Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ክፋንዉ ከለዉ ደቀመዛሙርቱ ብጃልባ ንማዕዶ ክሰግሩ ነገሮም። ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣፋነወ ናብ ሓደ ከረን ወጸ። ኣብኡ ድማ በይኑ ነበረ። ኣብኡ ኰይኑ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ከኣ ጸለየ።

Image

በዚ ግዜ እዚ ደቀመዛሙርቱ ብጃልባ ይኸዱ ነበሩ፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ ኣብ ፍርቂ እቲ ባሕሪ በጽሑ። ንፋስ ኣዝዩ ይነፍስ ስለዝነበረ ነታ ጃልባ ንምእላይ ኣዝዮም ተሸገሩ።

Image

በቲ ግዜ ኢየሱስ ጸሎቱ ወዲኡ ናብ ደቀመዛሙርቱ ከደ። ብማየማይ እናኸደ ነቲ ባሕሪ ኣቋሪጹ ናብ ጃልብኦም ከደ!

Image

ደቀመዛሙርቱ ንኢየሱስ ምስረኣዩ ምትሃት መሲሉዎም ኣዝዮም ፈርሑ፡ ኢየሱስ ከምዝፈርሑ ስለዝፈለጠ ጸዊዑ፣ “ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሑ” በሎም።

Image

ቢቲ ግዜ እቲ ጴጥሮስ ንኢየሱስ“ “መምህር፡ ንስኻ እንተዄንካስ ብማየማይ ናባኻ ክመጽእ ኣዝዘኒ” በሎ። ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ“ “ንዓ” በሎ።

Image

ስለዚ ጴጥሮስ ካብቲ ጃልባ ወሪዱ ብማየማይ ናብ ኢየሱስ ምኻድ ጀመረ። እንተኾነ ነዊሕ ከይከደ ኣዒንቱ ካብ ኢየሱስ ኣልዒሉ ነቲ ማዕበልን ብርቱዕ ንፋስን ረኣየ።

Image

ሽዑ ጴጥሮስ ፈሪሑ ኣብቲ ማይ ምጥሓል ጀመረ። ሽዑ፡ “መምህር፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ። ኢየሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ። ንጴጥሮስ ድማ፡ “ኣታ ጐደሎ እምነት፡ ንምንታይ ትጠራጠር” በሎ።

Image

ጴጥሮስን ኢየሱስን ናብታ ጃልባ ምስኣተዉ፡ እቲ ህቦብላ ምንፋስ ገዲፉ ጸጥ በለ። ደቀመዛሙርቱ ከኣ ተደነቑ። “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” ኢሎም ንኢየሱስ ሰገዱሉ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 14፡22-23፤ ማርቆስ 6፡45-52፤ ዮሐንስ 6፡16-21።