Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

43. መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን

Image

ኢየሱስ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ፡ ደቀ መዛሙርቲ ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ኣብ ኢየሩሳሌም ጸንሑ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣመንቲ ድማ ከየቋረጹ ንምጽላይ ይእከቡ ነበሩ።

Image

ኣይሁድ በብዓመቱ ድሕሪ ፋሲጋ ኣብ ዘለዋ 50 መዓልቲ ጴንጤቆስጤ ዝበሃል ኣድላዪ መዓልቲ የብዕሉ ነበሩ። ጴንጤቆስጤ፡ ኣይሁድ በዓል ቀውዒ ዘብዕሉሉ መዓልቲ እዩ። ኣይሁድ ንጴንጤቆስጤ ብሓባር ከብዕሉ ካብ ምሉእ ዓለም ናብ ኢየሩሳሌም ይመጹ ነበሩ። ኣብዚ ዓመት፡ ኢየሱስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ጴንጤቆስጤ ዝበዓለሉ እዋን በጽሐ።

Image

ኣመንቲ ኩሎም ብሓባር ተኣኪቦም ከለዉ፡ ብሃንደበት እቲ ዝነበርዎ ቤት ድምጺ ብዝመስል ንፋስ ተመልአ። ሽዑ ኣብ ርእሲ ኩሎም ኣመንቲ ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስል ነገር ተራእየ። ኩሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም ብኻልኦት ቋንቋታት ምዝራብ ጀመሩ።

Image

ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ድምጺ ምስ ሰምዑ፡ እንታይ ከምዝዀነ ክርእዩ ተኣኪቦም መጹ። እቶም ኣመንቲ ዘደንቕ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ምስ ሰምዑ፡ ነዞም ነገራት በብቛንቊኦም ብምስምዖም ተገረሙ።

Image

ገሊኦም ሰባት፡ እዞም ደቀ መዛሙርቲ ሰኺሮም እዮም በሉ። ነገር ግን ጴጥሮስ ደው በለ’ሞ፡ “ስምዑኒ! እዞም ሰብ ኣይሰኸሩን! እዚ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ ኢዩኤል፡ “ኣብ መወዳእታ መዓልቲ፡ ንመንፈሰይ ከፍስስ እየ” ዝበሎ ትንቢት ተፈጺሙ ማለት እዩ በሎም።

Image

“ህዝቢ እስራኤል፡ ከምቲ ዝረኣይኩምዎን ኣቐዲምኩም እትፈልጥዎን ኢየሱስ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ብዙሓት ዓበይቲ ምልክታትን ትእምርትን ዝገበረ ሰብ እዩ። ንስኻትኩም ግና ሰቒልኩምዎ፡፡

Image

“ዋላኳ ኢየሱስ ይሙት እምበር፡ እግዚኣብሄር ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። እዚ ድማ እቲ፡ “ንቕዱስካ ኣብ መቓብር ምብስባስ ክርኢ ኣይትገድፎን” ዝብል ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም እዩ። ኣምላኽ ንኢየሱስ ህያው ገይሩ ከምዘተንስኦ ድማ ንሕና መሰኻኽር ኢና።

Image

“ኢየሱስ ሕጂ ኣብ የማን ኣምላኽ ልዕል ኢሉ ይርከብ። ከምኡ’ውን ኢየሱስ ልክዕ ከምቲ ዘተስፈዎ ንመንፈስ ቅዱስ ለኣኸ። ነዞም ሕጂ እትርእይዎምን እትሰምዑዎምን ነገራት እዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ገበሮ።

Image

“ንኢየሱስ ሰቐልኩምዎ። ኣምላኽ ግና ንኢየሱስ ጐይታን መሲሕን ከምዝገበሮ ብርግጽ ፍለጡ”፡፡

Image

ንጴጥሮስ ይሰምዑ ዝነበሩ ሰባት በቲ ዝተዛረቦም ነገር ተተንከፉ። ስለዚ ንጴጥሮስን ንደቀ መዛሙርትን፡ “ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ’ሞ ንግበር”፧ ኢሎም ሓተትዎም።

Image

ጴጥሮስ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ “እግዚኣብሄር ምእንቲ ሓጥያትኩም ይቕረ ክብለልኩም ተነስሑን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ኸኣ ተጠመቑ። ብድሕሪኡ ንሱ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ክህበኩም እዩ”።

Image

3000 ዝዀኑ ሰባት ነቲ ጴጥሮስ ዝተዛረቦ ሰሚዖም ብምእማን ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ኰኑ። ተጠሚቖም ድማ ምእመን እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤተክርስቲያን ኰኑ።

Image

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዘይምቊራጽ ንትምህርቲ ሃዋርያት ይሰምዑ ነበሩ፡ ግዚኦም’ውን ብሓባር የሕልፉ ነበሩ፡ ሓቢሮም ድማ ይበልዑን ንሕድሕዶም ይጽልዩ ነበሩ። ብሓባር ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ዘለዎም ኩሉ’ውን ንሕድሕድ ይማቑሉን ይተሓላለዩን ነበሩ። ኣብ ኵሉ ሰብ ኸኣ ሞገስ ነበሮም፡፡ ኣብ ጸጽባሕ ድማ ብዙሓት ሰባት ይኣምኑ ነበሩ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ግብሪ ሃዋርያት 2።