ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኣይኣመንዎን።

Image

ኖህን ስድርኡን ንዓኣቶምን ነቶም እንስሳታትን ዝኸውን እኹል ቀለብ ከዳልዉ እግዚኣብሄር ኣዘዞም። ኩሉ ነገር ምስ ኣዳለዉ፡ ኖህን ሰበይቱን ሰለስቲኦም ደቁን ኣንስቶምን ናብቲ መርከብ ክኣትዉ ጊዜኡ ከምዝኣኸለ ነገሮ። ናብታ መርከብ ድማ ሸሞንተ ሰባት ኣተዉ።

Image

ካብ ማይ ኣይሂ ምእንቲ ከምልጡ ድማ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ተባዕትዮን ኣንስትዮን እንስሳታትን ኣዕዋፍን ወሲኹ ናብ ኖህ ሰደደ። ካብ ኵሎም ዓይነት እንስሳታት ከኣ ንመስዋእቲ ዝዀኑ ሸሸውዓተ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ናብታ ናይ ኖህ መርከብ ሰደዶም። ኩሎም ናብታ መርከብ ምስኣተዉ እግዚኣብሄር ባዕሉ ነቲ ማዕጾ እታ መርከብ ዓጸዎ።

Image

ብድሕሪኡ እቲ ማይ ክዘንም ጀመረ፡ ብዘይ ምቊራጽ ድማ ን40 መዓልትን ለይትን ዘነበ። ካብ ምድሪ ከኣ ምንጪታት ይፍልፍሉ ነበሩ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘሎ ኩሉ ነገር ብማይ ተዋሕጠ፡ እቶም ነዋሕቲ ኣኽራናት እኳ ከይተረፉ ብማይ ተሸፈኑ።

Image

ብዘይካ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰባትን እንስሳታትን ኣብ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ ሰብ ኰነ እንስሳ ኵሉ ነገር ሞተ። እታ መርከብ ኣብቲ ማይ ብምንስፋፍ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ነፍሳት ኵሎም ካብ ሞት ኣድሓነት።

Image

እቲ ማይ ምዝናሙ ደው ምስ ኣበለ፡ እታ መርከብ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ማይ ኣንሰፈፈት። ሽዑ ድማ እቲ ማይ ምንካይ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ከኣ እታ መርከብ ኣብ ርእሲ ከረን ዓረፈት፡ ይዅን እምበር

ኵላ ዓለም ብማይ ተሸፊና ነበረት። ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ጫፍ ኣኽራናት ክርኣዩ ጀመሩ።

Image

ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ እቲ ማይ ነቒጹ እንተዀይኑ ንምፍላጥ ኳዅ ለኣኸ። እቲ ኳዅ ንየው ነጀው እናበለ እንተበረረ እኳ መዕረፊ ዝኾኖ ንቑጽ መሬት ኣይረኸበን።

Image

ብድሕሪኡ ኖህ ርግቢ ለኣኸ። ንሳ’ውን እትዓርፍሉ መሬት ስለዘይረኸበት ናብ ኖህ ተመልሰት። ድሕሪ ሰሙን ኖህ መሊሱ ነታ ርግቢት ሰደዳ። ንሳ ድማ ብኣፋ ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ተመልሰት፡ ምኽንያቱ እቲ ማይ ጐዲሉ ኣእዋም ድማ ድሮ ምጥጣዕ ጀሚሮም ስለ ዝነበሩ እዩ።

Image

ድሕሪ ሰሙን ከኣ ኖህ ነታ ርግቢ መሊሱ ሰዳዳ፡ ሽዑ እትዓርፍሉ ስለ ዝረኸበት ተመሊሳ ኣይመጸቶን። እቲ ማይ ድማ ይነቅጽ ነበረ።

Image

ድሕሪ ክልተ ወርሒ እግዚኣብሄር ንኖህ ንስኻን ስድራኻን ካብታ መርክብ ውጹ፡ ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ድማ ምልእዋ በሎ።

Image

ኖህ ካብታ መርከብ ምስወጸ መሰውኢ ሰሪሑ ካብቶም ንመስዋእቲ ዝዀኑ እንስሳታት ወሲዱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ በቲ መስዋእቲ ተሓጐሰ፡ ንኖህን ስድርኡን ከኣ ባረኾም።

Image

እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ “ሰባት ብዛዕባ ዝገብርዎ ክፉእ ነገር ንምድሪ መሊሰ ከየጥፍኣ ቃል ኣተኹ፡ ሰባት ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ሓጢኣተኛታት እንትዀኑ’ኳ ድሕሪ ደጊም ንዓለም ብማይ ኣይሂ ኣየጥፍኣን”።

Image

እግዚኣብሄር ምልክት ቃል ኪዳኑ ምእንቲ ክኸውን ናይ መጀመርታ ቀስተ ደበና ገበረ። እቲ ቀስተ ደበና ኣብ ሰማይ ይርአ። እግዚኣብሄር በዚ ቀስተ ደበና ንህዝቡ ዝኣተዎ ቃልኪዳን ይዝክሮ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 6-8