16. መውጻእቲ ሓራ
ኢያሱ ምስ ሞተ፡ እስራኤላውያን ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዙን፡ ነቶም ተሪፎም ዝነበሩ ከንኣናውያን’ውን ካብ መንጐኦም ኣይውጽእዎምን፡ ከምኡ’ውን ንሕጊ እግዚኣብሄር ኣይተኣዘዙን። እስራኤላውያን ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ ንያህዌ ምምላኽ ገዲፎም ንኣማልኽቲ ከንኣናውያን ምምላኽ ጀመሩ። እስራኤላውያን ንጉስ ኣይነበሮምን፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅኑዕ መሲሉ ዝተራእዮ ኩሉ ይገብር ነበረ።
እስራኤላውያን ንእግዚኣብሄር ብዘይምእዛዝ ስለ ዝቐጸሉ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፉ ሃቦም። እዞም ጸላእቶም ነቑሑት እስራኤላውያን ሰረቑ፡ ናውቶም’ውን ኣዕነዉ፤ ንመብዛሕትኦም’ውን ቀተልዎም። እስራኤላውያን ንእግዚኣብሄር ብዘይምእዛዝን ብመግዛእቲ ጸላእቶም ንብዙሕ ዘበናት ምስ ጸንሑ፡ ተነስሑ፡ ካብ ጸላእቶም ከናግፎም ድማ ናብ እግዚኣብሄር ጸለዩ።
ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ካብ ጸላእቶም ዘናግፎም ሓራ ዘውጽእ ሰብ ሰደደሎም፡ ኣብታ ምድሪ ድማ ሰላም ኣብዝሐሎም። ንሳቶም ግና ንኣምልኾም መሊሶም ንእግዚኣብሄር ረስዕዎ። ካልኦት ጣኦታት’ውን ኣምለኹ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንሚድያማውያን ጸላእቶም ገይሩ ኣተንስኣሎም፡ ሰዓርዎም ድማ።
ሚድያማውያን ንሸውዓተ ዓመት ዝኸውን ንዘራእቲ እስራኤላውያን ኩሉ ወሰዱሎም። እስራኤላውያን ኣዝዮም ፈሪሖም ነበሩ። ኣብ በብበዓቱን በብጐዳጒድን ተሓቢኦም ስለዝነበሩ ድማ ሚድያማውያን ክረኽብዎም ኣይከኣሉን። ላሕ ምስበሉ ድማ ከድሕኖም ናብ እግዚኣብሄር ጸለዩ።
ሓደ መዓልቲ ጊዴዎን ዝበሃል እስራኤላዊ፡ ሚድያማውያን እኽሉ ከይወስዱሉ ተሓቢኡ እኽሊ ይዘብጥ ነበረ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ ከኣ ከምዚ በሎ፡ “ኣታ ሓያል ጅግና ሰብ፡ እግዚኣብሄር ምስኻ እዩ። ኬድካ ንእስራኤላውያን ካብ ሚድያማውያን ኣድሕኖም”።
ኣቦ ጊዴዎን ንኣምልኾ ጣኦት ዝተዳለወ መሰውኢ ነበሮ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መሰውኢ ከፍርሶ ንጊዴዎን ነገሮ። ነገር ግን ጊዴዎን ነቲ ህዝቢ ስለዝፈርሐ ክሳዕ ዝመሲ ጸንሐ። ብድሕሪኡ ነቲ መሰውኢ ኣፈራረሶ፡ ሰባበሮ ድማ። ኣብ ጥቕኡ ከኣ ሓዱሽ መሰውኢ ንእግዚኣብሄር ሰርሐ። ንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሰውኣሉ።
ንጽባሒቱ ንጉሆ ዝዀነ ሰብ ነቲ መሰውኢ ከምዘፍረሶ ርእዮም ኣዝዮም ተቘጥዑ። ንጊዴዎን ክቐትሉ ከኣ ናብ እንዳ ጊዴዎን ከዱ። ኣቦ ጊዴዎን ድማ፡ “ንምንታይ ንኣምላኽኩም ክትሕግዙ እትፍትኑ፡ ንሱ ኣምላኽ እንትዀይኑ ንርአሱ ባዕሉ ይከራኸር” በሎም። ነዚ ስለ ዝበሎም ከኣ እቶም ህዝቢ ንጊዴዎን ኣይቀተልዎን።
ሚድያማውያን ንእስራኤላውያን ክወርዎም መሊሶም መጹ። ቁጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝነበረ ክቘጽሮም ዝኽእልን ኣይነበረን። ጊዴዎን ንሚድያማውያን ንምውጋእ ንእስራኤላውያን ጸውዖም። እግዚኣብሄር
ንዕኡ ተጠቒሙ ንእስራኤል ከድሕን እንተዀይኑ ንምርግጋጽ ጌዴዎን ክልተ ምልክታት ከርእዮ ንእግዚኣብሄር ለመኖ።
ነቲ ናይ መጀመረታ ምልክት ጨርቂ ኣብ መሬት ገይሩ እቲ ናይ ንጉሆ ዛዕዛዕታ ኣብቲ ጨርቂ ጥራይ እምበር ኣብ መሬት ከይርአ ሓተቶ። እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ዝለመኖ ገበረሉ። ንጽባሒቱ ምሸት ጌዴዎን ንእግዚኣብሄረ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ፡፡ እቲ መሬት ብዛዕዛዕታ ንጉሆ ይርሓስ፡ እቲ ጨርቂ ግና ደረቕ ይዅን በለ። እግዚኣብሄር ከኣ ከምኡ ገበረ። እዞም ክልተ ምልክታት እግዚኣብሄር ንዕኡ ተጠቒሙ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያማውያን ከምዘድሕን ንጊዴዎን መረጋገጺ ኰኑሉ።
