46. ጳውሎስ ክርስትያን ኰነ
ሳውል ማለት ንእስጢፋኖስ ብእምኒ ክቐትልዎ ከለዉ ናይቶም ሰባት ክዳን ዝሕሉ ዝነበረ መንእሰይ ነበረ። ብኢየሱስ ኸኣ ኣይኣምንን ነበረ። ስለዚ ነቶም ኣመንቲ የሳድዶም ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኣወዳትን ኣጓላትን እናሓዘ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከእትዎም ገዛ ገዛ ይዘውር ነበረ። እቲ ሊቀ ኻህናት ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስቲያናት ናብ ኢየሩሳሌም ከምጽኦም ንሳውል ናብ ደማስቆ ክኸይድ ፍቓድ ሃቦ።
ሳውል ናብ ደማስቆ እናኸደ እንከሎ፡ ካብ ሰማይ ሓያል ብርሃን ኣብ ዙርይኡ ኵሉ በርሀ፡ ንሱ ድማ ናብ መሬት ወደቐ። “ሳውል! ሳውል! ስለምንታይ ኢኻ እተሳድደኒ” ዝብል ድምጺ ሰምዐ። ሳውል ድማ፡ “ዎ ጐይታ፡ ንስኻ መን ኢኻ”፧ ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ “ኣነ እቲ እተሳድደኒ ዘለኻ ኢየሱስ እየ” በሎ።
ሳሳውል ምስ ተንስአ ምርኣይ ሰኣነ። ፈተውቱ ናብ ደማስቆ እናመርሑ ወሰድዎ። ሰለስተ መዓልቲ ድማ ኣይበልዐን፡ ኣይሰተየን’ውን።
ኣብ ደማስቆ ሃናንያ ዝተባህለ ወደ መዝሙር ነበረ። እግዚኣብሄር ንሃናንያ፡ “ናብቲ ሳውል ዘለዎ ቤት ኪድ። መሊሱ ክርኢ ድማ ኢድካ ኣንብረሉ” በሎ። ሃናንያ ግና፡ “ጐይታ፡ እዚ ሰብ ንኣመንቲ ከመይ ከምዘሳደደ ሰሚዐ እየ” በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ “ኪድ! ንኣይሁድን ንኻልኦት ህዝብታትን ስመይ ከበስር መሪጸዮ ኣለኹ። ስለ ስመይ ከኣ ብዙሕ መከራ ክቕበል እዩ” በሎ።
ስለዚ ሃናንያ ናብ ሳውል ከደ። ኣእዳዉ ኣብኡ ኣንበረ፡ ከምዚ ድማ በሎ፡ “ናብዚ ክትመጽእ ከለኻ ዝተራእየካ ኢየሱስ፡ መሊስካ ክትርእይን መንፈስ ቅዱስ ክመልአካን ናባኻ ለኣኸኒ”። ሳውል ድማ ሽዑ ረኣየ፡ ሃናንያ ድማ ኣጠመቖ። ብድሕሪኡ ሳውል ምግቢ በልዐ፡ በርትዐ ድማ።
ሽዑ ሳውል፡ “ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ፡ እናበለ ኣብ ደማስቆ ንዝነበሩ ኣይሁድ ኩሎም ክሰብኽ ጀመረ። ኣይሁድ ድማ፡ እቲ ኣመንቲ ንምጥፋእ ይጽዕር ዝነበረ ሰብ ሕጂ ብኢየሱስ ብምእማኑ ተገረሙ። ሳውል፡ ኢየሱስ መሲሕ ከምዝዀነ ኣርጋጊጹ ንኣይሁድ ተዛረበ።
ድሕሪ ሓያሎ መዓልትታት ኣይሁድ ንሳውል ክቐትልዎ ሓሰቡ። ክቐትልዎ ድማ ኣብ ናብታ ከተማ ኣፍደገታት ዝሕልዉ ሰባት ገበሩ። ነገር ግን ሳውል ብዛዕባ እቲ ሓሳቦም ወረ ሰምዐ፡ ፈተውቱ ከኣ ከምልጥ ሓገዝዎ። ሓደ ለይቲ ብከፈር ገይሮም፡ ብቀጽሪ’ታ ከተማ ኣውረድዎ። ሳውል ካብ ደማስቆ ምስ ኣምለጠ ብዛዕባ ኢየሱስ ምስባኹ ቀጸለ።
ሳውል ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ክራኸብ ናብ ኢየሩሳሌም ከደ፡ ንሳቶም ግና ፈርሕዎ። ሽዑ በርናባስ ዝተባህለ ኣማኒ ንሳውል ናብቶም ሃዋርያት ወሰዶ’ሞ ኣብ ደማስቆ ብዛዕባ ኢየሱስ ከመይ ደፊሩ ከምዝሰበኸ ነገሮም። ብድሕሪኡ ደቀ መዛሙርቲ ንሳውል ተቐበልዎ።
በቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ስደት ዝሃደሙ ገለ ኣመንቲ ክሳዕ ኣንጸኪያ ኣርሒቖም ከይዶም ብዛዕባ ኢየሱስ ሰበኹ። ኣብ ኣንጾኪያ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ኣይሁድ ኣይነበሩን፡ እንተኾነ ንመጀመርታ ግዜ ብዙሓት ኣመንቲ ኰኑ። በርናባስን ሳውልን ነዞም ሓደሽቲ ኣመንቲ ብተወሳኺ ብዛዕባ ኢየሱስ ክምህርዎምን ንቤተ ክርስቲያን ከጸናንዑን ናብኡ ከዱ። እቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣመኑ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣንጾኪያ “ክርስቲያን” ተባህሉ።
ሓደ መዓልቲ እቶም ኣብ ኣንጾኪያ ዝነበሩ ክርስቲያናት ክጽሙን ክጽለዩን ከለዉ መንፈስ ቅዱስ፡ “ነቲ ዝሓረኹዎም ዕዮ በርናባስን ሳውልን ፍለዩለይ›” በሎም። ስለዚ ኣብ ኣንጾኪያ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ኣገልገልቲ ንበርናባስን ንሳውልን ጸለዩሎም፡ ኣእዳዎም’ውን ኣንበሩሎም። ብድሕሪኡ ኣብ ካልኦት ብዙሓት ቦታታት ብዛዕባ ኢየሱስ ብስራት ክሰብኩ ለኣኹዎም። በርናባስን ሳውልን ንዝተፈላለዩ ህዝብታት መሃሩ፡ ብዙሓት ሰባት’ውን ብኢየሱስ ኣመኑ።
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ግብሪ ሃዋርያት 8፡3፤ 9፡1-31፤ 11፡19-26፤ 13፡1-3።