Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

45.እስጢፋኖስን ፊልጶስን

Image

ኣብታ ጥንታዊት ቤተክርስቲያን ካብዝ ነበሩ መራሕቲ እስጢፋኖስ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ንሱ ውሩይ ስም ዘለዎን መንፈስ ቅዱስን ጥበብን ዝመልኦ ሰብ ነበረ። እስጢፋኖስ ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረን ሰባት ብኢየሱስ ምእንቲ ክኣምኑ ኣጸቢቑ ዝዛረብ ሰብ ነበረ።

Image

ሓደ መዓልቲ እስጢፋኖስ ብዛዕባ ኢየሱስ እናመሃረ ከሎ፡ ብኢየሱስ ዘይኣምኑ ኣይሁድ ምስኡ ምክርኻር ጀመሩ። ኣዝዮም ብምቚጣዕ ድማ ብዛዕባ እስጢፋኖስ ንመራሕቲ ሃይማኖት ዘይኰነ ሓስዮም ተዛረቡ። “ብዛዕባ ሙሴን እግዚኣብሄርን ክፉእ ነገር ክዛረብ ሰሚዕናዮ ኢና” ከኣ በሉ። ስለዚ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንእስጢፋኖስ ሒዞም ካልኦት ናይ ሓሶት መሰኻኽር ወሲኾም ናብቲ ሊቀ ኻህናትን ናብቶም ካልኦት መራሕቲ ኣይሁድን ኣምጽእዎ።

Image

እቲ ሊቀ ኻህናት ንእስጢፋኖስ፡ “እዞም ነገር እዚ ከምኡ ድዩ”፧ ኢሉ ሓተቶ። እስጢፋኖስ ነቶም ካብ ዘበን ኣብርሃም ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ኢየሱስ ዝነበረሉ እግዚኣብሄር ዝገበሮም ዓበይቲ ነገራትን ህዝቢ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ከመይ ይዕምጹ ከምዝነበሩን ብምዝካር መልሱ ሃበ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ በለ፡ “ኣቱም ተረርቲ ክሳድን ዓመጸኛታትን፣ ከምቲ ኣቦሓጎታትኩም ንእግዚኣብሄር እተቓወምዎን ንነብያቱ ዝቐተልዎምን፡ ንስኻትኩም’ውን ኵሉ ሳዕ ንመንፈስ ቅዱስ ትቃወሙ። ንስኻትኩም ግና ካብኣቶም ዝገደደ ነገር ገበርኩም፡ ነቲ መሲሕ ቀተልኩምዎ”፡፡

Image

እቶም መራሕቲ ሃይማይኖት ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣእዛኖም ደፊኖም ክሳዕ ዝጭድሩ ኣዝዮም ተቘጥዑ። ንእስጢፋኖስ ካብታ ከተማ ጐቲቶም ኣውጺኦም ብዳርባ እምኒ ቀጥቀጥዎ።

Image

እስጢፋኖስ ክመውት ከሎ ዓው ኢሉ፡ “ዎ ኢየሱስ፡ ነፍሰይ ተቐበላ” በለ። ካብኡ ብብርኩ ተበሪኹ መሊሱ ዓው ኢሉ፡ “ዎ ጎይታ፣ ነዚ ሓጥያቶም ኣይትሓዘሎም” በለ። ብድሕሪኡ ሞተ።

Image

ሳውል ዝተባህለ መንእሰይ ድማ ምስቶም ንእስጢፋኖስ ዝቐተልዎ ተሰማሚዑ ናይቶም ንእስጢፋኖስ ብእምኒ ዝቕጥቅጥዎ ሰባት ክዳን ይሕሉ ነበረ። በታ ዕለት እቲኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ነቶም ሰዓብቲ ኢየሱስ ከሳድድዎም ጀመሩ። ስለዚ እቶም ኣመንቲ ናብ ካልኦት ቦታታት ሃደሙ። ስደት እንተሃለወ’ኳ ኣብ ዝኸድዎ ኵሉ ብዛዕባ ኢየሱስ ይሰብኩ ነበሩ።

Image

ካብቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝሃደሙ ኣመንቲ እቲ ሓደ ፊልጶስ ዝተባህለ ወደ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ። ናብ ሰማርያ ከይዱ ድማ ብዛዕባ ኢየሱስ ሰቢኹ’ሞ ብዙሓት ሰባት ደሓኑ። ብድሕሪኡ ሓደ መዓልቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝተላእኸ መልኣኽ ኣብ ምድረ በዳ ናብ ዘሎ ሓደ መንገዲ ንኽኸይድ ንፊልጰስ ነገሮ። ፊልጶስ ኣብ መንገዲ እናኸደ እንተሎ ሓደ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰረገላ ክኸይድ ረኣየ። ናብዚ ሰብ ቀሪቡ ከዛርቦ መንፈስ ቅዱስ ንፊልጶስ ነገሮ።

Image

ፊልጶስ ናብቲ ሰረገላ ምስ ቀረበ፡ እቲ ኢትዮጵያዊ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ከንብብ ሰምዖ። እቲ ዘንብቦ ከምዚ ዝብል ነበረ፡ “ከም ዝሕረድ ገንሸል ወሰድዎ፡ ከምቲ ገንሸል ስቕዝብል ሓንቲ ቃል’ኳ ኣይተዛረበን። ብምውራዱ ፍርዲ ተሳዕረ፡ ኣየኽበርዎን ድማ። ካብ ምድሪ ህያዋን ከኣ ተመንቈሰ”።

Image

ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ፡ “ነቲ እተንብቦ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ከኣ፡ “ኣይፋሉን። ዘረድአኒ ሰብ ከይይሃለወ ከመይ ገይረ ከስተውዕሎ እኽእል። በጃኻ ንዓ’ሞ ምሳይ ተቐመጥ በሎ፡፡ ኢሳይያስ ነዚ ዝጸሓፎ ብዛዕባ ባዕሉ ድዩ ወይስ ብዛዕባ ካሊእ።

Image

ኢሳይያስ ዝጸሓፎ ብዛዕባ ኢየሱስ ከምዝዀነ ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣብርሀሉ። ከምኡ’ውን ፊልጶስ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝገልጹ ካልኦት ክፍልታት ብምጥቃስ ነዚ ብስራት ነገሮ።

Image

ፊልጶስን እቲ ኢትዮጵያውን እናኸዱ ከለዉ ማይ ናብ ዘለዎ ቦታ በጸሑ። እቲ ኢትዮጵያዊ ከኣ፡ “ኣብዚ ስፍራ ማይ ስለዘሎ ክጥመቕዶ እኽእል”፧ በለ። ነቲ ሰረገላ ደው ኸኣ ከብላ ኣዘዘ።

Image

ስለዚ ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ፊልጰስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣጠመቖ። ካብቲ ማይ ምስ ወጹ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ንፊልጶስ መንዝዖ፡ ናብ ካልእ ቦታ ድማ ወሰዶ። ንብዙሓት ሰባት ድማ ብዛዕባ ኢየሱስ ይዛረብ ነበረ።

Image

እቲ ኢትዮጵያዊ ንኢየሱስ ብምፍላጡ እናተሓጐሰ ናብ ዓዱ ተመልሰ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ግብሪ ሃዋርያት 6፡8-8፡5፤ 8፡26-40።