Tigrinya: Open Bible Stories

Updated ? hours ago # views See on DCS

30. ኢየሱስ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ መገበ

Image

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓዲታት ክሰብኩን ከምህሩን ንሃዋርያቱ ለኣኸ። ንሳቶም ድማ ናብቲ ኢየሱስ ዝነበረሉ ምስ ተመልሱ፡ ነቲ ዝገበርዎ ኩሉ ነገርዎ። ብድሕሪኡ ኢየሱስ ነቲ ቃላይ ሰጊሮም ብሕት ናብ ዝበለ ቦታ ምስኡ ክኸዱ’ሞ ቁሩብ ክዓርፉ ነገሮም። ስለዚ ናብ ጃልባ ኣትዮም ነቲ ቃላይ ሰገርዎ።

Image

በቲ ጃልባ ክኸዱ እንከለዉ ግና ብዙሓት ዝረኣይዎም ሰባት ነበሩ። እዞም ሰባት ድማ ቀዲሞምዎም ክሓልፉ ብወሰናወሰን እቲ ቃላይ ጐየዩ። ኢየሱስን ደቀመዛሙርቱን ናብ ማዕዶ ምስ በጽሑ፡ ብዙሓት ሰባት ቀዲሞም ይጽበይዎም ነበሩ።

Image

እእቶም ህዝቢ ኣንስትን ቈልዑን ከይተቘጸሩ ካብ 5000 ዝበዝሑ ሰብኡት ነበሩ። ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ደንገጸሎም። እዞም ህዝቢ ንኢየሱስ ሓላዊ ከምዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ። ስለዚ መሃሮምን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ሕሙማት’ውን ፈወሶም።

Image

በታ ምሸት ደቀመዛሙርቱ ከምዚ ኢሎም ነገርዎ፡ “ሕጂ መስዩ እዩ ኣብዚ ከባቢ ድማ ከተማ የለን። ዝበልዕዎ ምእንቲ ክዕድጉ ኣፋንዎም።

Image

ኢየሱስ ግን ንደቀመዛሙርቱ፡ “ዝበልዕዎ ንስኻትኩም ሃብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ኩሉ ሰብ እነብልዖ፡ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ጥራይ እዩ ዘለና” ኢሎም መለሱሉ።

Image

ሓምሳ ሓምሳ ኰይኖም ክቕመጡ ነቶም ህዝቢ ክነግርዎም ንደቀመዛሙርቲ ነገሮም።

Image

ብድሕሪኡ ኢየሱስ ነቶም ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ሒዙ ናብ ሰማይ እንዳጠመተ ስለቲ ምግቢ ድማ ኣመስገነ።

Image

ነቲ እንጀራን ዓሳን ከኣ ቈረሰ። ነቶም ህዝቢ ክህብዎም ድማ ነቶም ደቀመዛሙርቲ ሃቦም። እቶም ደቀመዛሙርቲ ከኣ ነቶም ህዝቢ ዓደልዎም፡ እቲ ምግቢ ግና ኣይተወድአን፡ እቶም ህዝቢ ከኣ በሊዖም ጸገቡ።

Image

ብድሕሪኡ እቶም ደቀመዛሙርቲ ነቲ ቍርስራስ ምግቢ ኣከብዎ፡ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ድማ መልአ፡ እዚ ኩሉ ምግቢ ዝተረኽበ ከኣ ካብቲ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን እዩ፡፡

ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 14፡13-21፤ ማርቆስ 6፡31-44፤ ሉቃስ 9፡10-17፤ ዮሐንስ 6፡5-15።