39. ኢየሱስ ኣብ ፍርዲ ቀረበ
እዋኑ ፍርቂ ለይቲ ነይሩ። እቲ ሊቀ ኻህናት ንኢየሱስ ሕቶ ምእንቲ ከቕርበሉ እቶም ወታደራት ንኢየሱስ ናብ እንዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ሰዓቦም። ንኢየሱስ ናብ እንዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስ ኣእተዉዎ፡ ጴጥሮስ ኸኣ ብወፃኢ ኰይኑ ሓዊ ይስሕን ነበረ።
ኣብ ውሽጢ ቤቱ መራሕቲ ኣይሁድ ንኢየሱስ ናብ ፍርዲ ኣቕረብዎ። ብዛዕባኡ ሓስዮም ዝምስክሩ ብዙሓት ናይ ሓሶት መሰኻኽር ድማ ኣምጽኡ። ይዅን እምበር ቃሎም ንሕድሕዱ ኣይሰማማዕን ነበረ፡ ስለዚ እቶም መራሕቲ ኣይሁድ ብዝዀነ ይዅን ነገር ኢየሱስ በደለኛ ምዃኑ ከረጋግጹ ኣይከኣሉን።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ንኢየሱስ ትኽ ኢሉ ርእዩ፡ “እስኪ ንገረና፡ ንስኻ እቲ መሲሕ፡ ወዲ ህያው ኣምላኽ ዲኻ፧ በሎ።
ኢየሱስ፡ “እወ እየ፡ ከምኡ’ውን ወዲ ሰብ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ፡ ካብ ሰማይ ክመጽእን ክትርኡ ኢኹም” በሎ። እቲ ሊቀ ኻህናት ብቚጥዓ ክዳኑ ብምቕዳድ ነቶም ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት፡ “ተወሰኽቲ መሰኻኽር ኣየድልዩናን፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ክብል ሰሚዕኹምዎ ኢኹም። እንታይ ትፈርዱ”፧ ኢሉ ጨደረ።
ኩሎም መራሕቲ ኣይሁድ ድማ ነቲ ሊቀኻህናት፡ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም መለሱሉ። ብድሕሪኡ ንኢየሱስ ገጹ ሸፈንዎ፡ ጡፍ በሉሉ፡ ወቕዕዎ፡ ኣላገጽሉ’ውን።
ጴጥሮስ ብደገ እቲ ወጻኢ እናተጸበየ ከሎ፡ ሓንቲ ገረድ ርእያቶ፡ “ንስኻ ምስ ኢየሱስዶ ኣይነበርካን”፧ በለቶ። ጴጥሮስ ግና ነቲ ንሳ ዝበለቶ ከሓደ። ከምኡ’ውን ካልእ ገረድ ከምኡ ኢላ ተዛረበት፡ ንሱ ግና መሊሱ ከሓደ። ኣብ መወዳእታ ካልኦት ድማ፡ “ክልቴኹም ገሊላዊያን ስለዝዀንኩም ንስኻ ምስ ኢየሱስ ከምዝዀንካ ንፈልጥ ኢና” በሉ።
ብድሕሪኡ ጴጥሮስ፡ “ነዚ ሰብ እዚ ኣነ ኣይፈልጦን ኢሉ፡ ክራገምን ክምሕልን ጀመረ። ሽኡ ድማ ደርሆ ነቀወ፡ ኢየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ረኣዮ።
ጴጥሮስ ከይዱ ኣምሪሩ በኸየ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ መራሕቲ ኣይሁድ ኢየሱስ ክቕተል ከምዝፈረዱ እቲ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ፈለጠ። ሽዑ ይሁዳ ኣዝዩ ስለዝሓዘነ ከይዱ ነፍሱ ኣጥፍአ።
ንጽባሒቱ ንጉሆ፡ መራሕቲ ኣይሁድ ንኢየሱስ ናብቲ ገዛኢ ሮም ናብ ጲላጦስ ኣምጽእዎ። ጲላጦስ ንኢየሱስ በደለኛ እዩ ኢሉ ናይ ሞት ፍርዲ ክፈርድ መራሕቲ ኣይሁድ ተስፋ ገይሮም ነበሩ። ጲላጦስ ንኢየሱስ፡ “ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ”፧ ኢሉ ሓተቶ።
ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ንስኻ በልካ” መንግስተይ ግን ምድራዊት ኣይኰነትን። ከምኡ እንተትኸውን፡ ኣገልገልተይ ምተዋግኡለይ ነይሮም።
ብዛዕባ ሓቂ ኣምላኽ ክነግር እየ ናብ ምድሪ መጺአ። ሓቂ ዝፈቱ ኩሉ ንዓይ ይሰምዐኒ”። ጲላጦስ ከኣ፡ “ሓቂ እንታይ እዩ” በለ።
ጲላጦስ ምስ ኢየሱስ ተዘራረበ፡ ወጺኡ ኸኣ፡ “ኣብዚ ሰብ’ዚ ሓንቲ በደል’ኳ ኣይረኸብኩሉን” በለ። መራሕቲ ኣይሁድን እቶም ህዝብን ግና፡ “ስቐሎ” እናበሉ ጨደሩ። ጲላጦስ ድማ፡ “በደለኛ’ኮ ኣይኰነን” በሎም። ንሳቶም ግና ዝገደደ ጨደሩ። ሽዑ ጲላጦስ ንሳልሳይ ግዜ፡ “ዝበደሎ የልቦን” በለ።
ሽዑ ጲላጦስ እቶም ህዝቢ ዕግርግር ከይጅምሩ ፈርሐ፡ ስለዚ ወታደራቱ ንኢየሱስ ክሰቕልዎ ኣዘዞም። ወታደራት ሮማ ንኢየሱስ ክዳኑ ገፊፎም ገረፍዎ፡ ቀይሕ ኪዳን ድማ ኣልበስዎ፡ ከምኡ’ውን ኣኽሊል እሸዅ ኣብ ርእሱ ገበሩ። “ንጉስ ኣይሁድ እነሀልኩም” እናበሉ ድማ ኣላገጽሉ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 26፡57-27፡26፤ ማርቆስ 14፡53-15፡15፤ ሉቃስ 22፡54-23፡25፤ ዮሐንስ 18፡12-19፡16።