Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ

Image

ዮሴፍ ምስ ሞተ ኣዝማዱ ኩሎም ኣብ ግብጺ ጸንሑ። ንሳቶምን ዘርኦምን ንብዙሕ ዓመት ኣብኡ ተቐመጡ። ብዙሓት ድማ ወለዱ። ንሳቶም ድማ “እስራኤላውያን” ተባሂሎም ተጸውዑ።

Image

ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ቁጽሪ እስራኤላውያን እናበዝሐ መጸ። ግብጻውያን ንዮሴፍን ንኣታቶም ዝገበሮ ኩሉ ሓገዝን ረስዕዎ። እስራኤላውያን እናበዝሑ ስለዝመጹ ግብጻውያን ፈርሕዎም። ስለዚ እቲ ሽዑ ንግብጺ ዘማሓድር ዝነበረ ፈርኦን፡ እስራኤላውያን ባሮት ግብጻውያን ገበሮም።

Image

እስራኤላውያን ቀጽርታት ክሰርሑን ነቲ ከተማ ኵላ ክሃንጹን ግብጻውያን የገድድዎም ነበሩ። ብብዝሒ ስራሕ ድማ ላሕ ኣበልዎም። ግናኸ እግዚኣብሄር ባረኾም፡ ብዙሓት ውሉድ ድማ ሃቦም።

Image

ፈርዖን፡ እስራኤላውያን ብዙሓት ህጻናት ከምዝወለዱ ምስ ረኣየ፡ ሽዑ ፈርኦን ካብ እስራኤላውያን ኣወዳት ምስ ዝውለዱ ኩሎም ኣብ ሩባ ኒል ክድርብይዎ ንህዝቢ ኣዘዘ።

Image

ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ ወዲ ወለደት፡ ንሳን ሰብኣያን ድማ ክሳብ ዝከኣሎም ነቲ ቈልዓ ሓብእዎ።

Image

እቶም ወለዱ ድማ ነዚ ቈልዓ ምሕብኡ ምስ ሰኣኑ፡ ምእንቲ ከይመውት ሳጹን ሻምብቆ ብቕጥራንን ብዕንዲዳን ለቢጦም ብምድላው ነቲ ቈልዓ ኣእትዮም፡ ኣብ ወሰን ሩባ ኒል ኣብ ዝርከብ ሰልሰላ ኣንበርዎ። ዓባይ

ሓብቱ ድማ እንታይ ከምዝበጽሖ ክትርኢ ኣብ ቀረባ ኮይና ትከታተል ነበረት።

Image

ጓል ፈርኦን ኣብቲ ሩባ ሳጹን ምስ ረኣየት፡ ገረዳ ልኢኻ ብምምጻእ፡ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ቈልዓ ረኣየቶ። ነቲ ህጻን ከም ወዳ ገይራ ወሰደቶ። ነቲ ቈልዓ እተዕብየላ እስራኤላዊት ሰበይቲ ድማ ቆጸረት። እታ ዝተቘጽረት ሰበይቲ ድማ ኣዲኡ ከምዝዀነት ኣይፈለጠትን ነበረት። እቲ ቈልዓ ዓብዩ ጡብ ምስገደፈ ናብ ጓል ፈርኦን መለሰቶ። ስሙ ድማ “ሙሴ” ኢላ ኣውጽኣትሉ።

Image

ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ሓደ መዓልቲ ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እስራኤላዊ ክወቕዖ ረኣየ። ሙሴ ነቲ ብጻዩ ዝዀነ እስራኤላዊ ከድሕኖ ደለየ።

Image

ሙሴ ሰብ ዘይረኣዮ መሲልዎ ድማ ነቲ ግብጻዊ ቀቲሉ ቀበሮ። ይኹን እምበር ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ሓደ ሰብ ርእይዎ ነበረ።

Image

ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ፈርኦን ምስ ሰምዐ ክቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ወታደራት ፈርኦን ነፍሱ ከድሕን ናብ ምድረ በዳ ሃደመ።

Image

ካብ ግብጺ ርሑቕ ዝኾነ ምድረ በዳ ድማ ሓላዊ ኣባጊዕ ኰነ። ካብታ ሃገር ሰበይቲ ኣእትዩ ክልተ ኣወዳት ወለደ።

Image

ሓደ መዓልቲ ሙሴ ኣባጊዕ እናሓለወ ከሎ፡ ዝነድድ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ረኣየ፡ እቲ ቈጥቋጥ ግና ኣይተበልዐን፡ ሙሴ ድማ ኣጸቢቑ ክርኢ ደልዩ ናብቲ ቈጥቋጥ ተጸግዐ። ናብቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ ምስ ተጸግዐ ድምጺ እግዚኣብሄር፡ “ሙሴ፡ ሙሴ እቲ ደው ኢልካሉ ዘለኻዮ ቦታ ቅዱስ እዩ’ሞ ኣሳእንካ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” በሎ።

Image

እግዚኣብሄር ከኣ፡ “መከራ ህዝበይ ስለዝርአኹ ናብ ፈርኦን ክሰደካ እየ፡ ንህዝበይ ንእስራኤል ድማ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ክተውጽኦም ኢኻ። ነቲ ንኣብርሃምን ንይስሓቕን ንያእቆብን ዘተስፈኹዎም ምድሪ ከንኣን ድማ ክህቦም እየ”

Image

ሙሴ ድማ እቶም ህዝቢ መን ልኢኹካ እንተበሉኒኸ መን ክብሎም እየ፧ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሓተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ “ኣነ፡ ዘለኹን ዝነብርን እየ” ስለዚ “እቲ ዘሎን ዝነብርን፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣምላኽ ኣብርሃም ይስሓቕ ያእቆብ፡ ልኢኹኒ፡ ስመይ ከኣ ንሓዋሩ እዚ እዩ” ኢልካ ንገሮም”፡፡

Image

ሙሴ ስለዝፈርሐ ናብ ፈርኦን ክኸይድ ኣይደለየን። ምኽንያቱ ናይ ምዝራብ ክእለት የብለይን ኢሉ ስለዝሓሰበ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ሓው ሙሴ ኣሮን ምስኡ ከይዱ ክሕግዞ ለኣኾ። እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን፡ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኣይሓድግን ኢሉ ልቡ ከትርር ከምዝኽእል ኣጠንቀቖም።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 1-4።