Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን

Image

እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ብቐይሕ ባሕሪ ምስ መርሖም፡ ብምድረበዳ ገይሩ ሲና ናብ ዝበሃል ከረን ወሰዶም። እዚ እቲ ዝቃጸል ዝነበረ ግናኸ ዘይነድድ ቈጥቋጥ፡ ሙሴ ዝረኣየሉ ከረን እዩ።
እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ እግሪ እቲ ከረን ድንኳኖም ተኸሉ።

Image

እግዚኣብሄር፣ “ንዓይ እንተተኣዚዝኩምን ቃል ኪዳነይ እንተሓሊኹምን፡ ዝኸበረ ርስቲ፡ ናይ ንጉስ ካህናት፡ ከምኡ’ውን ቅዱስ ህዝቢ ክትኰኑለይ ኢኹም” ኢሉ ንሙሴን ንህዝቢ እስራኤልን ነገሮም።

Image

ነቶም ህዝቢ መንፈሳዊ ነገር ብዝምልከት ርእሶም ምስ ኣዳለዉ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ብነጐዳ፡ ብበርቅን ብትክን ከምኡ’ውን ዓው ብዝበለ ድምጺ መለኸትን ናብ ከረን ሲና ወረደ። ናብቲ ከረን ክድይብ እተፈቕደሉ ሙሴ ጥራይ ነበረ።

Image

ብድሕሪኡ፡ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ቃል ኪዳን ብምሃብ፡ “ኣነ ካብ ባርነት ግብጺ ዘውጻእኻ፡ ኣምላኽካ ያህዌ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኽ”፡፡

Image

“ጣኦታት ኣይትስርሕ፡ ኣይተምልኮም’ውን፡ ምኽንያቱ፡ ኣነ ያህዌ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ። ንስመይ ብኸንቱ ኣይትጸውዕ። ንመዓልቲ ሰንበት ቀድሳ። ምኽንያቱ፡ ሽዱሽተ መዓልቲ ሰሪሕኻ፡
እቲ ሻውዓይቲ መዓልቲ እትዓርፈላን ንዓይ እትዝክረላን ዕለት እያ”።

Image

“ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር። ኣይትቕተል። ኣይትዘሙ። ኣይትስረቕ። ኣይትሓሱ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ገዝኡ፡ ወይ ዝዀነ ናቱ ነገር ክትወስድ ኣይትመነ”።

Image

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ነዞም ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ክልተ ጸፋሕቲ ኣእማን ጽሒፉ ንሙሴ ሃቦ። ከምኡ’ውን ክስዕብዎም ዝግባእ ካልኦት ሕግታትን ትእዛዛትን ሃቦም።
እቶም ህዝቢ ነዞም ሕግታት ምስ ዝፍጽሙ እግዚኣብሄር ከምዝባርኾምን ከምዝሕልዎምን ተስፋ ሃቦም።እንተዘይፈጺሞምዎ ግና እግዚኣብሄር ክቐጽዖም እዩ።

Image

ከምኡ’ውን እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ክሰርሕዎ ዘለዎም ድንኳን መግለጺ ሃቦም። ንሱ ከኣ “ድንኳን ምርኻብ” ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ብዓብዪ መጋረጃ ዝተመቕሉ ክልተ ክፍልታት ነበርዎ።
እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር ስለዝነበረ፡ ነቲ መጋረጃ ሓሊፉ ክኣቱ ዝፍቀደሉ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ጥራሕ ነበረ።

Image

ሕጊ እግዚኣብሄር ዘይፍጽም ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣብ ቅድሚት እቲ ድንኳን መራኸቢ ኣብ ዘሎ መሰውኢ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ዝኸውን እንስሳ ሒዙ ይመጽእ።
እቲ ካህን ድማ ነቲ እንስሳ ሓሪዱ ኣብቲ መሰውኢ የቃጽሎ ነበረ። ደም እቲ እንስሳ ንሓጢኣት እቲ ሰብ ብምሽፋን ነቲ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የንጽሆ ነበረ።
ካህናቱ ምእንቲ ክዀኑ ንሓው ሙሴ ንኣሮንን ንዘርኡንእግዚኣብሄር መረጸ።

Image

ኩሎም እቶም ህዝቢ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሃቦም ትእዛዛት ንምፍጻም፡ ንእግዚኣብሄር ጥራሕ ንምምላኽን ዝተፈልየ ህዝቡ ንምዃንን ተሰማምዑ።
ይኹን እምበር ንእግዚኣብሄር ንምእዛዝ ቃል ምስ ኣተዉ፡ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ዝኸፍአ ሓጢኣት ሰርሑ።

Image

ሙሴ ንብዙሕ መዓልቲ ኣብ ጫፍ ከረን ሲና ኰይኑ ምስ እግዚኣብሄር ይዘራረብ ነበረ። እቶም ህዝቢ ግና ንዕኡ ምጽባይ ተሃከዩ። ስለዚ ናብ ኣሮን ወርቂ ኣምጺኦም ጣኦት ክሰርሐሎም ለመንዎ።

Image

ኣሮን ድማ ብመልክዕ ምራኽ ናይ ወርቂ ጣዖት ሰርሐሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ቅጥዒ ብዘይብሉ ኩነታት ነቲ ጣዖት ከምልኹ ጀመሩ። መስዋእት’ውን ሰውኡሉ። ብሓጥያቶም ከኣ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቘጥዐ። ከጥፍኦም’ውን ሓሰበ። ነገር ግን ሙሴ ብዛዕብኣቶም ፀለየ። እግዚኣብሄር ፀሎቱ ስለዝሰምዐ ድማ ኣየጥፍኦምን።

Image

ሙሴ ካብቲ እምባ ወሪዱ ነቲ ጣኦት ምስረኣየ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ነቶም ዓሰርተ ትእዛዛት ዝተጻሕፉሎም ጸፋሕቲ ኣእማን ከኣ ሰባበሮም።

Image

ብድሕሪኡ ሙሴ ነቲ ጣዖት ጠሓኖ፤ ኣብ ማይ ድማ በተኖ፤ ነቶም ህዝቢ ከኣ ኣሰተዮም። እግዚኣብሄር ኣብቶም ህዝቢ መቕዘፍቲ ሰዲዱ ካብኣቶም ብዙሓት ሞቱ።

Image

ሙሴ መሊሱ ናብቲ ከረን ወጺኡ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ይቕረ ክብለሎም ጸለየ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ሰሚዑ ድማ ይቕረ በለሎም።
ነቶም ዝሰባበሮም ጸፋሕቲ ኣእማን ብምትካእ ኣብ ካልኦት ጸፋሕቲ ኣእማን ነቶም ዓሰርተ ትእዛዛት ጸሓፎም።

Image

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ካብ ከረን ሲና ናብታ ምድሪ ተስፋ መርሖም።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 19-34።