Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

32. ኢየሱስ ርዅስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብኣይን ዝሓመመት ሰበይትን ፈወሰ

Image

ሓደ መዓልቲ ኢየሱስን ደቀመዛሙርቱን ብጃልባ ነቲ ባሕሪ ኣቋሪጾም ሰብ ጌርጌሴኖን ናብ ዝነብሩሉ ቦታ ከዱ።

Image

ናብ ማዕዶ እቲ ባሕሪ ምስ በጽሑ ርዅስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብ እናጐየየ ናብ ኢየሱስ መጸ።

Image

ንሱ ከኣ ሰብ ሒዙ ከጽንዖ ዘይኽእል ኣዝዩ ብርቱዕ ሰብ እዩ ዝነበረ። ሰባት ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብሰንሰለት ይኣስርዎ ነበሩ፡ ነቲ ሰንሰለት ግና ይበጣጥሶ ነበረ።

Image

እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ኣብ መንጎ መቓብር ይነብር ነበረ። እዚ ሰብ መዓልትን ለይትን የእዊ ነበረ። ክዳን ኣይኽደን፡ ኣካላቱ ድማ እናደጋገመ ብእምኒ ይጠብሕ ነበረ።

Image

እቲ ሰብኣይ ናብ ኢየሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ወዲቑ ሰገደሉ። ኢየሱስ ነቲ ርዅስ መንፈስ፣ “ካብዚ ሰብኣይ ውጻእ” በሎ።

Image

እቲ ርዅስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብ ዓው ኢሉ፡ “ኣታ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ካባይ እንታይ ትደሊ፧ በጃኻ ኣይተሳቕየኒ” እናበለ ኣእወየ። ኢየሱስ ከኣ ነቲ ርዅስ መንፈስ፣ “ስምካ መንዩ”፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፣ “ብዙሓት ስለዝዀንና ስመይ ለጌዎን እዩ” ኢሉ መለሰ። (“ለጌዎን” ኣብ ሰራዊት ሮም ብዙሕ ሽሕ ወታደር ዝሓዘ ክፍሊ ሰራዊት እዩ።)

Image

እቶም ርዅሳን መናፍስቲ፡ “በጃኻ ካብዚ ከባቢ ኣይተርሕቐና” ኢሎም ለመንዎ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ኩጀት መጓሰ ሓሰማ ይቓርማ ነበራ። ስለዚ እቶም ርዅሳን መናፍስቲ ንኢየሱስ፡ “በጃኻ ናብተን ሓሰማ ስደደና” ኢሎም ለመንዎ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ኪዱ” በሎም።

Image

እቶም ርዅሳን መናፍስቲ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም ናብተን ሓሰማ ኣተዉ። እተን ሓሰማ ኣንቈልቍለን ካብቲ ጸድፊ ናብቲ ባሕሪ ጠሓላ። እተን መጓሰ ሓሰማ ኣዚየን ብዙሓት ነበራ።

Image

ነተን ሓሰማ ዝሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት ነቲ ዝዀነ ነገር ምስ ረኣዩ ናብ ከተማ እናጐየዩ ከይዶም ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ኩሉ ተዛረቡ። ናይታ ከተማ ሰባት ድማ መጺኦም ነቲ ርዅሳን መናፍስቲ ሓዲሮምዎ ዝነበረ ሰብ ረኣይዎ። ንሱ ድማ ጥዑይ ኰይኑ ክዳኑ ለውጡ ብሰላም ተቐሚጡ ነበረ።

Image

እቶም ሰባት ኣዝዮም ፈሪሖም ስለዝነበሩ ንኢየሱስ ክኸደሎም ለመንዎ። ስለዚ ኢየሱስ ናብ ጃልባ ኣትዩ ክኸይድ ተዳለወ። እቲ ርዅስ መንፈስ ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ምስ ኢየሱስ ክኸይድ ለመኖ።

Image

ኢየሱስ ግና፡ “ኣይፋሉን፡ ናብ ቤትካ ኬድካ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልካ ነገር ኩሉን ከመይ ከምዝመሓረካን ንወለድኻን ንቤተሰብካን ክትነግሮም እየ ዝደሊ” በሎ።

Image

ስለዚ እቲ ሰብኣይ ከይዱ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ ንኹሉ ሰብ ተዛረበ። ነቲ ታሪኽ ዝሰምዐ ኩሉ ሰብ ብምድናቕን ብምግራምን ተመልአ።

Image

ኢየሱስ ናብ ማዕዶ እቲ ባሕሪ ተመልሰ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ብዙሓት ሰባት ከበብዎ። ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ንዓሰርተኽልተ ዓመት ደም ይፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ነበረት። ክትሓዊ ኢላ’ውን ገንዘባ ኩሉ ንሓኻይም እናኸፈለት ወዲኣ ነበረት። ግንከ ገደዳ እምበር ኣይሐሻን።

Image

ኢየሱስ ንብዙሓት ሕሙማት ከምዝፈወሰ ሰሚዓ ነበረት’ሞ፡ “ክዳን ኢየሱስ እንተተንክፈ ጥራይ ኣነ’ውን ክፍወስ እየ” ኢላ ሓሰበት። ስለዚ ብድሕሪ ኢየሱስ መጺኣ ክዳኑ ተንከፈት። ክዳኑ ምስ ተንከፈት ድማ ሽኡ እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደማ ደው በለ፡፡

Image

ሽኡ ኢየሱስ፡ ሓይሊ ካብኡ ከምዝወጸ ፈለጠ። ንድሕሪት ዘወር ኢሉ ድማ፡ “መን’ዩ ዝተንከፈኒ” ኢሉ ሓተተ። ደቀመዛሙርቱ ከኣ፡
“ከቢቦም ዝደፋፍኡኻ ብዙሓት ሰባት እዮም። እሞ ንምንታይ ደኣ፡ ‹መን’ዩ ዝተንከፈኒ” ኢልካ ትሓትት፧ በልዎ።

Image

እታ ሰበይቲ እናንቀጥቀጠትን እናፈርሐትን ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ተደፍአት። ብድሕሪኡ ነቲ ዝገበረቶን ከመይ ከምእተፈወሰትን ነገረቶ። ኢየሱስ ድማ፡ “እምነትኪ ኣድሒናትኪ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 8፡28-34፤ 9፡20-22፤ ማርቆስ 5፡1-20፤ 5፡24-34፤ ሉቃስ 8፡26-39፤ 8፡42-48።