30. ኢየሱስ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ መገበ
ኣብ ዝተፈላለዩ ዓዲታት ክሰብኩን ከምህሩን ንሃዋርያቱ ለኣኸ። ንሳቶም ድማ ናብቲ ኢየሱስ ዝነበረሉ ምስ ተመልሱ፡ ነቲ ዝገበርዎ ኩሉ ነገርዎ። ብድሕሪኡ ኢየሱስ ነቲ ቃላይ ሰጊሮም ብሕት ናብ ዝበለ ቦታ ምስኡ ክኸዱ’ሞ ቁሩብ ክዓርፉ ነገሮም። ስለዚ ናብ ጃልባ ኣትዮም ነቲ ቃላይ ሰገርዎ።
በቲ ጃልባ ክኸዱ እንከለዉ ግና ብዙሓት ዝረኣይዎም ሰባት ነበሩ። እዞም ሰባት ድማ ቀዲሞምዎም ክሓልፉ ብወሰናወሰን እቲ ቃላይ ጐየዩ። ኢየሱስን ደቀመዛሙርቱን ናብ ማዕዶ ምስ በጽሑ፡ ብዙሓት ሰባት ቀዲሞም ይጽበይዎም ነበሩ።
እእቶም ህዝቢ ኣንስትን ቈልዑን ከይተቘጸሩ ካብ 5000 ዝበዝሑ ሰብኡት ነበሩ። ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ደንገጸሎም። እዞም ህዝቢ ንኢየሱስ ሓላዊ ከምዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ። ስለዚ መሃሮምን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ሕሙማት’ውን ፈወሶም።
በታ ምሸት ደቀመዛሙርቱ ከምዚ ኢሎም ነገርዎ፡ “ሕጂ መስዩ እዩ ኣብዚ ከባቢ ድማ ከተማ የለን። ዝበልዕዎ ምእንቲ ክዕድጉ ኣፋንዎም።
ኢየሱስ ግን ንደቀመዛሙርቱ፡ “ዝበልዕዎ ንስኻትኩም ሃብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ኩሉ ሰብ እነብልዖ፡ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ጥራይ እዩ ዘለና” ኢሎም መለሱሉ።
ሓምሳ ሓምሳ ኰይኖም ክቕመጡ ነቶም ህዝቢ ክነግርዎም ንደቀመዛሙርቲ ነገሮም።
ብድሕሪኡ ኢየሱስ ነቶም ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ሒዙ ናብ ሰማይ እንዳጠመተ ስለቲ ምግቢ ድማ ኣመስገነ።
ነቲ እንጀራን ዓሳን ከኣ ቈረሰ። ነቶም ህዝቢ ክህብዎም ድማ ነቶም ደቀመዛሙርቲ ሃቦም። እቶም ደቀመዛሙርቲ ከኣ ነቶም ህዝቢ ዓደልዎም፡ እቲ ምግቢ ግና ኣይተወድአን፡ እቶም ህዝቢ ከኣ በሊዖም ጸገቡ።
ብድሕሪኡ እቶም ደቀመዛሙርቲ ነቲ ቍርስራስ ምግቢ ኣከብዎ፡ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ድማ መልአ፡ እዚ ኩሉ ምግቢ ዝተረኽበ ከኣ ካብቲ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን እዩ፡፡
ታሪኽ መፅሓፍ ቅዱስ፡- ካብ ማቴዎስ 14፡13-21፤ ማርቆስ 6፡31-44፤ ሉቃስ 9፡10-17፤ ዮሐንስ 6፡5-15።