Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

39. ኢየሱስ ኣብ ፍርዲ ቀረበ

Image

እዋኑ ፍርቂ ለይቲ ነይሩ። እቲ ሊቀ ኻህናት ንኢየሱስ ሕቶ ምእንቲ ከቕርበሉ እቶም ወታደራት ንኢየሱስ ናብ እንዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ሰዓቦም። ንኢየሱስ ናብ እንዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ኣእተዉዎ፡ ጴጥሮስ ኸኣ ብወፃኢ ኰይኑ ሓዊ ይስሕን ነበረ።

Image

ኣብ ውሽጢ ቤቱ መራሕቲ ኣይሁድ ንኢየሱስ ናብ ፍርዲ ኣቕረብዎ። ብዛዕባኡ ሓስዮም ዝምስክሩ ብዙሓት ናይ ሓሶት መሰኻኽር ድማ ኣምጽኡ። ይዅን እምበር ቃሎም ንሕድሕዱ ኣይሰማማዕን ነበረ፡ ስለዚ እቶም መራሕቲ ኣይሁድ ብዝዀነ ይዅን ነገር ኢየሱስ በደለኛ ምዃኑ ከረጋግጹ ኣይከኣሉን።

Image

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ንኢየሱስ ትኽ ኢሉ ርእዩ፡ “እስኪ ንገረና፡ ንስኻ እቲ መሲሕ፡ ወዲ ህያው ኣምላኽ ዲኻ፧ በሎ።

Image

ኢየሱስ፡ “እወ እየ፡ ከምኡ’ውን ወዲ ሰብ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ፡ ካብ ሰማይ ክመጽእን ክትርኡ ኢኹም” በሎ። እቲ ሊቀ ኻህናት ብቚጥዓ ክዳኑ ብምቕዳድ ነቶም ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት፡ “ተወሰኽቲ መሰኻኽር ኣየድልዩናን፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ክብል ሰሚዕኹምዎ ኢኹም። እንታይ ትፈርዱ”፧ ኢሉ ጨደረ።

Image

ኩሎም መራሕቲ ኣይሁድ ድማ ነቲ ሊቀኻህናት፡ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም መለሱሉ። ብድሕሪኡ ንኢየሱስ ገጹ ሸፈንዎ፡ ጡፍ በሉሉ፡ ወቕዕዎ፡ ኣላገጽሉ’ውን።

Image

ጴጥሮስ ብደገ እቲ ወጻኢ እናተጸበየ ከሎ፡ ሓንቲ ገረድ ርእያቶ፡ “ንስኻ ምስ ኢየሱስዶ ኣይነበርካን”፧ በለቶ። ጴጥሮስ ግና ነቲ ንሳ ዝበለቶ ከሓደ። ከምኡ’ውን ካልእ ገረድ ከምኡ ኢላ ተዛረበት፡ ንሱ ግና መሊሱ ከሓደ። ኣብ መወዳእታ ካልኦት ድማ፡ “ክልቴኹም ገሊላዊያን ስለዝዀንኩም ንስኻ ምስ ኢየሱስ ከምዝዀንካ ንፈልጥ ኢና” በሉ።

Image

ብድሕሪኡ ጴጥሮስ፡ “ነዚ ሰብ እዚ ኣነ ኣይፈልጦን ኢሉ፡ ክራገምን ክምሕልን ጀመረ። ሽኡ ድማ ደርሆ ነቀወ፡ ኢየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ረኣዮ።

Image

ጴጥሮስ ከይዱ ኣምሪሩ በኸየ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ መራሕቲ ኣይሁድ ኢየሱስ ክቕተል ከምዝፈረዱ እቲ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ፈለጠ። ሽዑ ይሁዳ ኣዝዩ ስለዝሓዘነ ከይዱ ነፍሱ ኣጥፍአ።

Image

ንጽባሒቱ ንጉሆ፡ መራሕቲ ኣይሁድ ንኢየሱስ ናብቲ ገዛኢ ሮም ናብ ጲላጦስ ኣምጽእዎ። ጲላጦስ ንኢየሱስ በደለኛ እዩ ኢሉ ናይ ሞት ፍርዲ ክፈርድ መራሕቲ ኣይሁድ ተስፋ ገይሮም ነበሩ። ጲላጦስ ንኢየሱስ፡ “ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ”፧ ኢሉ ሓተቶ።

Image

ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ንስኻ በልካ” መንግስተይ ግን ምድራዊት ኣይኰነትን። ከምኡ እንተትኸውን፡ ኣገልገልተይ ምተዋግኡለይ ነይሮም።

ብዛዕባ ሓቂ ኣምላኽ ክነግር እየ ናብ ምድሪ መጺአ። ሓቂ ዝፈቱ ኩሉ ንዓይ ይሰምዐኒ”። ጲላጦስ ከኣ፡ “ሓቂ እንታይ እዩ” በለ።

Image

ጲላጦስ ምስ ኢየሱስ ተዘራረበ፡ ወጺኡ ኸኣ፡ “ኣብዚ ሰብ’ዚ ሓንቲ በደል’ኳ ኣይረኸብኩሉን” በለ። መራሕቲ ኣይሁድን እቶም ህዝብን ግና፡ “ስቐሎ” እናበሉ ጨደሩ። ጲላጦስ ድማ፡ “በደለኛ’ኮ ኣይኰነን” በሎም። ንሳቶም ግና ዝገደደ ጨደሩ። ሽዑ ጲላጦስ ንሳልሳይ ግዜ፡ “ዝበደሎ የልቦን” በለ።

Image

ሽዑ ጲላጦስ እቶም ህዝቢ ዕግርግር ከይጅምሩ ፈርሐ፡ ስለዚ ወታደራቱ ንኢየሱስ ክሰቕልዎ ኣዘዞም። ወታደራት ሮማ ንኢየሱስ ክዳኑ ገፊፎም ገረፍዎ፡ ቀይሕ ኪዳን ድማ ኣልበስዎ፡ ከምኡ’ውን ኣኽሊል እሸዅ ኣብ ርእሱ ገበሩ። “ንጉስ ኣይሁድ እነሀልኩም” እናበሉ ድማ ኣላገጽሉ።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 26፡57-27፡26፤ ማርቆስ 14፡53-15፡15፤ ሉቃስ 22፡54-23፡25፤ ዮሐንስ 18፡12-19፡16።