27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ
ሓደ መዓልቲ ሓደ ኣይሁዳዊ ፈላጥ ሕጊ ንኢየሱስ ክፍትኖ መጸ፡ “መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስ እንታይ ክገብር” በሎ። ኢየሱስ ድማ፡ “ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እንታይ ተጻሒፉ ይርከብ” በሎ።
እቲ ፈላጥ ሕጊ ድማ፣ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍጹም ልብኻ፡ ብፍጹም ነፍስኻ፡ ብፍጹም ሓይልኻን ብፍጹም ሓሳብካን ኣፍቅሮ። ንብጻይካ’ውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅ” ይብል ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ጽቡቕ መለስካ ከምኡ ግበር ብህይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ።
እቲ ፈላጥ ሕጊ ግና ጻድቕ ከምዝዀነ ከፍልጥ ደልዩ፣ “ብፃየይከ መን እዩ” ኢሉ ሓተቶ።
ኢየሱስ ሓደ ታሪኽ ብምንጋር ነቲ ፈላጥ ሕጊ መለሰሉ፡ “ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ይኸይድ ዝነበረ ሓደ ኣይሁዳዊ ነበረ”።
እቲ ሰብኣይ እናኸደ እንተሎ ከተርቲ ሓዝዎ። ነቲ ዝሓዞ ኩሉ ኣሕዲጎም ዳርጋ ምዉት ገይሮም ቀጥቂጦም ደርብዮምዎ ከዱ።
“ሓደ ኣይሁዳዊ ካህን ብእኡ ይሓልፍ ነበረ። እዚ መራሒ ሃይማኖት ነቲ ዝተዘረፈን ዝተወቕዐን ሰብኣይ ምስ ረአዮ ልግስ ኢሉ ከደ“ ነቲ ሓገዝ ዝደሊ ዝነበረ ሰብ ሸለል ኢሉ መንገዱ ቀጸለ።
“ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ሌዋዊ ብእኡ ሓለፈ። (ሌዋውያን ኣብ ቤተመቕደስ ንኣይሁዳውያን ዝሕግዙ ዓሌት እስራኤላውያን ነበሩ።) እቲ
ሌዋዊ’ውን ከምቲ ካህን ልግስ ኢሉ ነቲ ዝተገርፈን ዝተወቕዐን ሰብ ሸለል ኢልዎ ከደ።
“በቲ መንገዲ ዝሓለፈ ካልእ ሰብ ድማ ሳምራዊ ነበረ”። (ሳምራውያን ካብ ካልኦት ዓሌት ዝተመርዓዉ ኣይሁዳውያን እዮም። ሳምራውያንን ኣይሁዳውያንን ንሕድሕዶም ኣይፋተዉን ነበሩ።) ነገር ግን እቲ ሳምራዊ ነቲ ኣይሁዳዊ ምስረኣዮ ራሕርሓሉ። ስለዚ ተኸናኺኑ ኣቊስሉ ሰፈፈሉ።
“ሽዑ እቲ ሳምራዊ ነቲ ሰብኣይ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጉ ኣወጥሖ’ሞ ናብ መሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ”።
“ንጽባሒቱ እቲ ሳምራዊ መገዱ ክቕጽል ስለዝደለየ ነቲ ብዓል ቤት ገንዘብ ሂቡ፡ ‘ተኸናኸኖ፣ ካብዚ ንላዕሊ እንተውጺእኻ ድማ ክምለስ ከለኹ ክኸፍለካ እየ’ በሎ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ነቲ ፈላጥ ሕጊ፡ “ እንታይ ትብል፧ ነቲ ዝተዘርፈን ዝተወቕዐን ሰብ ካብቶም ሰለስተ ብጻዩ ኣየናይ እዩ”፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፣ “እቲ ዝራሕርሕሉ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ፣ “ንስኻ’ውን ኬድካ ከምኡ ግበር” ኢሉ ነገሮ።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ሉቃስ 10፡25-37።