Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

35. ምስላ እቲ ርህሩህ ኣቦ

Image

ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ንኣከብቲ ቀረጽን ክሰምዕዎ ናብኡ ንዝተኣከቡ ካልኦት ብዙሓት ሓጥኣተኛ ሰባትን ይምህሮም ነበረ።

Image

ከምኡ'ውን ኣብኡ ዝነበሩ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኢየሱስ ንሓጥኣተኛታት ክቕበሎም ረኣዩ፡ ንሕድሕዶም ክነቕፍዎ ጀመሩ። ስለዚ ኢየሱስ ነዚ ምስላ ክነግሮም ጀመረ።

Image

ክልተ ደቂ ዘለውዎ ሓደ ሰብ ነበረ። እቲ ንእሽተይ ወዱ ነቡኡ፡ “ኣቦይ ካብ ጥሪትካ ዝብጽሐኒ ግደ ሕጂ ሃበኒ” በሎ። ስለዚ ኣቡኡ ነቲ ዘለዎ ጥሪት ነቶም ክልተ ደቁ መቐሎም።

Image

“ሽዑ እቲ ንእሽተይ ወዱ ነቲ ዘለዎ ኩሉ ሒዙ ናብ ርሑቕ ዓዲ ከይዱ ብምንባር፡ ሓጥኣት እናገበረ ነቲ ገንዘቡ ኩሉ ዘረዎ።

Image

“ብድሕሪኡ ኣብቲ እቲ ንእሽተይ ወዱ ዝነበረሉ ዓዲ ከቢድ ጥሜት ኰነ፡ ዝብላዕ ዝዕድገሉ ገለ ገንዘብ ድማ ኣይነበሮን። ስለዚ ኸኣ ምጕሳይ ሓሰማታት ክሰርሕ ጀመረ። ኣዝዩ ተጐሳቝሉን ጠምዩን ስለዝነበረ፡ ነቲ እተን ሓሰማ ይበልዕኦ ዝነበራ ክበልዕ ይምነ ነበረ።

Image

“ኣብ መወዳእታ እቲ ንእሽተይ ወዱ ንርእሱ ከምዚ በለ፡ “እንታይ እየ ዝገብር ዘለኹ፧ ኩሎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ዝበልዕዎ ብዙሕ ምግቢ ኣለዎም፡ ኣነ ግና ብጥሜት እመውት ኣለኹ። ሕጂ ናብ ኣቦይ ተመሊሰ ካብቶም ኣገልገልቱ ከም ሓዲኡ ክገብረኒ ክልምኖ እየ”።

Image

“ስለዚ እቲ ንእሽተይ ወዱ ናብ ኣቡኡ ክምለስ ጀመረ። ገና ኣብ ርሑቕ ከሎ ኣቡኡ ርእይዎ ሓዘነሉ። ናብኡ ጐይዩ ድማ ሓቝፉ ሰዓሞ።

Image

እቲ ወዱ ከኣ ከምዚ በለ፡ “ኣቦይ ንኣምላኽን ንዓኻን በዲለ እየ፡ ወድኻ ክበሃል'ውን ኣይበቅዕን”።

Image

ኣቡኡ ግና ካብቶም ኣገልገልቱ ነቲ ሓደ ጸዊዑ፡ “ቀልጢፍካ ኬድካ ብሉጽ ክዳን ኣምጺኻ ንወደይ ክደኖ፡ ነጻብዕቱ ቀለቤት፡ ንእግሩ’ውን ጫማ ግበረሉ። ብድሕሪኡ በሊዕና ምእንቲ ክንሕጐስ ስቡሕ ኣምጺኹም ሕረዱ። ምኽንያቱ እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩስ ህያው ኰይኑ፡ ጠፊኡ ነይሩ ሕጂ ግና ተረኺቡ እዩ በለ፡፡

Image

ስለዚ እቶም ሰባት ክሕጐሱ ጀመሩ። ከይደነጐየ፡ ዓብዪ ሓዉ ካብቲ ይሰርሐሉ ዝነበረ ሕርሻ ናብ ገዝኡ መጸ። ናይ ሙዚቃን ደርፍን ድምጺ ድማ ሰምዐ፡ እንታይ ኰን ይኸውን ኢሉ ከኣ ተገረመ።

Image

“እቲ ዓብዪ ወዱ፡ ሓዉ ስለዝመጸ ይሕጐሱ ከምዘለዉ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ንገዝኡ ክኣቱ ድማ ኣይፈተወን። ኣቡኡ ወጺኡ፡ ኣትዩ ምስኣቶም ክሕጐስ ለመኖ፡ ንሱ ግና እምቢ በለ።

Image

“እቲ ዓብዪ ወዱ ነቡኡ ከምዚ በሎ፡ “ኣብዘን ኩለን ዓመታት እሙን ኰይነ ሰሪሐልካ እየ፡ ትእዛዝካ’ውን ኣይጠሓስኩን፡ ክሳብ ሕጂ ምስ ኣዕሩኽተይ ክሕጐስ ኢልካ ሓደ ማሕስእ እኳ ሂብካኒ ኣይትፈልጥን።

ነዚ ሓጥኣት ብምስራሕ ገንዘብካ ዘጠፋፍአ ወድኻ ናብ ገዝኡ ምስ መጸ ግና ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ፡፡

Image

ኣቡኡ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ወደይ ንስኻ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኢኻ፡ ዘለኒ ኩሉ'ውን ናትካ እዩ። ክንሕጐስን ባህ ክብለናን ይግብኣና
እዩ፡ ምኽንያቱ ሓውካ ሞይቱ ነይሩስ ህያው ኰይኑ፡ ጠፊኡ ነይሩስ፡ ሕጂ ተረኺቡ በለ፡፡

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ሉቃስ 15፡11-32።