Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

10. እቶም ዓሰርተ መዓት

Image

ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ከይዶም፡ “ኣምላኽ እስራኤል ንህዝበይ ሕደጎም” ይብለካ ኣሎ በልዎ። ፈርኦን ግና ኣይሰምዖምን። እስራኤላውያን ናጻ ኰይኖም ክወጹ ኣብ ክንዲ ምግባር ዝገደደ ከቢድ ስራሕ ክሰርሑ ኣገደዶም።

Image

ፈርዖን ነቲ ህዝቢ ኣይሓድግን ምባሉ ቀጸለ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዓሰርተ መዓት ሰደደ። እግዚኣብሄር ከኣ ብምኸንያት እዞም መዓት ካብ ፈርኦንን ካብ ኩሎም ኣማልኽቲ ግብጽን ዝበለጸ ሓያል ምዃኑ ንፈርኦን ኣርአዮ።

Image

እግዚኣብሄር ንማይ ኒል ናብ ደም ለወጦ፡ ሕጂ’ውን ፈርኦን ንእስራኤላውያን ክሰዶም ኣይደለየን።

Image

እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ግብጺ ቊርዖብ ሰደደ። ፈርኦን ከኣ ነተን ቊርዖብ ከወግድሉ ንሙሴ ለመኖ። ብድሕሪዚ ከኣ ኩለን እተን ቊርዖብ ምስ ሞታ፡ ፈርኦን ግን ልቡ ብምትራር እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክውጹ ኣይሰደዶምን። ን።

Image

ስለዚ እግዚኣብሄር ጻጹት ሰደደ። ቀጺሉ ድማ ጽንጽያ ከልቢ ሰደደ። ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ ነዞም መዓት እንተ ኣወጊዶሙሉ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ነገሮም። ሙሴ ምስ ጸለየ ድማ እግዚኣብሄር ነቶም ጽንጽያታት ካብ ግብጺ ኣወገዶም። ሕጂ’ውን ፈርኦን ልቡ ብምትራር ንእስራኤላውያን ኣይሓድግን በለ።

Image

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ማል ግብጻውያን ብሕማም ክሞታ ገበረ። ፈርኦን ግና ልቡ ብምትራር ንእስራኤላውያን ኣይሰደዶምን።

Image

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ሓሙኽስቲ ክብትን ንሙሴ ኣዘዞ። ሙሴ ነቲ ሓሙኽሽቲ ናብ ሰማይ ምስ በተነ፡ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ዘሕምም ቊስሊ ወጾም። ኣብ እስራኤላውያን ግና እቲ ቊስሊ ኣይወጸን። እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ ፈርኦን ድማ ንእስራኤላውያን ኣይሓደጎምን።

Image

ድሕሪ እዚ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ኣዝርአቲ ኩሉን ኣብ መሮር ዝነበረ ሰብ ዘጥፍአ በረድ ከምዝወቅዕ ገበረ። ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ኣሮንን ጸዊዑ፡ “በዲለ እየ፡ ሕጂ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም” ኢሉ ነገሮም። ስለዚ ሙሴ ጸለየ፡ እቲ በረድ ድማ ምውቃዕ ኣቋረጸ።

Image

ይኹን እምበር ፈርኦን መሊሱ ሓጢኣት ሰርሐ ልቡ’ውን ኣትረረ። ንእስራኤላውያን ድማ ክሰዶም ኣይፈተወን።

Image

እግዚኣብሄር ድማ ናብ ግብጺ ዕስለ ኣንበጣ ኣምጽአ። እዞም ኣንበጣታት ከኣ ነቲ በረድ ዘየጥፍኦ እኽሊ በልዕዎ።

Image

ብድሕሪኡ እግዚኣብሄር ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሐ ጸልማት ሰደደ። ግብጻውያን ካብ ኣባይቶም ምውጻእ ክሳዕ ዝስእኑ ኣዝዩ ጸልሚቱ ነበረ።

ኣብቲ እስራኤላውያን ዝነብሩሉ ከባቢ ግና ብርሃን ነበረ።

Image

ድሕሪ እዞም ትሽዓተ መዓት’ኳ ፈርኦን ንእስራላውያን ክሰድድ ኣይፈተወን፡፡ ፈርኦን ምስማዕ ስለ ዝኣበየ፡ እግዚኣብሄር ልቢ ፈርኦን ዝልውጥ ሓደ ናይ መወዳእታ መዓት ክሰድድ ወሰነ።

ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ዘፀኣት 5-10።