31. ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማየማይ ከደ
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ክፋንዉ ከለዉ ደቀመዛሙርቱ ብጃልባ ንማዕዶ ክሰግሩ ነገሮም። ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣፋነወ ናብ ሓደ ከረን ወጸ። ኣብኡ ድማ በይኑ ነበረ። ኣብኡ ኰይኑ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ከኣ ጸለየ።
በዚ ግዜ እዚ ደቀመዛሙርቱ ብጃልባ ይኸዱ ነበሩ፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ ኣብ ፍርቂ እቲ ባሕሪ በጽሑ። ንፋስ ኣዝዩ ይነፍስ ስለዝነበረ ነታ ጃልባ ንምእላይ ኣዝዮም ተሸገሩ።
በቲ ግዜ ኢየሱስ ጸሎቱ ወዲኡ ናብ ደቀመዛሙርቱ ከደ። ብማየማይ እናኸደ ነቲ ባሕሪ ኣቋሪጹ ናብ ጃልብኦም ከደ!
ደቀመዛሙርቱ ንኢየሱስ ምስረኣዩ ምትሃት መሲሉዎም ኣዝዮም ፈርሑ፡ ኢየሱስ ከምዝፈርሑ ስለዝፈለጠ ጸዊዑ፣ “ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሑ” በሎም።
ቢቲ ግዜ እቲ ጴጥሮስ ንኢየሱስ“ “መምህር፡ ንስኻ እንተዄንካስ ብማየማይ ናባኻ ክመጽእ ኣዝዘኒ” በሎ። ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ“ “ንዓ” በሎ።
ስለዚ ጴጥሮስ ካብቲ ጃልባ ወሪዱ ብማየማይ ናብ ኢየሱስ ምኻድ ጀመረ። እንተኾነ ነዊሕ ከይከደ ኣዒንቱ ካብ ኢየሱስ ኣልዒሉ ነቲ ማዕበልን ብርቱዕ ንፋስን ረኣየ።
ሽዑ ጴጥሮስ ፈሪሑ ኣብቲ ማይ ምጥሓል ጀመረ። ሽዑ፡ “መምህር፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ። ኢየሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ። ንጴጥሮስ ድማ፡ “ኣታ ጐደሎ እምነት፡ ንምንታይ ትጠራጠር” በሎ።
ጴጥሮስን ኢየሱስን ናብታ ጃልባ ምስኣተዉ፡ እቲ ህቦብላ ምንፋስ ገዲፉ ጸጥ በለ። ደቀመዛሙርቱ ከኣ ተደነቑ። “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” ኢሎም ንኢየሱስ ሰገዱሉ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 14፡22-23፤ ማርቆስ 6፡45-52፤ ዮሐንስ 6፡16-21።