Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

40. ኢየሱስ ተሰቕለ

Image

እቶም ወታደራት ንኢየሱስ ምስ ኣላገጽሉ ክሰቕልዎ ወሰድዎ። ነቲ ዝስቀለሉ መስቀል’ውን ኣሰኪሞም ወሰድዎ።

Image

እቶም ወታደራት ንኢየሱስ፡ “ቀረንቀራ ርእሲ” ናብ ዝበሃል ቦታ ኣምጺኦም ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣብ መስቀል ሸንከርዎም።

ኢየሱስ ግን፡ “ዎ ኣቦ፡ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን’ሞ ይቕረ በለሎም” በለ። ጲላጦስ ድማ “ንጉስ ኣይሁድ” ኢሎም ጽሒፎም ኣብቲ መስቀል ኣብ ልዕሊርእሲ ኢየሱስ ክሰቕልዎ ኣዘዘ። Image

እቶም ወታደራት ነቲ ክዳን ኢየሱስ ዕጫ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። ነዚ ብምግባሮም ነቲ፡ “ክዳውንተይ ተማቐሉ፡ ኣብ ልብሰይ’ውን ዕጫ ኣውደቑ” ዝብል ትንቢት ፈጸሙ።

Image

ኢየሱስ ኣብ መንጎ ክልተ ከተርቲ ተሰቕለ። እቲ ሓደ ንኢየሱስ ኣላገጸሉ፡ እቲ ካልእ ግን፡ “ኣታ ንኣምላኽዶ ኣይትፈርሖን፧ ንሕና ብሓቂ ብግብርና ዝግብኣና ተፈደና፡፡ እዚ ሰብ ግና ሓንቲ ክፍኣት እኳ ኣይገበረን በለ። ሽዑ ንኢየሱስ፡ “በጃኻ ኣብ መንግስትኻ ዘክረኒ” በሎ። ኢየሱስ ድማ፡ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።

Image

መራሕቲ ኣይሁድን ኣብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ዝነበሩ ካልኦት ሰባትን ኸኣ ንኢየሱስ ኣላገጽሉ። “ወዲ ኣምላኽ እንተዄንካ ካብ መስቀል ውረድ’ሞ ንርእስኻ ኣድሕን! ሽዑ ብኣኻ ክንኣምን ኢና” በልዎ።

Image

እቲ እዋን ፍርቂ መዓልቲ እንተዀነ’ኳ፡ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ፡፡ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ድማ ጸልመተ።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ዓው ኢሉ፡ “ተፈጸመ! ዎ ኣቦ፡ ነፍሰይ ኣብ ኢድካ የማዕቑብ ኣለኹ” በለ። ሽዑ ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት። ምስ ሞተ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኰነ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ዓብዪ መጋረጃ፡ ንህዝቢ ካብ እግዚኣብሄር ይፈልዮ ዝነበረ፡ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ተተርተረ።

Image

ኢየሱስ ብሞቱ ኣቢሎም ሰባት ናብ እግዚኣብሄር ክመጹ መንገዲ ከፈተሎም። ንኢየሱስ ይሕሉ ዝነበረ ወታደር ነቲ ዝዀነ ኩሉ ምስ ረኣየ፡ “ብርግጽ እዚ ሰብ እዚ በደል የብሉን። ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ” በለ።

Image

በቲ ግዜ እቲ፡ ኢየሱስ መሲሕ ከምዝዀነ ዝኣመኑ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ዝበሃሉ ክልተ መራሕቲ ኣይሁድ፡ ስጋ ኢየሱስ ንኽህቦም ንጲላጦስ ለመንዎ። ነቲ ስግኡ ብጨርቂ ገኒዞም ኣብ ዝተወቕረ መቓብር ከውሒ ድማ ኣንበርዎ። ነቲ ኣፍ እቲ መቓብር ድማ ዓብዪ እምኒ ኣንከራርዮም ዓጸውዎ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 27፡27-61፤ ማርቆስ 15፡16-47፤ ሉቃስ 23፡26-56፤ ዮሐንስ 19፡17-42።