12. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ምውፅኦም
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ብምውጽኦም ኣዝዮም ተሓጐሱ። ናብታ ምድሪ ተስፋ ይጐዓዙ ስለዝነበሩ ድሕሪ ደጊም ባሮት ኣይኮኑን፡፡ ግብጻውያን፡ እስራኤላውያን ወርቅን ብሩርን ካልኦት ዝኸበሩ ነገራትን ከይተረፉ ዝሓተትዎም ኵሉ ሂቦም ሰደድዎም። ካብ ግብጺ ክውጹ ከለዉ ሓደሓደ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ብእግዚኣብሄር ኣሚኖም ምስ እስራኤላውያን ሓቢሮም ወጹ።
እግዚኣብሄር ቀቅድሚኦም ዝኸይድ ብመዓልቲ ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ድማ ነዊሕ ዓንዲ ሓዊ ጌይሩ መርሖም። እግዚኣብሄር ምስኦም ነበረ’ሞ ኣብ ኵሉ ጉዕዝኦም መርሖም፡፡ ንሳቶም ክገብርዎ ዝግባእ ንዕኡ ምስዓብ ጥራይ ነበረ።
ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ፡ ፈርኦንን ህዝቡን ሓሳቦም ብምቕያር፡ ንእስራኤላውያን መሊሶም ባሮት ክገብርዎም ደለዩ። እግዚኣብሄር ንሱ ጥራይ ሓቀኛ ኣምላኽ ከምዝዀነ ህዝቡ ምእንቲ ክርእዩ፡ ከምኡ’ውን ንሱ “ያህዌ” ካብ ፈርኦንን ኣማልኽቱን ዝበለጸ ሓያል ኣምላኽ ከምዝዀነ ምእንቲ ክፈልጡ ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ። ።
ስለዚ ፈርዖንን ሰራዊቱን መሊሶም ባሮቶም ክገብርዎም ንእስራኤላውያን ኣሳደድዎም። እስራኤላውያን፡ ሰራዊት ግብጺ ክስዕቦም ምስረኣዩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈርኦንን ቀይሕ ባሕርን ከምእተቐርቀሩ ተረድኡ። ኣዝዮም ፈሪሖም ስለዝነበሩ ድማ፡ “ካብ ግብጺ ንምንታይ ወጻእና፧ ደጊም ክውድኡና እዮም” ኢሎም ኣእወዩ።
ሙሴ ከኣ ንእስራኤላውያን፡ “ኣይትፍርሑ፡ ሎሚ እግዚኣብሄር ክዋግኣልኩምን ከድሕነኩምን እዩ” በሎም። እግዚኣብሄር ከኣ፡ “ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንኽኸዱ ነቶም ህዝቢ ንገሮም” ኢሉ ንሙሴ ተዛረቦ።
ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር፡ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ምእንቲ ከይርእይዎም ነቲ ዓንዲ ደበና ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ግብጻውያንን ገበሮ።
ሙሴ ኢዱ ናብቲ ባሕሪ ብምዝርጋሕ ነቲ ባሕር ክመቕሎ እግዚኣብሄር ነገሮ። ሽዑ ንፋስ መጺኡ ነቲ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቒሉ መገዲ ኣውጽአሉ።
ሽዑ እስራኤላውያን እቲ ማይ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ኰነሎም፡ በቲ ባሕሪ ብንቑጽ መሬት ሰገሩ።
ብድሕሪኡ እስራኤላውያን ከምዘምልጥዎም፡ ግብጻውያን ምእንቲ ክርእዩ፡ ነቲ ዓንዲ ደበና ኣግለሶ። ግብጻውያን ከኣ ደድሕሪኦም ስዒቦም ምስጓጕ ጀመሩ።
ኣብቲ ባሕሪ ኣትዮም ድማ ንእስራኤላውያን ሰዓብዎም። እግዚኣብሄር ግና ግብጻውያን ከምዝጭነቑን ሰረገላታቶም ምኻድ ከምዝኣብይዎምን ገበረ። “ህደሙ! እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን እናተዋግአሎም እዩ” ኢሎም ድማ ኣእወዩ።
እስራኤላውያን ነቲ ባሕሪ ብሰላም ምስ ሰገሩ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ መሊሱ ኢዱ ናብቲ ባሕሪ ክዝርግሕ ኣዘዞ። ከምቲ ዝበሎ ምስገበረ ከኣ፡ እቲ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ግብጻውያን ተመሊሱ ከምቲ ዝነበሮ ኰነ። ኩሎም ሰራዊት ግብጺ ድማ ኣብቲ ባሕሪ ሰጠሙ።
እስራኤላውያን ግብጻውያን ከምዝሞቱ ምስረአዩ፡ ብእግዚኣብሄረ ኣመኑ፡ ሙሴ’ውን ናይ እግዚኣብሄር ነብዪ ከምዝዀነ ኣመኑ።
ከምኡ’ውን እስራኤላውያን እግዚኣብሄር ካብ ሞትን ባርነትን ስለዘድሐኖም ኣዝዮም ተሓጐሱ፡ ሕጂ ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ናጻ ኰኑ። ካብ ሰራዊት ግብጻውያን ስለዘድሐኖም ስለ እቲ ዝረኸብዎ ሓድሽ ናጽነት፡ ንእግዚኣብሄር ከኽብርዎን ከመስግንዎን ብዙሕ መዝሙር ዘመሩ።
እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ኣብ ግብጻውያን ዓወት ከምዝሃቦምን ካብ ባርነት ናጻ ከምዘውጽኦምን ምእንቲ ክዝክሩ በብዓመቱ ፋሲጋ ዝበሃል በዓል ከብዕሉ ንእስራኤላውያን ኣዘዞም። ገንሸል ሓሪዶም ምስ ዘይበዅዐ ቅጫ በሊዖም ድማ ተሐጐሱ።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 12፡33-15፡21።