Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

27. ታሪኽ እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ

Image

ሓደ መዓልቲ ሓደ ኣይሁዳዊ ፈላጥ ሕጊ ንኢየሱስ ክፍትኖ መጸ፡ “መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስ እንታይ ክገብር” በሎ። ኢየሱስ ድማ፡ “ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እንታይ ተጻሒፉ ይርከብ” በሎ።

Image

እቲ ፈላጥ ሕጊ ድማ፣ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍጹም ልብኻ፡ ብፍጹም ነፍስኻ፡ ብፍጹም ሓይልኻን ብፍጹም ሓሳብካን ኣፍቅሮ። ንብጻይካ’ውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅ” ይብል ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ጽቡቕ መለስካ ከምኡ ግበር ብህይወት ክትነብር ኢኻ” በሎ።

Image

እቲ ፈላጥ ሕጊ ግና ጻድቕ ከምዝዀነ ከፍልጥ ደልዩ፣ “ብፃየይከ መን እዩ” ኢሉ ሓተቶ።

Image

ኢየሱስ ሓደ ታሪኽ ብምንጋር ነቲ ፈላጥ ሕጊ መለሰሉ፡ “ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ይኸይድ ዝነበረ ሓደ ኣይሁዳዊ ነበረ”።

Image

እቲ ሰብኣይ እናኸደ እንተሎ ከተርቲ ሓዝዎ። ነቲ ዝሓዞ ኩሉ ኣሕዲጎም ዳርጋ ምዉት ገይሮም ቀጥቂጦም ደርብዮምዎ ከዱ።

Image

“ሓደ ኣይሁዳዊ ካህን ብእኡ ይሓልፍ ነበረ። እዚ መራሒ ሃይማኖት ነቲ ዝተዘረፈን ዝተወቕዐን ሰብኣይ ምስ ረአዮ ልግስ ኢሉ ከደ“ ነቲ ሓገዝ ዝደሊ ዝነበረ ሰብ ሸለል ኢሉ መንገዱ ቀጸለ።

Image

“ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ሓደ ሌዋዊ ብእኡ ሓለፈ። (ሌዋውያን ኣብ ቤተመቕደስ ንኣይሁዳውያን ዝሕግዙ ዓሌት እስራኤላውያን ነበሩ።) እቲ
ሌዋዊ’ውን ከምቲ ካህን ልግስ ኢሉ ነቲ ዝተገርፈን ዝተወቕዐን ሰብ ሸለል ኢልዎ ከደ።

Image

“በቲ መንገዲ ዝሓለፈ ካልእ ሰብ ድማ ሳምራዊ ነበረ”። (ሳምራውያን ካብ ካልኦት ዓሌት ዝተመርዓዉ ኣይሁዳውያን እዮም። ሳምራውያንን ኣይሁዳውያንን ንሕድሕዶም ኣይፋተዉን ነበሩ።) ነገር ግን እቲ ሳምራዊ ነቲ ኣይሁዳዊ ምስረኣዮ ራሕርሓሉ። ስለዚ ተኸናኺኑ ኣቊስሉ ሰፈፈሉ።

Image

“ሽዑ እቲ ሳምራዊ ነቲ ሰብኣይ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጉ ኣወጥሖ’ሞ ናብ መሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ”።

Image

“ንጽባሒቱ እቲ ሳምራዊ መገዱ ክቕጽል ስለዝደለየ ነቲ ብዓል ቤት ገንዘብ ሂቡ፡ ‘ተኸናኸኖ፣ ካብዚ ንላዕሊ እንተውጺእኻ ድማ ክምለስ ከለኹ ክኸፍለካ እየ’ በሎ።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ነቲ ፈላጥ ሕጊ፡ “ እንታይ ትብል፧ ነቲ ዝተዘርፈን ዝተወቕዐን ሰብ ካብቶም ሰለስተ ብጻዩ ኣየናይ እዩ”፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፣ “እቲ ዝራሕርሕሉ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ፣ “ንስኻ’ውን ኬድካ ከምኡ ግበር” ኢሉ ነገሮ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ሉቃስ 10፡25-37።