33. ታሪኽ ሓደ ሓረስታይ
ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ኣብ ገምገም እቲ ባሕሪ ብዙሕ ሰብ ይምህር ነበረ። እቶም ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት ስለዝነበሩ ኢየሱስ ዝምህረሉ እኹል ቦታ ስለዘይረኸበ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ናብ ጃልባ ኣትዩ ይምህሮም ነበረ።
ኢየሱስ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ታሪኽ ነገሮም፡ “ሓደ ሓረስታይ ዘርኢ ክዘርእ ወጸ። ዘርኢ እናዘርአ ከሎ ገሊኡ ኣብ ወሰን መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺአን ከኣ በልዓኦ።
“ገሊኡ ዘርኢ ድማ መሬት ኣብዘይብሉ ኣብ ጭንጫ ወደቐ፡ በቝሉ ግና ሱር ክሰድድ ኣይከኣለን። ጸሓይ ወጺኣ ምስ በረቐት፡ እቲ በቚሊ ጸምልዩ ነቐጸ።
“ገሊኡ ዘርኢ ከኣ ኣብ ማእኸል ኣእሻዅ ወዲቑ ምብቋል ጀመረ፡ እንተኾነ እቲ እሸዅ ሓነቖ’ሞ ፍረ ከፍሪ ኣይከኣለን።
“ገሊኡ ዘርኢ ድማ ኣብ ልሙዕ መሬት ወደቐ። በቝሉ ከኣ ገሊኡ 30፡ ገሊኡ 60፡ ገሊኡ’ውን 100 ፍረ ሃበ። ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ”፡፡
እቶም ደቀመዛሙርቲ ግና ነዚ ኣይተረድእዎን። ስለዚ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ገለጸሎም፡ “እቲ ዘርኢ፡ ቃል ኣምላኽ እዩ። እቲ ወሰን መገዲ፡ እቶም ነቲ ቃል ዝሰምዑ እዮም። ዲያብሎስ ነቲ ዘርኢ ስለዝምንጥሎ ግና ኣየስተውዕልዎን።
“እቲ ኣብ ጭንጫ ዝተዘርአ ዘርኢ፡ እቲ ንቓል ኣምላኽ ሰሚዑ ብታሕጓስ ዝቕበሎ ሰብ እዩ። መከራ ወይ ስደት ከጋጥሞ ከሎ ግና እምነቱ ዝሓድግ እዩ።
“እቲ እሸዅ ዝመልኦ መሬት፡ እቲ ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕ’ሞ ደሓር ናይዛ ዓለም ሓሳብን ሃብትን ሓጐስን ነቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ይሓንቆ፡ ካብዚ ዝተላዕለ ድማ እቲ ዝሰምዖ ቃል ፍረ ኣየፍርን።
“እቲ ልሙዕ መሬት ግና፡ እቲ ቃል ኣምላኽ ሰሚዑ ዝኣምንን ፍረ ዘፍርን ሰብ እዩ።››
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 13፡1-8፣ 18-23፤ ማርቆስ 4፡1-8፣ 13-20፤ ሉቃስ 8፡4-15።