45.እስጢፋኖስን ፊልጶስን
ኣብታ ጥንታዊት ቤተክርስቲያን ካብዝ ነበሩ መራሕቲ እስጢፋኖስ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ንሱ ውሩይ ስም ዘለዎን መንፈስ ቅዱስን ጥበብን ዝመልኦ ሰብ ነበረ። እስጢፋኖስ ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረን ሰባት ብኢየሱስ ምእንቲ ክኣምኑ ኣጸቢቑ ዝዛረብ ሰብ ነበረ።
ሓደ መዓልቲ እስጢፋኖስ ብዛዕባ ኢየሱስ እናመሃረ ከሎ፡ ብኢየሱስ ዘይኣምኑ ኣይሁድ ምስኡ ምክርኻር ጀመሩ። ኣዝዮም ብምቚጣዕ ድማ ብዛዕባ እስጢፋኖስ ንመራሕቲ ሃይማኖት ዘይኰነ ሓስዮም ተዛረቡ። “ብዛዕባ ሙሴን እግዚኣብሄርን ክፉእ ነገር ክዛረብ ሰሚዕናዮ ኢና” ከኣ በሉ። ስለዚ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንእስጢፋኖስ ሒዞም ካልኦት ናይ ሓሶት መሰኻኽር ወሲኾም ናብቲ ሊቀ ኻህናትን ናብቶም ካልኦት መራሕቲ ኣይሁድን ኣምጽእዎ።
እቲ ሊቀ ኻህናት ንእስጢፋኖስ፡ “እዞም ነገር እዚ ከምኡ ድዩ”፧ ኢሉ ሓተቶ። እስጢፋኖስ ነቶም ካብ ዘበን ኣብርሃም ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ኢየሱስ ዝነበረሉ እግዚኣብሄር ዝገበሮም ዓበይቲ ነገራትን ህዝቢ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ከመይ ይዕምጹ ከምዝነበሩን ብምዝካር መልሱ ሃበ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ በለ፡ “ኣቱም ተረርቲ ክሳድን ዓመጸኛታትን፣ ከምቲ ኣቦሓጎታትኩም ንእግዚኣብሄር እተቓወምዎን ንነብያቱ ዝቐተልዎምን፡ ንስኻትኩም’ውን ኵሉ ሳዕ ንመንፈስ ቅዱስ ትቃወሙ። ንስኻትኩም ግና ካብኣቶም ዝገደደ ነገር ገበርኩም፡ ነቲ መሲሕ ቀተልኩምዎ”፡፡
እቶም መራሕቲ ሃይማይኖት ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣእዛኖም ደፊኖም ክሳዕ ዝጭድሩ ኣዝዮም ተቘጥዑ። ንእስጢፋኖስ ካብታ ከተማ ጐቲቶም ኣውጺኦም ብዳርባ እምኒ ቀጥቀጥዎ።
እስጢፋኖስ ክመውት ከሎ ዓው ኢሉ፡ “ዎ ኢየሱስ፡ ነፍሰይ ተቐበላ” በለ። ካብኡ ብብርኩ ተበሪኹ መሊሱ ዓው ኢሉ፡ “ዎ ጎይታ፣ ነዚ ሓጥያቶም ኣይትሓዘሎም” በለ። ብድሕሪኡ ሞተ።
ሳውል ዝተባህለ መንእሰይ ድማ ምስቶም ንእስጢፋኖስ ዝቐተልዎ ተሰማሚዑ ናይቶም ንእስጢፋኖስ ብእምኒ ዝቕጥቅጥዎ ሰባት ክዳን ይሕሉ ነበረ። በታ ዕለት እቲኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ነቶም ሰዓብቲ ኢየሱስ ከሳድድዎም ጀመሩ። ስለዚ እቶም ኣመንቲ ናብ ካልኦት ቦታታት ሃደሙ። ስደት እንተሃለወ’ኳ ኣብ ዝኸድዎ ኵሉ ብዛዕባ ኢየሱስ ይሰብኩ ነበሩ።
ካብቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝሃደሙ ኣመንቲ እቲ ሓደ ፊልጶስ ዝተባህለ ወደ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ። ናብ ሰማርያ ከይዱ ድማ ብዛዕባ ኢየሱስ ሰቢኹ’ሞ ብዙሓት ሰባት ደሓኑ። ብድሕሪኡ ሓደ መዓልቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝተላእኸ መልኣኽ ኣብ ምድረ በዳ ናብ ዘሎ ሓደ መንገዲ ንኽኸይድ ንፊልጰስ ነገሮ። ፊልጶስ ኣብ መንገዲ እናኸደ እንተሎ ሓደ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰረገላ ክኸይድ ረኣየ። ናብዚ ሰብ ቀሪቡ ከዛርቦ መንፈስ ቅዱስ ንፊልጶስ ነገሮ።
ፊልጶስ ናብቲ ሰረገላ ምስ ቀረበ፡ እቲ ኢትዮጵያዊ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ከንብብ ሰምዖ። እቲ ዘንብቦ ከምዚ ዝብል ነበረ፡ “ከም ዝሕረድ ገንሸል ወሰድዎ፡ ከምቲ ገንሸል ስቕዝብል ሓንቲ ቃል’ኳ ኣይተዛረበን። ብምውራዱ ፍርዲ ተሳዕረ፡ ኣየኽበርዎን ድማ። ካብ ምድሪ ህያዋን ከኣ ተመንቈሰ”።
ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ፡ “ነቲ እተንብቦ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ከኣ፡ “ኣይፋሉን። ዘረድአኒ ሰብ ከይይሃለወ ከመይ ገይረ ከስተውዕሎ እኽእል። በጃኻ ንዓ’ሞ ምሳይ ተቐመጥ በሎ፡፡ ኢሳይያስ ነዚ ዝጸሓፎ ብዛዕባ ባዕሉ ድዩ ወይስ ብዛዕባ ካሊእ።
ኢሳይያስ ዝጸሓፎ ብዛዕባ ኢየሱስ ከምዝዀነ ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣብርሀሉ። ከምኡ’ውን ፊልጶስ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝገልጹ ካልኦት ክፍልታት ብምጥቃስ ነዚ ብስራት ነገሮ።
ፊልጶስን እቲ ኢትዮጵያውን እናኸዱ ከለዉ ማይ ናብ ዘለዎ ቦታ በጸሑ። እቲ ኢትዮጵያዊ ከኣ፡ “ኣብዚ ስፍራ ማይ ስለዘሎ ክጥመቕዶ እኽእል”፧ በለ። ነቲ ሰረገላ ደው ኸኣ ከብላ ኣዘዘ።
ስለዚ ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ፊልጰስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣጠመቖ። ካብቲ ማይ ምስ ወጹ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ንፊልጶስ መንዝዖ፡ ናብ ካልእ ቦታ ድማ ወሰዶ። ንብዙሓት ሰባት ድማ ብዛዕባ ኢየሱስ ይዛረብ ነበረ።
እቲ ኢትዮጵያዊ ንኢየሱስ ብምፍላጡ እናተሓጐሰ ናብ ዓዱ ተመልሰ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ግብሪ ሃዋርያት 6፡8-8፡5፤ 8፡26-40።