32,000 ወታደራት እስራኤላውያን ናብ ጊዴዎን መጹ፡፡ እግዚኣበሄር ግና ቁጽሮም ብዙሕ እዩ በሎ። ስለዚ ጊዴዎን ንምውጋእ ዝፈርሑ 22,000 ወታደራት ናብ ቤቶም መለሶም። እግዚኣብሄር ንጌዴዎን ሕጂ’ውን ቁጽሪ እቶም ወታደራት ብዙሕ እዩ በሎ። ስለዚ ጊዴዎን 300 ወታደራት ኣትሪፉ ነቶም ካልኦት ነናብ ገዝኦም ክምለሱ ገበረ።
በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጊዴዎን፡ “ናብ ሰፈር ሰራዊት ሚድያማውያን ውረድ፡ ዝብልዎ እንተሰማዕኻ’ኳ ኣይትፍርሓዮም” በሎ። ስለዚ ጊዴዎን ናብ ሰፈር ሰራዊት ሚድያማውያን በታ ለይቲ ወረደ፡ ሓደ ናይ ሚድያም ወታደር ንዓርኩ ብሕልሙ፡ “ሰራዊት ጌዴዎን ንናይ ሚድያም ሰራዊት ክስዕር” ከምዝርአየ ክዛረብ ሰምዖ። ጊዴዎን ነዚ ምስ ሰምዐ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
ብድሕሪኡ ጊዴዎን ናብቶም ሰራዊቱ ተመሊሱ ንሕድሕዶም መለኸትን ሳርማን ሽግን ሃቦም። ሰራዊት ሚድያማውያን ደቂሶም ከለዉ ነቲ ሰፊሮሙሉ ዝነበረ ሰፈር ከበብዎ። እቶም 300 ሰራዊት ጊዴዎን ነቲ ዝወልዕዎ ሽግ ኣብ ውሽጢ ሳርማኦም ሒዞምዎ ስለዝነበሩ፡ ሰራዊት ሚድያማውያን ነቲ ናይቲ ሽግ ብርሃን ክርእይዎ ኣይከኣሉን።
ብድሕሪኡ ወታደራት ጊዴዎን ብሓደሳዕ ነቶም ሳርማኦም ሰበሩ፡ ናይቲ ሽጎም ብርሃን ብሓደሳዕ ብሃንደበት በርሀ። መለኸቶም እናነፍሑ ድማ፡ “ሰራዊት እግዚኣብሄርን ጊዴዎንን” እናበሉ ጨደሩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሚድያማውያን ኣደናጋገሮም፡ ንሕድሕዶም ከኣ ተቓተሉ። ሽዑ ኣብ በቤቶም ዝነበሩ እስራኤላውያን ተጸዋዊዖም ንሚድያማውያን ከባርሩ ተሓጋገዙ። ንብዙሓት’ውን ቀተሉ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ካብ ምድሪ እስራኤላውያን ኣባረርዎም። በቲ ግዜ እቲ 120,000 ወታደራት ሚድያማውያን ሞቱ። እግዚኣብሄር ከኣ ንእስራኤል ካብኣቶም ኣድሓኖም።
እቶም ህዝቢ ድማ ጊዴዎን ንጉሶም ክኸውን ደለዩ። ጊዴዎን ከምኡ ክገብሩ ኣይፈቐደሎምን፤ ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፎም ካብ ሚድያማውያን ዝወሰድዎም ቐላብቲ ወርቂ ከምጽኡሉ ሓተቶም። እቶም ህዝቢ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቂ ኣምጽኡሉ።
ጊዴዎን ነቲ ወርቂ ኣምኪኹ ከምቲ ሊቀኻህን ዝኽደኖ ዝበለ ፍሉይ ክዳን ገይሩ ኣስርሖ። እቶም ህዝቢ ነቲ ክዳን ከም ጣኦት ከምልኽዎ ጀመሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ መወዳእታ እቶም ህዝቢ ከድሕኖም ናብ እግዚኣብሄር ጸለዩ። እግዚኣብሄር ድማ ካልእ መድሓኒ ለኣኸሎም።
እዚ ከምዚ ዘበለ ነገር ብዙሕ ሳዕ ተደጋገመ። እስራኤላውያን ሓጥያት ይሰርሑ፡ እግዚኣብሄር ከዓ ይቐጽዖም፤ መሊሶም ይንስሑ፡ እግዚኣብሄር መሊሱ ዘድሕኖም ሰብ የተንስአሎም። ንብዙሕ ዓመታት እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ንምድሓን ብዙሓት መውጻእቲ ሓራ ሰደደሎም።
ብድሕሪኡ፡ እቶም ህዝቢ ከምቲ እቶም ካልኦት ኣህዛብ ዘለዉዎም ንጉስ ክገብረሎም ንእግዚኣብሄር ለመንዎ። ኣብ ውግእ ዝመርሖም ነዊሕን ብርቱዕን ንጉስ ክህልዎም ደለዩ። እግዚኣብሄር ግና ነዚ ሕቶኦም ኣይፈተወሎምን። ይኹን እምበር ከምቲ ዝደለይዎ ንጉስ ኣንገሰሎም።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- መሳፍንቲ 1-5፣ 6-8።