32. ኢየሱስ ርዅስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብኣይን ዝሓመመት ሰበይትን ፈወሰ
ሓደ መዓልቲ ኢየሱስን ደቀመዛሙርቱን ብጃልባ ነቲ ባሕሪ ኣቋሪጾም ሰብ ጌርጌሴኖን ናብ ዝነብሩሉ ቦታ ከዱ።
ናብ ማዕዶ እቲ ባሕሪ ምስ በጽሑ ርዅስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብ እናጐየየ ናብ ኢየሱስ መጸ።
ንሱ ከኣ ሰብ ሒዙ ከጽንዖ ዘይኽእል ኣዝዩ ብርቱዕ ሰብ እዩ ዝነበረ። ሰባት ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብሰንሰለት ይኣስርዎ ነበሩ፡ ነቲ ሰንሰለት ግና ይበጣጥሶ ነበረ።
እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ኣብ መንጎ መቓብር ይነብር ነበረ። እዚ ሰብ መዓልትን ለይትን የእዊ ነበረ። ክዳን ኣይኽደን፡ ኣካላቱ ድማ እናደጋገመ ብእምኒ ይጠብሕ ነበረ።
እቲ ሰብኣይ ናብ ኢየሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ወዲቑ ሰገደሉ። ኢየሱስ ነቲ ርዅስ መንፈስ፣ “ካብዚ ሰብኣይ ውጻእ” በሎ።
እቲ ርዅስ መንፈስ ዝሓዞ ሰብ ዓው ኢሉ፡ “ኣታ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ካባይ እንታይ ትደሊ፧ በጃኻ ኣይተሳቕየኒ” እናበለ ኣእወየ። ኢየሱስ ከኣ ነቲ ርዅስ መንፈስ፣ “ስምካ መንዩ”፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፣ “ብዙሓት ስለዝዀንና ስመይ ለጌዎን እዩ” ኢሉ መለሰ። (“ለጌዎን” ኣብ ሰራዊት ሮም ብዙሕ ሽሕ ወታደር ዝሓዘ ክፍሊ ሰራዊት እዩ።)
እቶም ርዅሳን መናፍስቲ፡ “በጃኻ ካብዚ ከባቢ ኣይተርሕቐና” ኢሎም ለመንዎ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ኩጀት መጓሰ ሓሰማ ይቓርማ ነበራ። ስለዚ እቶም ርዅሳን መናፍስቲ ንኢየሱስ፡ “በጃኻ ናብተን ሓሰማ ስደደና” ኢሎም ለመንዎ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ኪዱ” በሎም።
እቶም ርዅሳን መናፍስቲ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም ናብተን ሓሰማ ኣተዉ። እተን ሓሰማ ኣንቈልቍለን ካብቲ ጸድፊ ናብቲ ባሕሪ ጠሓላ። እተን መጓሰ ሓሰማ ኣዚየን ብዙሓት ነበራ።
ነተን ሓሰማ ዝሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት ነቲ ዝዀነ ነገር ምስ ረኣዩ ናብ ከተማ እናጐየዩ ከይዶም ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ኩሉ ተዛረቡ። ናይታ ከተማ ሰባት ድማ መጺኦም ነቲ ርዅሳን መናፍስቲ ሓዲሮምዎ ዝነበረ ሰብ ረኣይዎ። ንሱ ድማ ጥዑይ ኰይኑ ክዳኑ ለውጡ ብሰላም ተቐሚጡ ነበረ።
እቶም ሰባት ኣዝዮም ፈሪሖም ስለዝነበሩ ንኢየሱስ ክኸደሎም ለመንዎ። ስለዚ ኢየሱስ ናብ ጃልባ ኣትዩ ክኸይድ ተዳለወ። እቲ ርዅስ መንፈስ ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ምስ ኢየሱስ ክኸይድ ለመኖ።
ኢየሱስ ግና፡ “ኣይፋሉን፡ ናብ ቤትካ ኬድካ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልካ ነገር ኩሉን ከመይ ከምዝመሓረካን ንወለድኻን ንቤተሰብካን ክትነግሮም እየ ዝደሊ” በሎ።
ስለዚ እቲ ሰብኣይ ከይዱ ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ ንኹሉ ሰብ ተዛረበ። ነቲ ታሪኽ ዝሰምዐ ኩሉ ሰብ ብምድናቕን ብምግራምን ተመልአ።
ኢየሱስ ናብ ማዕዶ እቲ ባሕሪ ተመልሰ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ብዙሓት ሰባት ከበብዎ። ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ንዓሰርተኽልተ ዓመት ደም ይፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ነበረት። ክትሓዊ ኢላ’ውን ገንዘባ ኩሉ ንሓኻይም እናኸፈለት ወዲኣ ነበረት። ግንከ ገደዳ እምበር ኣይሐሻን።
ኢየሱስ ንብዙሓት ሕሙማት ከምዝፈወሰ ሰሚዓ ነበረት’ሞ፡ “ክዳን ኢየሱስ እንተተንክፈ ጥራይ ኣነ’ውን ክፍወስ እየ” ኢላ ሓሰበት። ስለዚ ብድሕሪ ኢየሱስ መጺኣ ክዳኑ ተንከፈት። ክዳኑ ምስ ተንከፈት ድማ ሽኡ እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደማ ደው በለ፡፡
ሽኡ ኢየሱስ፡ ሓይሊ ካብኡ ከምዝወጸ ፈለጠ። ንድሕሪት ዘወር ኢሉ ድማ፡ “መን’ዩ ዝተንከፈኒ” ኢሉ ሓተተ። ደቀመዛሙርቱ ከኣ፡
“ከቢቦም ዝደፋፍኡኻ ብዙሓት ሰባት እዮም። እሞ ንምንታይ ደኣ፡ ‹መን’ዩ ዝተንከፈኒ” ኢልካ ትሓትት፧ በልዎ።
እታ ሰበይቲ እናንቀጥቀጠትን እናፈርሐትን ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ተደፍአት። ብድሕሪኡ ነቲ ዝገበረቶን ከመይ ከምእተፈወሰትን ነገረቶ። ኢየሱስ ድማ፡ “እምነትኪ ኣድሒናትኪ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 8፡28-34፤ 9፡20-22፤ ማርቆስ 5፡1-20፤ 5፡24-34፤ ሉቃስ 8፡26-39፤ 8፡42-48።