13. እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ዝገበሮ ቃል ኪዳን
እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ብቐይሕ ባሕሪ ምስ መርሖም፡ ብምድረበዳ ገይሩ ሲና ናብ ዝበሃል ከረን ወሰዶም። እዚ እቲ ዝቃጸል ዝነበረ ግናኸ ዘይነድድ ቈጥቋጥ፡ ሙሴ ዝረኣየሉ ከረን እዩ።
እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ እግሪ እቲ ከረን ድንኳኖም ተኸሉ።
እግዚኣብሄር፣ “ንዓይ እንተተኣዚዝኩምን ቃል ኪዳነይ እንተሓሊኹምን፡ ዝኸበረ ርስቲ፡ ናይ ንጉስ ካህናት፡ ከምኡ’ውን ቅዱስ ህዝቢ ክትኰኑለይ ኢኹም” ኢሉ ንሙሴን ንህዝቢ እስራኤልን ነገሮም።
ነቶም ህዝቢ መንፈሳዊ ነገር ብዝምልከት ርእሶም ምስ ኣዳለዉ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ብነጐዳ፡ ብበርቅን ብትክን ከምኡ’ውን ዓው ብዝበለ ድምጺ መለኸትን ናብ ከረን ሲና ወረደ። ናብቲ ከረን ክድይብ እተፈቕደሉ ሙሴ ጥራይ ነበረ።
ብድሕሪኡ፡ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ቃል ኪዳን ብምሃብ፡ “ኣነ ካብ ባርነት ግብጺ ዘውጻእኻ፡ ኣምላኽካ ያህዌ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኽ”፡፡
“ጣኦታት ኣይትስርሕ፡ ኣይተምልኮም’ውን፡ ምኽንያቱ፡ ኣነ ያህዌ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ። ንስመይ ብኸንቱ ኣይትጸውዕ። ንመዓልቲ ሰንበት ቀድሳ። ምኽንያቱ፡ ሽዱሽተ መዓልቲ ሰሪሕኻ፡
እቲ ሻውዓይቲ መዓልቲ እትዓርፈላን ንዓይ እትዝክረላን ዕለት እያ”።
“ኣቦኻን ኣደኻን ኣኽብር። ኣይትቕተል። ኣይትዘሙ። ኣይትስረቕ። ኣይትሓሱ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ገዝኡ፡ ወይ ዝዀነ ናቱ ነገር ክትወስድ ኣይትመነ”።
ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ነዞም ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ክልተ ጸፋሕቲ ኣእማን ጽሒፉ ንሙሴ ሃቦ። ከምኡ’ውን ክስዕብዎም ዝግባእ ካልኦት ሕግታትን ትእዛዛትን ሃቦም።
እቶም ህዝቢ ነዞም ሕግታት ምስ ዝፍጽሙ እግዚኣብሄር ከምዝባርኾምን ከምዝሕልዎምን ተስፋ ሃቦም።እንተዘይፈጺሞምዎ ግና እግዚኣብሄር ክቐጽዖም እዩ።
ከምኡ’ውን እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቲ ክሰርሕዎ ዘለዎም ድንኳን መግለጺ ሃቦም። ንሱ ከኣ “ድንኳን ምርኻብ” ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ብዓብዪ መጋረጃ ዝተመቕሉ ክልተ ክፍልታት ነበርዎ።
እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር ስለዝነበረ፡ ነቲ መጋረጃ ሓሊፉ ክኣቱ ዝፍቀደሉ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ጥራሕ ነበረ።
ሕጊ እግዚኣብሄር ዘይፍጽም ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣብ ቅድሚት እቲ ድንኳን መራኸቢ ኣብ ዘሎ መሰውኢ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ዝኸውን እንስሳ ሒዙ ይመጽእ።
እቲ ካህን ድማ ነቲ እንስሳ ሓሪዱ ኣብቲ መሰውኢ የቃጽሎ ነበረ። ደም እቲ እንስሳ ንሓጢኣት እቲ ሰብ ብምሽፋን ነቲ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የንጽሆ ነበረ።
ካህናቱ ምእንቲ ክዀኑ ንሓው ሙሴ ንኣሮንን ንዘርኡንእግዚኣብሄር መረጸ።
ኩሎም እቶም ህዝቢ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሃቦም ትእዛዛት ንምፍጻም፡ ንእግዚኣብሄር ጥራሕ ንምምላኽን ዝተፈልየ ህዝቡ ንምዃንን ተሰማምዑ።
ይኹን እምበር ንእግዚኣብሄር ንምእዛዝ ቃል ምስ ኣተዉ፡ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ዝኸፍአ ሓጢኣት ሰርሑ።
ሙሴ ንብዙሕ መዓልቲ ኣብ ጫፍ ከረን ሲና ኰይኑ ምስ እግዚኣብሄር ይዘራረብ ነበረ። እቶም ህዝቢ ግና ንዕኡ ምጽባይ ተሃከዩ። ስለዚ ናብ ኣሮን ወርቂ ኣምጺኦም ጣኦት ክሰርሐሎም ለመንዎ።
ኣሮን ድማ ብመልክዕ ምራኽ ናይ ወርቂ ጣዖት ሰርሐሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ቅጥዒ ብዘይብሉ ኩነታት ነቲ ጣዖት ከምልኹ ጀመሩ። መስዋእት’ውን ሰውኡሉ። ብሓጥያቶም ከኣ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቘጥዐ። ከጥፍኦም’ውን ሓሰበ። ነገር ግን ሙሴ ብዛዕብኣቶም ፀለየ። እግዚኣብሄር ፀሎቱ ስለዝሰምዐ ድማ ኣየጥፍኦምን።
ሙሴ ካብቲ እምባ ወሪዱ ነቲ ጣኦት ምስረኣየ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ነቶም ዓሰርተ ትእዛዛት ዝተጻሕፉሎም ጸፋሕቲ ኣእማን ከኣ ሰባበሮም።
ብድሕሪኡ ሙሴ ነቲ ጣዖት ጠሓኖ፤ ኣብ ማይ ድማ በተኖ፤ ነቶም ህዝቢ ከኣ ኣሰተዮም። እግዚኣብሄር ኣብቶም ህዝቢ መቕዘፍቲ ሰዲዱ ካብኣቶም ብዙሓት ሞቱ።
ሙሴ መሊሱ ናብቲ ከረን ወጺኡ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ይቕረ ክብለሎም ጸለየ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ሰሚዑ ድማ ይቕረ በለሎም።
ነቶም ዝሰባበሮም ጸፋሕቲ ኣእማን ብምትካእ ኣብ ካልኦት ጸፋሕቲ ኣእማን ነቶም ዓሰርተ ትእዛዛት ጸሓፎም።
ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ካብ ከረን ሲና ናብታ ምድሪ ተስፋ መርሖም።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 19-34።