40. ኢየሱስ ተሰቕለ
እቶም ወታደራት ንኢየሱስ ምስ ኣላገጽሉ ክሰቕልዎ ወሰድዎ። ነቲ ዝስቀለሉ መስቀል’ውን ኣሰኪሞም ወሰድዎ።
እቶም ወታደራት ንኢየሱስ፡ “ቀረንቀራ ርእሲ” ናብ ዝበሃል ቦታ ኣምጺኦም ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣብ መስቀል ሸንከርዎም።
ኢየሱስ ግን፡ “ዎ ኣቦ፡ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን’ሞ ይቕረ በለሎም” በለ። ጲላጦስ ድማ “ንጉስ ኣይሁድ” ኢሎም ጽሒፎም ኣብቲ መስቀል ኣብ ልዕሊርእሲ ኢየሱስ ክሰቕልዎ ኣዘዘ።
እቶም ወታደራት ነቲ ክዳን ኢየሱስ ዕጫ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። ነዚ ብምግባሮም ነቲ፡ “ክዳውንተይ ተማቐሉ፡ ኣብ ልብሰይ’ውን ዕጫ ኣውደቑ” ዝብል ትንቢት ፈጸሙ።
ኢየሱስ ኣብ መንጎ ክልተ ከተርቲ ተሰቕለ። እቲ ሓደ ንኢየሱስ ኣላገጸሉ፡ እቲ ካልእ ግን፡ “ኣታ ንኣምላኽዶ ኣይትፈርሖን፧ ንሕና ብሓቂ ብግብርና ዝግብኣና ተፈደና፡፡ እዚ ሰብ ግና ሓንቲ ክፍኣት እኳ ኣይገበረን በለ። ሽዑ ንኢየሱስ፡ “በጃኻ ኣብ መንግስትኻ ዘክረኒ” በሎ። ኢየሱስ ድማ፡ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
መራሕቲ ኣይሁድን ኣብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ዝነበሩ ካልኦት ሰባትን ኸኣ ንኢየሱስ ኣላገጽሉ። “ወዲ ኣምላኽ እንተዄንካ ካብ መስቀል ውረድ’ሞ ንርእስኻ ኣድሕን! ሽዑ ብኣኻ ክንኣምን ኢና” በልዎ።
እቲ እዋን ፍርቂ መዓልቲ እንተዀነ’ኳ፡ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ፡፡ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ድማ ጸልመተ።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ዓው ኢሉ፡ “ተፈጸመ! ዎ ኣቦ፡ ነፍሰይ ኣብ ኢድካ የማዕቑብ ኣለኹ” በለ። ሽዑ ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት። ምስ ሞተ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኰነ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ዓብዪ መጋረጃ፡ ንህዝቢ ካብ እግዚኣብሄር ይፈልዮ ዝነበረ፡ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ተተርተረ።
ኢየሱስ ብሞቱ ኣቢሎም ሰባት ናብ እግዚኣብሄር ክመጹ መንገዲ ከፈተሎም። ንኢየሱስ ይሕሉ ዝነበረ ወታደር ነቲ ዝዀነ ኩሉ ምስ ረኣየ፡ “ብርግጽ እዚ ሰብ እዚ በደል የብሉን። ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ” በለ።
በቲ ግዜ እቲ፡ ኢየሱስ መሲሕ ከምዝዀነ ዝኣመኑ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ዝበሃሉ ክልተ መራሕቲ ኣይሁድ፡ ስጋ ኢየሱስ ንኽህቦም ንጲላጦስ ለመንዎ። ነቲ ስግኡ ብጨርቂ ገኒዞም ኣብ ዝተወቕረ መቓብር ከውሒ ድማ ኣንበርዎ። ነቲ ኣፍ እቲ መቓብር ድማ ዓብዪ እምኒ ኣንከራርዮም ዓጸውዎ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 27፡27-61፤ ማርቆስ 15፡16-47፤ ሉቃስ 23፡26-56፤ ዮሐንስ 19፡17-42።