Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

44. ጴጥሮስን ዮሃንስን ይልምን ንዝነበረ ሰብ ፈወሱ

Image

ሓደ መዓልቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ይኸዱ ነበሩ። ናብ ኣፍ ደገ እቲ ቤተ መቕደስ ምስ ቀረቡ፡ ገንዘብ ይልምን ዝነበረ ሓደ ዝለመሰ ሰብ ረኣዩ።

Image

ጴጥሮስ ነቲ ልሙስ ሰብ ረኣዮ’ሞ፡ “ዝህበካ ምንም ገንዘብ የብለይን። ነዚ ዘለኒ ግና ክህበካ እየ። ብስም ኢየሱስ ተስእ’ሞ ተመላለስ” በሎ።

Image

እግዚኣብሄር ድማ ሽዑ ነቲ ልሙስ ሰብ ፈወሶ። ንሱ ከኣ እናዘለለን እናጐየየን ንኣምላኽ ከመስግን ጀመረ። እቶም ኣብ ዙርያ እቲ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ሰባት ድማ ኣዝዮም ተደነቑ።

Image

ብዙሕ ህዝቢ ከኣ ነቲ እተፈወሰ ሰብ ክርእይዎ ተኣከቡ። ጴጥሮስ ድማ ከምዚ በሎም፡ “እዚ ሰብ ስለእተፈወሰ ንምንታይ ትግረሙ፧ ብገዛእ ሓይልና ወይ ብልግስናና ኣይኰነን ዝተፈወሰ። እዚ ሰብ እተፈወሰ ብሓይሊ ኢየሱስን ብእኡ ብምእማን እዩ።

Image

“ንኢየሱስ ምእንቲ ክቐትሎ ነቲ ገዛኢ ሮም ዝነገርኩምዎ ንስኻትኩም ኢኹም። ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ፡ እግዚኣብሄር ግና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። ነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም እንተዘየስተውዓልኩምዎ እኳ፡ ነቶም መሲሕ መከራ ከምዝቕበልን ከምዝመውትን ዝተነግሩ ትንቢታት ንምፍጻም ኮነ፡፡ ስለዚ ሓጥኣትኩም ምእንቲ ክድምሰሰልኩኩም ሕጂ ተነስሑን ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱን”።

Image

መራሕቲ ቤተ መቕደስ ግና በቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ይዛረብዎ ዝነበሩ ኣዝዮም ተቘጥዑ። ሒዞም ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ይዅን እምበር ብዙሓት በቲ ጴጥሮስ ዝተዛረቦ ቃል ኣመኑ፡ ቍጽሪ እቶም ብኢየሱስ ዝኣመኑ ሰባት ከኣ ናብ 5,000 ዓበየ።

Image

ንጽባሒቱ፡ መራሕቲ ኣይሁድ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ናብቲ ሊቀ ኻህናትን ናብቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ኣምጽእዎም። ንጴጥሮስን ዮሃንስን ከኣ፡ “ነዚ ልሙስ ሰብ ብምንታይ ሓይሊ ኢኹም ፈዊስኩምዎ”፧ ኢሎም ሓተትዎም።

Image

ጴጥሮስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ “እዚ ሰብ ብሓይሊ እቲ መሲሕ ኢየሱስ ተፈዊሱ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢሉ እንሆ። ንስኻትኩም ንኢየሱስ ሰቐልኩምዎ፡ እግዚኣብሄር ግና መሊሱ ኣተንስኦ! ንስኻትኩም ድማ ኣይተቐበልኩምዎን፡ ኮይኑ ግና ብሓይሊ ኢየሱስ እንተዘይኰይኑ ብኻልእ ምድሓን የለን”

Image

ጴጥሮስን ዮሃንስን ብድፍረት ስለእተዛረቡ እዞም መራሕቲ ሰንበዱ። ምኽንያቱ እዞም ሰባት ዘይተማህሩ ተራ ሰባት ከምዝዀኑ ይፈልጡ ስለዝነበሩ እዩ። እንተኾነ እዞም ሰባት ምስ ኢየሱስ ከምዝነበሩ ዘከሩ። ንጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ኣፈራርሕዎም፡ ኪዱ ኢሎም ሰደድዎም።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ግብሪ ሃዋርያት 3፡1-4፡22።