9. እግዚኣብሄር ንሙሴ ከም ዝጸውዖ
ዮሴፍ ምስ ሞተ ኣዝማዱ ኩሎም ኣብ ግብጺ ጸንሑ። ንሳቶምን ዘርኦምን ንብዙሕ ዓመት ኣብኡ ተቐመጡ። ብዙሓት ድማ ወለዱ። ንሳቶም ድማ “እስራኤላውያን” ተባሂሎም ተጸውዑ።
ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ቁጽሪ እስራኤላውያን እናበዝሐ መጸ። ግብጻውያን ንዮሴፍን ንኣታቶም ዝገበሮ ኩሉ ሓገዝን ረስዕዎ። እስራኤላውያን እናበዝሑ ስለዝመጹ ግብጻውያን ፈርሕዎም። ስለዚ እቲ ሽዑ ንግብጺ ዘማሓድር ዝነበረ ፈርኦን፡ እስራኤላውያን ባሮት ግብጻውያን ገበሮም።
እስራኤላውያን ቀጽርታት ክሰርሑን ነቲ ከተማ ኵላ ክሃንጹን ግብጻውያን የገድድዎም ነበሩ። ብብዝሒ ስራሕ ድማ ላሕ ኣበልዎም። ግናኸ እግዚኣብሄር ባረኾም፡ ብዙሓት ውሉድ ድማ ሃቦም።
ፈርዖን፡ እስራኤላውያን ብዙሓት ህጻናት ከምዝወለዱ ምስ ረኣየ፡ ሽዑ ፈርኦን ካብ እስራኤላውያን ኣወዳት ምስ ዝውለዱ ኩሎም ኣብ ሩባ ኒል ክድርብይዎ ንህዝቢ ኣዘዘ።
ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ ወዲ ወለደት፡ ንሳን ሰብኣያን ድማ ክሳብ ዝከኣሎም ነቲ ቈልዓ ሓብእዎ።
እቶም ወለዱ ድማ ነዚ ቈልዓ ምሕብኡ ምስ ሰኣኑ፡ ምእንቲ ከይመውት ሳጹን ሻምብቆ ብቕጥራንን ብዕንዲዳን ለቢጦም ብምድላው ነቲ ቈልዓ ኣእትዮም፡ ኣብ ወሰን ሩባ ኒል ኣብ ዝርከብ ሰልሰላ ኣንበርዎ። ዓባይ
ሓብቱ ድማ እንታይ ከምዝበጽሖ ክትርኢ ኣብ ቀረባ ኮይና ትከታተል ነበረት።
ጓል ፈርኦን ኣብቲ ሩባ ሳጹን ምስ ረኣየት፡ ገረዳ ልኢኻ ብምምጻእ፡ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ቈልዓ ረኣየቶ። ነቲ ህጻን ከም ወዳ ገይራ ወሰደቶ። ነቲ ቈልዓ እተዕብየላ እስራኤላዊት ሰበይቲ ድማ ቆጸረት። እታ ዝተቘጽረት ሰበይቲ ድማ ኣዲኡ ከምዝዀነት ኣይፈለጠትን ነበረት። እቲ ቈልዓ ዓብዩ ጡብ ምስገደፈ ናብ ጓል ፈርኦን መለሰቶ። ስሙ ድማ “ሙሴ” ኢላ ኣውጽኣትሉ።
ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ሓደ መዓልቲ ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እስራኤላዊ ክወቕዖ ረኣየ። ሙሴ ነቲ ብጻዩ ዝዀነ እስራኤላዊ ከድሕኖ ደለየ።
ሙሴ ሰብ ዘይረኣዮ መሲልዎ ድማ ነቲ ግብጻዊ ቀቲሉ ቀበሮ። ይኹን እምበር ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ሓደ ሰብ ርእይዎ ነበረ።
ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ፈርኦን ምስ ሰምዐ ክቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ወታደራት ፈርኦን ነፍሱ ከድሕን ናብ ምድረ በዳ ሃደመ።
ካብ ግብጺ ርሑቕ ዝኾነ ምድረ በዳ ድማ ሓላዊ ኣባጊዕ ኰነ። ካብታ ሃገር ሰበይቲ ኣእትዩ ክልተ ኣወዳት ወለደ።
ሓደ መዓልቲ ሙሴ ኣባጊዕ እናሓለወ ከሎ፡ ዝነድድ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ረኣየ፡ እቲ ቈጥቋጥ ግና ኣይተበልዐን፡ ሙሴ ድማ ኣጸቢቑ ክርኢ ደልዩ ናብቲ ቈጥቋጥ ተጸግዐ። ናብቲ ዝነድድ ቈጥቋጥ ምስ ተጸግዐ ድምጺ እግዚኣብሄር፡ “ሙሴ፡ ሙሴ እቲ ደው ኢልካሉ ዘለኻዮ ቦታ ቅዱስ እዩ’ሞ ኣሳእንካ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” በሎ።
እግዚኣብሄር ከኣ፡ “መከራ ህዝበይ ስለዝርአኹ ናብ ፈርኦን ክሰደካ እየ፡ ንህዝበይ ንእስራኤል ድማ ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ክተውጽኦም ኢኻ። ነቲ ንኣብርሃምን ንይስሓቕን ንያእቆብን ዘተስፈኹዎም ምድሪ ከንኣን ድማ ክህቦም እየ”
ሙሴ ድማ እቶም ህዝቢ መን ልኢኹካ እንተበሉኒኸ መን ክብሎም እየ፧ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሓተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ “ኣነ፡ ዘለኹን ዝነብርን እየ” ስለዚ “እቲ ዘሎን ዝነብርን፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣምላኽ ኣብርሃም ይስሓቕ ያእቆብ፡ ልኢኹኒ፡ ስመይ ከኣ ንሓዋሩ እዚ እዩ” ኢልካ ንገሮም”፡፡
ሙሴ ስለዝፈርሐ ናብ ፈርኦን ክኸይድ ኣይደለየን። ምኽንያቱ ናይ ምዝራብ ክእለት የብለይን ኢሉ ስለዝሓሰበ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ሓው ሙሴ ኣሮን ምስኡ ከይዱ ክሕግዞ ለኣኾ። እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን፡ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኣይሓድግን ኢሉ ልቡ ከትርር ከምዝኽእል ኣጠንቀቖም።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 1-4።