10. እቶም ዓሰርተ መዓት
ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ከይዶም፡ “ኣምላኽ እስራኤል ንህዝበይ ሕደጎም” ይብለካ ኣሎ በልዎ። ፈርኦን ግና ኣይሰምዖምን። እስራኤላውያን ናጻ ኰይኖም ክወጹ ኣብ ክንዲ ምግባር ዝገደደ ከቢድ ስራሕ ክሰርሑ ኣገደዶም።
ፈርዖን ነቲ ህዝቢ ኣይሓድግን ምባሉ ቀጸለ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዓሰርተ መዓት ሰደደ። እግዚኣብሄር ከኣ ብምኸንያት እዞም መዓት ካብ ፈርኦንን ካብ ኩሎም ኣማልኽቲ ግብጽን ዝበለጸ ሓያል ምዃኑ ንፈርኦን ኣርአዮ።
እግዚኣብሄር ንማይ ኒል ናብ ደም ለወጦ፡ ሕጂ’ውን ፈርኦን ንእስራኤላውያን ክሰዶም ኣይደለየን።
እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ግብጺ ቊርዖብ ሰደደ። ፈርኦን ከኣ ነተን ቊርዖብ ከወግድሉ ንሙሴ ለመኖ። ብድሕሪዚ ከኣ ኩለን እተን ቊርዖብ ምስ ሞታ፡ ፈርኦን ግን ልቡ ብምትራር እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክውጹ ኣይሰደዶምን። ን።
ስለዚ እግዚኣብሄር ጻጹት ሰደደ። ቀጺሉ ድማ ጽንጽያ ከልቢ ሰደደ። ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ ነዞም መዓት እንተ ኣወጊዶሙሉ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ነገሮም። ሙሴ ምስ ጸለየ ድማ እግዚኣብሄር ነቶም ጽንጽያታት ካብ ግብጺ ኣወገዶም። ሕጂ’ውን ፈርኦን ልቡ ብምትራር ንእስራኤላውያን ኣይሓድግን በለ።
ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ማል ግብጻውያን ብሕማም ክሞታ ገበረ። ፈርኦን ግና ልቡ ብምትራር ንእስራኤላውያን ኣይሰደዶምን።
ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ሓሙኽስቲ ክብትን ንሙሴ ኣዘዞ። ሙሴ ነቲ ሓሙኽሽቲ ናብ ሰማይ ምስ በተነ፡ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ዘሕምም ቊስሊ ወጾም። ኣብ እስራኤላውያን ግና እቲ ቊስሊ ኣይወጸን። እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ ፈርኦን ድማ ንእስራኤላውያን ኣይሓደጎምን።
ድሕሪ እዚ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ኣዝርአቲ ኩሉን ኣብ መሮር ዝነበረ ሰብ ዘጥፍአ በረድ ከምዝወቅዕ ገበረ። ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ኣሮንን ጸዊዑ፡ “በዲለ እየ፡ ሕጂ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም” ኢሉ ነገሮም። ስለዚ ሙሴ ጸለየ፡ እቲ በረድ ድማ ምውቃዕ ኣቋረጸ።
ይኹን እምበር ፈርኦን መሊሱ ሓጢኣት ሰርሐ ልቡ’ውን ኣትረረ። ንእስራኤላውያን ድማ ክሰዶም ኣይፈተወን።
እግዚኣብሄር ድማ ናብ ግብጺ ዕስለ ኣንበጣ ኣምጽአ። እዞም ኣንበጣታት ከኣ ነቲ በረድ ዘየጥፍኦ እኽሊ በልዕዎ።
ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሐ ጸልማት ሰደደ። ግብጻውያን ካብ ኣባይቶም ምውጻእ ክሳዕ ዝስእኑ ኣዝዩ ጸልሚቱ ነበረ።
ኣብቲ እስራኤላውያን ዝነብሩሉ ከባቢ ግና ብርሃን ነበረ።
ድሕሪ እዞም ትሽዓተ መዓት’ኳ ፈርኦን ንእስራላውያን ክሰድድ ኣይፈተወን፡፡ ፈርኦን ምስማዕ ስለ ዝኣበየ፡ እግዚኣብሄር ልቢ ፈርኦን ዝልውጥ ሓደ ናይ መወዳእታ መዓት ክሰድድ ወሰነ።
ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 5-10።