Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

20. ምርኮን ካብ ምርኮ ምምላስን

Image

ክልቲኦም መንግስትታት፡ መንግስቲ እስራኤልን መንግስቲ ይሁዳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጥያት ሰርሑ። ነቲ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኣብ ከረን ሲና ዝኣተዎ ቃልኪዳን ኣፍረስዎ። ብንስሓ ተመሊሶም ንዕኡ ምእንቲ ከምልኽዎ ንምጥንቃቕ ነብያቱ ለኣኸ። ንሳቶም ግና ኣይተኣዘዝዎን።

Image

ስለዚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ጸላእቶም ከጥፍእዎም ንኽልቲኦም መንግስታት ቀጽዖም። እታ ሓያልን ጨካንን ግዝኣት ኣሶር፡ ንመንግስቲ እስራኤል ኣጥፍአ፡ ዋጋ ኣለዎም ዝበሃሉ ንብረት ኩሎም’ውን ወሰደ። መብዛሕትኡ ክፍሊ እታ ዓዲ ድማ ኣቃጸሎ።

Image

እዞም ኣሶራውያን ድማ ነቶም መራሕትን ሃብታማትን ሙያ ዝነበሮም ሰባት ኩሎምን ኣኪቦም ናብ ኣሶር ወሰድዎም። ዘይተቐትሉ’ሞ ኣዝዮም ድኻታት ዝነበሩ እስራኤላውያን ጥራይ ኣብ ግዝኣት እስራኤል ክተርፉ ገበሩ።

Image

ብድሕሪኡ ኣሶራውያን ካልኦት ጓኖት ህዝብታት ኣብ እስራኤል ክነብሩ ናብ እስራኤል ኣምጽእዎም። እቶም ጓኖት ነቶም ዝፈራረሱ ከተማታት መሊሶም ሰሪሖም ካብቶም ኣብኡ ተሪፎም ዝነበሩ እስራኤላውያን ተመርዐዉ። ነቶም ባዕዳውያን ዝተመርዐዉ እስራኤላውያን ከኣ ሳምራውያን ተባሂሎም ተጸውዑ።

Image

ህዝቢ መንግስቲ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ስለ ዘይኣመንዎን ስለዘይተኣዘዝዎን እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ከምዝቐጽዖም እቶም ኣብ መንግስቲ ይሁዳ ዝነበሩ ህዝቢ ረአዩ።

ይዅን እምበር፣ ህዝቢ መንግስቲ ይሁዳ ነቶም ኣማልኽቲ ከንኣናውያን ሓዊሶም ንጣኦታት ኣምለኹ። እግዚኣብሄር ድማ ምእንቲ ከጠንቅቕዎም ነብያት ለኣኸሎም። ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ። Image

ኣሶራውያን ንመንግስቲ እስራኤል ካብ ዘጥፍኡ ድሕሪ ኣስታት 100 ዓመታት ንመንግስቲ ይሁዳ ምእንቲ ክወግእዎም እግዚኣብሄር ንባቢሎናውያን ሰደደ። ባቢሎን ሓያል ናይ ነገስታት ዓዲ ነበረት። ንጉስ ይሁዳ ንንጉስ ባቢሎን ንነቡከደነጾር ኣገልጋሊኡ ክኸውንን በቢዓመቱ ብዙሕ ገንዝብ ክኸፍሎን ተሰማምዐ።

Image

ይኹን እምበር ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ንጉስ ይሁዳ ኣብ ባቢሎን ዓመጸ። ስለዚ ባቢሎናውያን ተመሊሶም መጺኦም ንመንግስቲ ይሁዳ ወግኡ። ከተማ ኢየሩሳሌም ድማ ተታሕዘት። ንቤተ መቕደስ ኣፍረሱ፡ ኩሉ መዛግብቲ እታ ከተማን እቲ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን ከኣ ወሰዱ።

Image

ንጉስ ይሁዳ ስለዝዓመጸ ክቐጽዕዎ ደልዮም፡ ንንጉስ ይሁዳ ኣወዳት ደቁ ኣብ ቅድሚኡ ቀተልዎም፡ ንዕኡ ድማ ኣዒንቱ ኣዕወርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ባቢሎን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምእንቲ ክመውት ወሰድዎ።

Image

ነቡከደነጾርን ሰራዊቱን ኣብ ሕርሻ ዝሰርሑ ድኻታት ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ጥራይ ብምግዳፍ ዳርጋ ኩሎም ህዝብታት መንግስቲ ይሁዳ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። ህዝቢ እግዚኣብሄር ነታ ምድሪ ተስፋ ክሓድጉ ዝተገደዱሉ እዚ እዋን፡ ዘመን ምርኮ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

Image

እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቡ ናብ ምርኮ ብምውሳድ ብዛዕባ ሓጥያቶም እንተቐጽዖም’ኳ ነቲ ዝኣተዎ ተስፋን ንዓኣቶምን ኣይረስዖምን። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ምሕላዉን ብነብያቱ ኣቢሉ ምዝራቡ ቀጸለ። ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ናብታ ምድሪ ተስፋ መሊሱ ከም ዝመልሶም ተስፋ ሃቦም።

Image

ድሕሪ ሰብዓ ዓመታት ንጉስ ፋርስ ንባቢሎን ሰዓረ። ስለዚ ግዝኣት ንጉስ ፋርስ ንግዝኣት ንጉስ ባቢሎን ተክኦ። ሕጂ እስራኤላውያን መጸውዒኦም ኣይሁድ ኰነ። መብዛሕትኦም ድማ ሙሉእ ዕድሚኦም ኣብ ባቢሎን ኣሕለፍዎ። ኣዝዮም ዝኣረጉ ቁሩብ ኣይሁዳውያን ጥራይ ንምድሪ ይሁዳ ዘከርዋ።

Image

ንጉስ ፋርስ ጽኑዕ፡ ንዝሓዞም ህዝቢ ግና ሕያዋይ ነበረ። ቂሮስ ዝበሃል ንጉስ ፋርሳውያን ምስኰነ፡ ናብ ይሁዳ ክምለስ ዝደሊ ኩሉ ኣይሁዳዊ ናብ ይሁዳ ክምለስ ከምዝኽእል ፍቓድ ሃበ። ንቤተ መቕደሶም ክሰርሑ’ኳ ከይተረፈ ገንዘባዊ ሓገዝ ገበረሎም፡ ስለዚ ድሕሪ እቶም ኣብ ምርኮ ዝጸንሑሎም ሰብዓ ዓመታት ቁሩብ ኣይሁዳውያን ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ከተማ የሩሳሌም ተመልሱ።

Image

እቶም ህዝቢ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ ነቲ ቤተመቕደስን ነቲ ቀጽሪ እታ ከተማ ብዘሎ መሊሶም ሰርሕዎ። ዋላኳ ክሳዕ ሕጂ ብኻልኦት ህዝብታት ዝተገዝኡ እንተኾኑ፡ ኣብታ ምድሪ ተስፋ መሊሶም ብምንባር ኣብቲ ቤተመቕደስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣምለኽዎ።

ታሪኽ መፅሓፍቅዱስ፡- ካብ 2ይ ነገስት 17፤ 24-25፤ 2ይ ዜና 36፤ እዝራ 1-10፤ ነህምያ 1-13።