Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

50. ኢየሱስ ክምለስ እዩ

Image

ን2,000 ዓመታት ዝኸውን ኣብ ኩላ ዓለም ዘለዉ ሰባት ስለ እቲ መሲሕ ኢየሱስ ዝንገር ብስራት እናሰምዑ ፀኒሖም እዮም። ቤተኽርስቲያን እናዓበየት ነይራ እያ። ኢየሱስ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከምዝምለስ ተስፋ ሂቡ እዩ። ንሱ ገና እንተዘይተመልሰ እኳ፣ ነቲ ተስፍኡ ይሕልዎ እዩ።

Image

ምምላስ ኢየሱስ እናተፀበና እንተለና፣ እግዚኣብሄር፣ ቅዱስ ብዝዀነን ንዕኡ ብዘኽብር መንገድን ክንነብር እዩ ዝደሊ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ መንግስቱ ንኻልኦት ክንነግሮም ይደሊ እዩ። ኢየሱስ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ይነብረሉ ዝነበረ ግዜ፣ ‹‹ደቀመዛሙርተይ ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝገልፅ ብስራት ኣብ ዓለም ኣብ ኩሉ ቦታ ንዘለዉ ኩሎም ሰባት ይሰብኩ፣ ሽዑ መወዳእታ ዓለም ይኸውን›› በለ።

Image

ሕዝ’ውን ብዙሓት ዓሌታት ህዝብታት ብዛዕባ ኢየሱስ ኣይሰምዑን። ኢየሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፣ ነቲ ብስራት ንዘይሰምዑ ኩሎም ክእውጁ ነቶም ክርስቲያናት ነጊርዎም እዩ። ‹‹ኪዱ’ሞ ንዓሌታት ህዝብታት ኩሎም ደቀመዛሙርቲ ግበርዎም!›› ‹‹ቀውዒ በፂሑ እዩ!›› ድማ በለ።

Image

ከምኡ’ውን ኢየሱስ ከምዚ በለ፤ ‹‹ኣገልጋሊ ካብ ጎይትኡ ኣይበልፅን። ከምቲ ናይዛ ዓለም ሰበስልጣን ንዓይ ዝፀልኡኒ፣ ብሰንከይ ከሳቕዩኹምን ክቐትሉኹምን እዮም። ኣብዛ ዓለም መከራ እንተተቐበልኩም’ኳ፣ ኣይዞኹም፤ ምኽንያቱ፣ ኣነ ነዛ ዓለም ዝገዝኣ ንሰይጣን ስዒረዮ እዮ። ንስኻትኩም ብኣይ ኣሚንኩም ክሳዕ መወዳእታ እንተፀናዕኹም፣ ሽዑ እግዚኣብሄር ከድሕነኩም እዩ!››

Image

ኢየሱስ መወዳእታ ዓለም ክኸውን እንተሎ፣ ስለ እቲ ኣብ ሰባት ዝበፅሕ ነገር እንትዛረብ ንደቀመዛሙርቱ ሓደ ታሪኽ ነገሮም። ሓደ ሰብኣይ ኣብ ግራቱ ፅቡቕ ዘርኢ ዘርአ። ደቂሱ እንከሎ ድማ ፀላኢኡ መፂኡ ኣብቲ ስርናይ ዝተዘርኦ ፃህያይ ዘሪኡ ከደ።

Image

‹‹እቲ ዝተዘርአ ስርናይ ምስ በቘለ፣ ኣገልገልቱ፣ ‹ጎይታ፣ ኣብዚ ግራት ፅቡቕ ዘርኢ ዘሪእኻ ነበርካ። ንምንታይ ደኣ እዩ ፃህያይ ኣብቍሉ ዝኒሄ?› ኢሎም ጠየቕዎ።እቲ ጎይትኦም ድማ፣ ‹ነዚ ዝዘርአ ፀላኢ እዩ ዝኸውን››› ኢሉ መለሰሎም።

Image

‹‹እቶም ኣገልገልቱ ድማ ንጎይትኦም፣ ‹እሞ ነቲ ፃህያይ ክንነቕሎዶ?› በልዎ። ጎይትኦም ድማ ከምዚ በሎም፤‹ኣይፋሉን። ነዚ ክትነቕሉ ነቲ ስርናይ’ውን ክትነቕልዎ ኢኹም። ክሳዕ ቀውዒ ይፅንሑ’ሞ ሽዑ ነቲ ፃህያይ ኣኪብኩም ኣቃፅልዎ፤ ነቲ ስርናይ ግና ናብ ማዕኸነይ ኣእትዉዎ።›››

Image

ደቀመዛሙርቱ ናይቲ ታሪኽ ትርጉም ስለዘይተረድኦም ከረድኦም ንኢየሱስ ጠየቕዎ። ኢየሱስ ድማ ከምዚ በሎም፤ ‹‹እቲ ፅቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ እቲ መሲሕ እዩ። እቲ ግራት፣ ዓለም እያ። እቲ ፅቡቕ ዘርኢ ድማ እቶም ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዘለዉ ሰባት እዮም።

