3. ማይ ኣይሂ
ድሕሪ ነዊሕ እውናት ኣብዛ ዓለም ብዙሕ ህዝቢ ይነብር ነበረ። ንሳቶም ድማ ኣዝዮም ክፉኣትን ዓመጸኛታትን ኰኑ። ክፍኣት ሰብ ኣዝዩ ብምብዛሑ እግዚኣብሄር ንዓለም ብዘዕለቕልቕ ማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ወሰነ።
ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞጐስ ረኸበ። ኖህ ኣብ ማእከል ኣብቲ ዘበን ዝነበሩ፡ ክፉኣት ሰባት፡ ጻድቕን ሰብ ነበረ። እግዚኣብሄር ንምድሪ ብማይ ከጥፍኣ ከም ዝሓሰበ ንኖህ ነገሮ። ዓባይ መርከብ ክሰርሕ ድማ ንኖህ ኣዘዞ።
እግዚኣብሄር ንኖህ እታ መርከብ፡ ምንዋሓ 140 ሜትሮ፡ ምግፍሓ ድማ 23 ሜትሮ፡ ቁመታ ድማ 13.5 ሜትሮ ይዅን በሎ። እታ ኖህ ዝሰርሓ መርከብ ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐት ኰይና ብዓልቲ ሰለስተ ደርቢ፡ ብዙሕ ክፍልታትን መሳኹትን ዘለዋ ነበረት። እታ መርከብ ንኖህ ምስ ስድርኡ፡ ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እንስሳታት በብዓይነቶም ካብ ማይ ኣይሂ ምእንቲ ክተዕቑቦም ነገሮ።
ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር ብምእዛዝ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ኖህን ሰለስተ ደቁን ነታ መርከብ ሰርሕዋ። እታ መርከብ ኣዝያ ዓባይ ስለዝነበረት ክትስራሕ ብዙሕ ዓመታት ወሰደት። ኖህ ስለ እቲ ዝመጽእ ማይ ኣይሂ ንኹሉ ህዝቢ ብምጥንቃቕ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ ይነግሮም ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኣይኣመንዎን።
ኖህን ስድርኡን ንዓኣቶምን ነቶም እንስሳታትን ዝኸውን እኹል ቀለብ ከዳልዉ እግዚኣብሄር ኣዘዞም። ኩሉ ነገር ምስ ኣዳለዉ፡ ኖህን ሰበይቱን ሰለስቲኦም ደቁን ኣንስቶምን ናብቲ መርከብ ክኣትዉ ጊዜኡ ከምዝኣኸለ ነገሮ። ናብታ መርከብ ድማ ሸሞንተ ሰባት ኣተዉ።
ካብ ማይ ኣይሂ ምእንቲ ከምልጡ ድማ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ተባዕትዮን ኣንስትዮን እንስሳታትን ኣዕዋፍን ወሲኹ ናብ ኖህ ሰደደ። ካብ ኵሎም ዓይነት እንስሳታት ከኣ ንመስዋእቲ ዝዀኑ ሸሸውዓተ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ናብታ ናይ ኖህ መርከብ ሰደዶም። ኩሎም ናብታ መርከብ ምስኣተዉ እግዚኣብሄር ባዕሉ ነቲ ማዕጾ እታ መርከብ ዓጸዎ።
ብድሕሪኡ እቲ ማይ ክዘንም ጀመረ፡ ብዘይ ምቊራጽ ድማ ን40 መዓልትን ለይትን ዘነበ። ካብ ምድሪ ከኣ ምንጪታት ይፍልፍሉ ነበሩ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘሎ ኩሉ ነገር ብማይ ተዋሕጠ፡ እቶም ነዋሕቲ ኣኽራናት እኳ ከይተረፉ ብማይ ተሸፈኑ።
ብዘይካ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰባትን እንስሳታትን ኣብ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ ሰብ ኰነ እንስሳ ኵሉ ነገር ሞተ። እታ መርከብ ኣብቲ ማይ ብምንስፋፍ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ነፍሳት ኵሎም ካብ ሞት ኣድሓነት።
እቲ ማይ ምዝናሙ ደው ምስ ኣበለ፡ እታ መርከብ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ማይ ኣንሰፈፈት። ሽዑ ድማ እቲ ማይ ምንካይ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ከኣ እታ መርከብ ኣብ ርእሲ ከረን ዓረፈት፡ ይዅን እምበር
ኵላ ዓለም ብማይ ተሸፊና ነበረት። ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ጫፍ ኣኽራናት ክርኣዩ ጀመሩ።
ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ እቲ ማይ ነቒጹ እንተዀይኑ ንምፍላጥ ኳዅ ለኣኸ። እቲ ኳዅ ንየው ነጀው እናበለ እንተበረረ እኳ መዕረፊ ዝኾኖ ንቑጽ መሬት ኣይረኸበን።
ብድሕሪኡ ኖህ ርግቢ ለኣኸ። ንሳ’ውን እትዓርፍሉ መሬት ስለዘይረኸበት ናብ ኖህ ተመልሰት። ድሕሪ ሰሙን ኖህ መሊሱ ነታ ርግቢት ሰደዳ። ንሳ ድማ ብኣፋ ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ተመልሰት፡ ምኽንያቱ እቲ ማይ ጐዲሉ ኣእዋም ድማ ድሮ ምጥጣዕ ጀሚሮም ስለ ዝነበሩ እዩ።
ድሕሪ ሰሙን ከኣ ኖህ ነታ ርግቢ መሊሱ ሰዳዳ፡ ሽዑ እትዓርፍሉ ስለ ዝረኸበት ተመሊሳ ኣይመጸቶን። እቲ ማይ ድማ ይነቅጽ ነበረ።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ እግዚኣብሄር ንኖህ ንስኻን ስድራኻን ካብታ መርክብ ውጹ፡ ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ድማ ምልእዋ በሎ።
ኖህ ካብታ መርከብ ምስወጸ መሰውኢ ሰሪሑ ካብቶም ንመስዋእቲ ዝዀኑ እንስሳታት ወሲዱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ በቲ መስዋእቲ ተሓጐሰ፡ ንኖህን ስድርኡን ከኣ ባረኾም።
እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ “ሰባት ብዛዕባ ዝገብርዎ ክፉእ ነገር ንምድሪ መሊሰ ከየጥፍኣ ቃል ኣተኹ፡ ሰባት ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ሓጢኣተኛታት እንትዀኑ’ኳ ድሕሪ ደጊም ንዓለም ብማይ ኣይሂ ኣየጥፍኣን”።
እግዚኣብሄር ምልክት ቃል ኪዳኑ ምእንቲ ክኸውን ናይ መጀመርታ ቀስተ ደበና ገበረ። እቲ ቀስተ ደበና ኣብ ሰማይ ይርአ። እግዚኣብሄር በዚ ቀስተ ደበና ንህዝቡ ዝኣተዎ ቃልኪዳን ይዝክሮ።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 6-8