Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

8. እግዚኣብሄር ንዮሴፍን ቤተሰቡን ኣድሓኖም

Image

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ያእቆብ ምስ ኣረገ እቶም ማል ዝሕልዉ ኣሕዋቱ ከመይ ከምዘለዉ ምእንቲ ክርእዮም ነቲ ዝፈትዎ ወዱ ዮሴፍ ለኣኾ።

Image

ኣቡኦም ያእቆብ ንዮሴፍ ካብ ኣሕዋቱ ሓለፋ ይፈትዎ ስለዝነበረን ዮሴፍ’ውን ሓለቓ ኣሕዋቱ ከምዝኸውን ሕልሚ ርእዩ ስለዝነበረ ኣሕዋቱ ንዮሴፍ ጸልእዎ። ስለዚ ዮሴፍ፡ ኣሕዋቱ ክሓትት ናብኣቶም ምስ መጸ፡ እቶም ኣሕዋቱ ጨውዮም ባሮት ንዝነግዱ ነጋዶ ሸጥዎ።

Image

ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ገዝኦም ቅድሚ ምምላሶም ነቲ ዮሴፍ ይኽደኖ ዝነበረ ቀምሽ ቀዳዲዶም ብደም ወጠጦ ለኽይዎ። ብድሕሪኡ ነቲ ብደም ዝተኣልከ ቀምሽ ነቡኦም ኣርአይዎ። ንሱ ከኣ ኣራዊት በረኻ ቀቲልዎ እዩ ኢሉ ሓሰበ፡ ኣዝዩ’ውን ሓዘነ።

Image

እቶም ነጋዶ ድማ ንዮሴፍ ንግብጺ ወሰድዎ። ሽዑ ግብጺ ኣብ ጥቓ ሩባ ኒል እትርከብ ዓባይን ሓያልን ሃገር ነበረት። እቶም ባሮት ዝነግዱ ንዮሴፍ ንሓደ ብዓል ስልጣን ሃብታም ሰብኣይ ሸጥዎ። ዮሴፍ ድማ ንፉዕ ኣገልጋሊ ነበረ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዮሴፍ ባረኾ።

Image

ሰበይቲ ጐይትኡ ንዮሴፍ ምስ ዮሴፍ ክትድቅስ ደለየት። ዮሴፍ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ኣይሰርሕን ኢሉ እምቢ በላ። ንሳ ድማ ሓሪቓ ብሓሶት ከሲሳ ተታሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ገበረት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ’ኳ እንተኣተወ ንእግዚኣብሄር እሙን ኰይኑ ስለ እተረኽበ፡ እግዚኣብሄር ባረኾ።

Image

ንጹህ ሰብ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክልተ ዓመት ገበረ። ሓደ ለይቲ ንጉስ ግብጺ “ፈርኦን” ክርድኦም ዘይከኣለ ክልተ ዘፍርሑ ሕልምታት ሓለመ። ካብ ኣማኸርቱ ሓደ’ኳ ነቶም ሕልምታት ክፈትሐሉ ዝኸኣለ ኣይነበረን።

Image

እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ሕልሚ ናይ ምትርጓም ውህበት ዓዲልዎ ነበረ። ስለዚ ፈርኦን ንዮሴፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣጸውዖ። ዮሴፍ ንሕልሚ ፈርኦን ብምትርጓም፡ “እግዚኣብሄር ሸውዓተ ናይ ጽጋብ ዓመታት ከምጽእ እዩ፡ ብድሕሪኡ ድማ ሸውዓተ ናይ ጥሜት ዓመታት ክመጹ እዮም” በሎ።

Image

ፈርኦን ብዮሴፍ ኣዝዩ ገረሞ፡ ኣብ ኵላ ግብጺ ድማ ካብኡ ቀጺሉ ካልኣይ ብዓል ስልጣን ገይሩ ሸሞ።

Image

ዮሴፍ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣብተን ሸውዓተ ናይ ጽጋብ ዓመታት ብዙሕ እኽሊ ኣብ ማዕኸናት ከዋህልሉ ነገሮም። እተን ናይ ጥሜት ሸውዓተ ዓመታት ምስ መጻ ዮሴፍ ካብቶም ቆፎታት እኽሊ እናውጽአ ብምሻጡ እኹል ዝብላዕ ምግቢ ረኸቡ።

Image

እቲ ጥሜት ኣብ ግብጺ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ያእቆብን ስድርኡን ዝነብሩሉ ከንኣን’ውን ኣትዩ ነበረ።

Image

ስለዚ እኽሊ ምእንቲ ክሽምቱ ያእቆብ ንደቁ ናብ ግብጺ ለኣኾም። ኣሕዋት ዮሴፍ እኽሊ ክሽምቱ ከይዶም ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው ምስ በሉ፡ ዮሴፍ ከምዝዀነ ኣይፈለጥዎን፡ ንሱ ግና ኣለልይዎም ነበረ።

Image

ነሕዋቱ ምስ ፈተኖም ተለዊጦም እንተኾይኖም ክርኢ፡“ኣይትፍርሑ፡ ኣነ ሓውኩም ዮሴፍ እየ፡ ንባርነት ክትሸጡኒ ከለኹም ክፉእ ክተብጽሑለይ ፈቲንኩም ኔርኩም ኢኹም፡ ይኹን እምበር እግዚኣብሄር ነቲ ክፉእ ንሰናይ ገበሮ፡ ናብ ግብጺ መጺኹም ድማ ተቐመጡ፡ ንዓኻትኩምን ንቤተሰብኩምን ዘድልየኩም ነገር ኩሉ ከዳልወልኩም እየ” በሎም።

Image

ኣሕዋት ዮሴፍ ንዓዶም ተመሊሶም ዮሴፍ ብህይወት ከምዘሎ ነቡኦም ንያእቆብ ምስ ነገርዎ ያእቆብ ኣዝዩ ተሓጐሰ።

Image

ዋላ’ኳ ያእቆብ ኣሪጉ እንተዀነ ምስ ኵሎም ቤተሰቡ ናብ ግብጺ ከይዶም ኣብኡ ተቐመጡ። ያእቆብ ቅድሚ ምሟቱ ንነፍሲ ወከፍ ደቁ ባረኾም።

Image

እግዚኣብሄር ንአብርሃም ዝሃቦም ተስፋ ቃል ኪዳኑ መጀመርታ ናብ ይስሃቕ ተመሓላለፈ፡ ካብኡ ድማ ናብ ያእቆብ፡ ሕጂ ድማ ናብቶም ዓሰርተ ክልተ ደቂ ያእቆብን ቤተሰቦምን ተመሓላለፈ። እቶም ዓሰርተ ክልተ ደቂ ያእቆብን ዘርኦምን ከኣ ዓሰርተ ክልቲኦም ነገዳት እስራኤል ኰኑ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 37-50።