Image

‹‹እቲ ፃህያይ፣ እቶም ካብ ወገን እቲ ክፉእ ዝዀኑ ሰባት እዮም። ነቲ ፃህያይ ዝዘርኦ ዲያብሎስ እዩ። እቲ ቀውዒ፣ ናይ ዓለም መወዳእታ እዩ፤ እቶም ዓፀድቲ ድማ፣ መላእኽቲ እግዚኣብሄር እዮም።

Image

‹‹ኣብ መወዳእታ ዓለም፣ መላእኽቲ ነቶም ወገናት ዲያብሎስ ዝዀኑ ሰባት ኣኪቦም ሃልሃል ናብዝብል ሓዊ ይድርብይዎም። ኣብኡ ድማ ዋጭ ዋጭ ይብሉን ኣስናኖም ይሕርቅሙን። ሽዑ ፃድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቡኦም ከም ፀሓይ ይበርሁ።››

Image

ከምኡ’ውን ኢየሱስ፣ ቅድሚ መወዳእታ ዓለም ናብ ምድሪ ከምዝምለስ ተዛረበ። ከምቲ ዝኸዶ ከኣ ይምለስ፤ እዚ ድማ፣ ብኣካል ክመፅእ እዩ ማለት እዩ። ብደበና ሰማይ ከኣ ይመፅእ። ኢየሱስ ክምለስ እንከሎ፣ ሕድሕድ ዝሞተ ክርስቲያን ካብ ምዉታት ተሲኡ ኣብ ሰማይ ይራኸቦ።

Image

ሽዑ እቶም ገና ብህይወት ይነብሩ ዘለዉ ክርስቲያናት ናብ ሰማይ ተላዒም ምስቶም ካብ ምዉታት ዝተስኡ ካልኦት ክርስቲያናት ይሕወሱ። ኣብኡ ድማ ኩሎም ምስ ኢየሱስ ይዀኑ። ብድሕሪኡ ኢየሱስ ምስ ህዝቡ ፍፁም ብዝዀነ ሰላምን ሓድነትን ብሓባር ይነብር።

Image

ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣምኑ ኩሎም ዘውዲ ከምዝደፍአሎም ተስፋ ሂቡ እዩ። ንሳቶም ድማ ፍፁም ብዝዀነ ሰላም ምስ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይነብሩን ይነግሱን።

Image

ነገር ግን እግዚኣብሄር ኣብቶም ብኢየሱስ ዘይኣመኑ ዘበሉ ይፈርድ። ንዘለኣለም ናብዝበኽዩሉን ብስቓይ ኣስናኖም ናብ ዝሕርቅሙሉን ናብ ሲኦል ይድርብዮም። ፈፂሙ ዘይቕህም ሓዊ ድማ ይልብልቦም፤ ሓሳኹ’ውን ንዓኣቶም ካብ ምብላዕ ኣየቋርፁን።

Image

ኢየሱስ ክምለስ እንተሎ፣ ንሰይጣንን ንመንግስቱን ፈፂሙ የጥፍኦም። ንሰይጣንን ነቶም ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ገዲፎም ንዕኡ ምኽታል ዝመረፁ ኩሎምን ንዘለኣለም ናብዝቃፀሉሉ ናብ ሲኦል ይድርብዮም።

Image

ኣዳምን ሄዋንን ንእግዚኣብሄር ስለዘይተኣዘዙን ሓጥያት ናብዛ ዓለም ክኣቱ ስለዝገበሩን፣ እግዚኣብሄር ንዓለም ረገማ፤ ከጥፍኣ’ውን ወሰነ። ነገር ግን ሓደ መዓልቲ እግዚኣብሄር ፍፁም ዝዀነ ሰማይን ምድርን ክፈጥር እዩ።

Image

ኢየሱስን ህዝቡን ኣብታ ሓዳስ ምድሪ ይነብሩ፤ ኣብ ብዘሎ ነገር ኩሉ ድማ ንዘለኣለም ይነግሱ። ንሱ ንንብዓት ኩሉ ይሕብሶ፤ በዝሕዚ ስቓይ፣ ሓዘን፣ ብኽያት፣ ሕማም ወይ ሞት ኣይክህሉን። ኢየሱስ ንመንግስቱ ብሰላምን ብፍትሕን ይገዝእ፤ ንዘለኣለም ድማ ምስ ህዝቡ ይነብር።

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 24፡14፤ 28፡18፤ ዮሃንስ 15፡20፤ 16፡33፤ ራእይ 2፡10፤ ማቴዎስ 13፡24-30፤ 36-42፤ 1ኛ ተሰሎንቄ 4፡13-5፡11፤ ያእቆብ 1፡12፤ ማቴዎስ 22፡13፤ ራእይ 20፡10፤ 21፡1-22፡21።