8. እግዚኣብሄር ንዮሴፍን ቤተሰቡን ኣድሓኖም
ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ያእቆብ ምስ ኣረገ እቶም ማል ዝሕልዉ ኣሕዋቱ ከመይ ከምዘለዉ ምእንቲ ክርእዮም ነቲ ዝፈትዎ ወዱ ዮሴፍ ለኣኾ።
ኣቡኦም ያእቆብ ንዮሴፍ ካብ ኣሕዋቱ ሓለፋ ይፈትዎ ስለዝነበረን ዮሴፍ’ውን ሓለቓ ኣሕዋቱ ከምዝኸውን ሕልሚ ርእዩ ስለዝነበረ ኣሕዋቱ ንዮሴፍ ጸልእዎ። ስለዚ ዮሴፍ፡ ኣሕዋቱ ክሓትት ናብኣቶም ምስ መጸ፡ እቶም ኣሕዋቱ ጨውዮም ባሮት ንዝነግዱ ነጋዶ ሸጥዎ።
ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ገዝኦም ቅድሚ ምምላሶም ነቲ ዮሴፍ ይኽደኖ ዝነበረ ቀምሽ ቀዳዲዶም ብደም ወጠጦ ለኽይዎ። ብድሕሪኡ ነቲ ብደም ዝተኣልከ ቀምሽ ነቡኦም ኣርአይዎ። ንሱ ከኣ ኣራዊት በረኻ ቀቲልዎ እዩ ኢሉ ሓሰበ፡ ኣዝዩ’ውን ሓዘነ።
እቶም ነጋዶ ድማ ንዮሴፍ ንግብጺ ወሰድዎ። ሽዑ ግብጺ ኣብ ጥቓ ሩባ ኒል እትርከብ ዓባይን ሓያልን ሃገር ነበረት። እቶም ባሮት ዝነግዱ ንዮሴፍ ንሓደ ብዓል ስልጣን ሃብታም ሰብኣይ ሸጥዎ። ዮሴፍ ድማ ንፉዕ ኣገልጋሊ ነበረ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዮሴፍ ባረኾ።
ሰበይቲ ጐይትኡ ንዮሴፍ ምስ ዮሴፍ ክትድቅስ ደለየት። ዮሴፍ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ኣይሰርሕን ኢሉ እምቢ በላ። ንሳ ድማ ሓሪቓ ብሓሶት ከሲሳ ተታሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ገበረት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ’ኳ እንተኣተወ ንእግዚኣብሄር እሙን ኰይኑ ስለ እተረኽበ፡ እግዚኣብሄር ባረኾ።
ንጹህ ሰብ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክልተ ዓመት ገበረ። ሓደ ለይቲ ንጉስ ግብጺ “ፈርኦን” ክርድኦም ዘይከኣለ ክልተ ዘፍርሑ ሕልምታት ሓለመ። ካብ ኣማኸርቱ ሓደ’ኳ ነቶም ሕልምታት ክፈትሐሉ ዝኸኣለ ኣይነበረን።
እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ሕልሚ ናይ ምትርጓም ውህበት ዓዲልዎ ነበረ። ስለዚ ፈርኦን ንዮሴፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣጸውዖ። ዮሴፍ ንሕልሚ ፈርኦን ብምትርጓም፡ “እግዚኣብሄር ሸውዓተ ናይ ጽጋብ ዓመታት ከምጽእ እዩ፡ ብድሕሪኡ ድማ ሸውዓተ ናይ ጥሜት ዓመታት ክመጹ እዮም” በሎ።
ፈርኦን ብዮሴፍ ኣዝዩ ገረሞ፡ ኣብ ኵላ ግብጺ ድማ ካብኡ ቀጺሉ ካልኣይ ብዓል ስልጣን ገይሩ ሸሞ።
ዮሴፍ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣብተን ሸውዓተ ናይ ጽጋብ ዓመታት ብዙሕ እኽሊ ኣብ ማዕኸናት ከዋህልሉ ነገሮም። እተን ናይ ጥሜት ሸውዓተ ዓመታት ምስ መጻ ዮሴፍ ካብቶም ቆፎታት እኽሊ እናውጽአ ብምሻጡ እኹል ዝብላዕ ምግቢ ረኸቡ።
እቲ ጥሜት ኣብ ግብጺ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ያእቆብን ስድርኡን ዝነብሩሉ ከንኣን’ውን ኣትዩ ነበረ።
ስለዚ እኽሊ ምእንቲ ክሽምቱ ያእቆብ ንደቁ ናብ ግብጺ ለኣኾም። ኣሕዋት ዮሴፍ እኽሊ ክሽምቱ ከይዶም ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው ምስ በሉ፡ ዮሴፍ ከምዝዀነ ኣይፈለጥዎን፡ ንሱ ግና ኣለልይዎም ነበረ።
ነሕዋቱ ምስ ፈተኖም ተለዊጦም እንተኾይኖም ክርኢ፡“ኣይትፍርሑ፡ ኣነ ሓውኩም ዮሴፍ እየ፡ ንባርነት ክትሸጡኒ ከለኹም ክፉእ ክተብጽሑለይ ፈቲንኩም ኔርኩም ኢኹም፡ ይኹን እምበር እግዚኣብሄር ነቲ ክፉእ ንሰናይ ገበሮ፡ ናብ ግብጺ መጺኹም ድማ ተቐመጡ፡ ንዓኻትኩምን ንቤተሰብኩምን ዘድልየኩም ነገር ኩሉ ከዳልወልኩም እየ” በሎም።
ኣሕዋት ዮሴፍ ንዓዶም ተመሊሶም ዮሴፍ ብህይወት ከምዘሎ ነቡኦም ንያእቆብ ምስ ነገርዎ ያእቆብ ኣዝዩ ተሓጐሰ።
ዋላ’ኳ ያእቆብ ኣሪጉ እንተዀነ ምስ ኵሎም ቤተሰቡ ናብ ግብጺ ከይዶም ኣብኡ ተቐመጡ። ያእቆብ ቅድሚ ምሟቱ ንነፍሲ ወከፍ ደቁ ባረኾም።
እግዚኣብሄር ንአብርሃም ዝሃቦም ተስፋ ቃል ኪዳኑ መጀመርታ ናብ ይስሃቕ ተመሓላለፈ፡ ካብኡ ድማ ናብ ያእቆብ፡ ሕጂ ድማ ናብቶም ዓሰርተ ክልተ ደቂ ያእቆብን ቤተሰቦምን ተመሓላለፈ። እቶም ዓሰርተ ክልተ ደቂ ያእቆብን ዘርኦምን ከኣ ዓሰርተ ክልቲኦም ነገዳት እስራኤል ኰኑ።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፍጥረት 37-50።